ኤርትራ፡ ተዘክሮታት ስነ-ጥበባዊ በረኸት መሰለ ኣብ ኣስመራ

በረኸት መሰለ
ናይ ምስሊ መግለጺ በረኸት መሰለ

ስነ ጥበባዊ ክትከውን ምምናይን ተውህቦ ስነ ጥበብ ሃልዩካ ስነ ጥበባዊ ምዃንን በበይንቶም'ዮም።

ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ንስነ ጥበብ ቀረባ ኮይንካ ብሙዚቃ ተኾስኩስካ እንተዓቢኻ 'ኣነ እየ ዝበለ' ስነ ጥበባዊ ናይ ምዃን ዕድልካ ልዑል'ዩ።

ፍርያት ማይ ምነ

ገና ካብ ብቖልዕኡ ጀሚሩ [ጭራ] ዋጣ ምህራም ጀሚሩ። ወዲ 13 ዓመት ሰገን'ዩ፡ ንናይ ጽባሕ ርሑው ህይወት ኣብ መዓሰከራት ስደተኛታት ትግራይ ከርተት ዝብል ዘሎ በረኸት መሰለ፡ ኣብ ኤርትራ ማይ ምነ እዩ ተወሊዱ።

እግሪ ተኺሉ ኮዳዕዳዕ ምባል ምስጀመረ ድማ ምስ ወለዱ ናብ ኣስመራ ከይዱ።

"ብዙሕ ተዘኩሮታተይ ኣብ ኣስመራ ጎዳይፍ ዘሕለፍክዎ'ዩ" ዝብል በረኸት ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ በሪሁ ሊላይ ኣብ ዝገበሮ ወግዒ፡ "ኩሎም ደቂ ማይ ምነ ዋጣ ስለዝሃርሙ ኣነ እውን ዋጣ ክሃርም ጀሚረ" ብምባል ከመይ ምስ ሙዚቃ ዓለም ከም ዝተላለየ ሓቢሩ።

በረኸት፡ ገና ወዲ ሸሞንተ ዓመት እንከሎ ነታ ብዙሕ ተዘክሮታት ኣሕሊፈላ ዝበላ ዝፈትዋ ጎዳይፍ ራሕሪሑ፡ እተን ጎደናታት ኣስመራ ረጊጸን ዘይጸገባ ለግለግ ኣእጋሩ ናብ ስደት ኣምሪሔን።

ኣእዳዉ፡ ጅማት ዋጣ ዓትዒተን "ክኣስረኪ'ዶ ብጅማት ህበይ" እናበላ ዘዛንያኣ ንዝነበረት ከተማ ማይ ምነ ንድሕሪት ገዲፈን ምስወለዱ ንትግራይ ኣትዩ።

በረኸት መሰለ፡ ስደተኛ ዝብል ታሴራ ተዋሂብዎ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ካብ ዝነብር እነሆ ሓሙሽተ ዓመታት ኮይኑ'ሎ።

"እንተኾይኑለይ"

ኣብ ሕጻጽ እትርከብ ጉጅለ ባህሊ ዝሃበቶ መሳርሒ ገይሩ፡ ክራር ብደምቢ መሊኹ ፎቖዶ እንዳ ጥምቀትን መርዓን ክጻወት ጀሚሩ።

"መዓስከርና፣ ደቂ መዓስከርና" ዝብላ ቃላት ካብ ኣፍ በረኸት ኣይፍለያን።

ብሰንኪ ሃሩርን ሰኣን መዘናግዕን ክንደይ ሰብ ካብቲ መዓስከር ሃጽ ኢሉ ከምዝጠፍእ ዝገልጽ በረኸት፡ ነቲ ጽንኩር ናብራ መዓስከር ክራሩ ምስ ዜማታት ነብስሄር ህቡብ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኣዋዲዱ ይሓልፎ'ሎ።

ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ንሃገሩ ኤርትራ ፍሉይ ፍቕርን ናፍቖትን ከምዘለዎ ካብ ዘዝይሞም ደርፍታት ኢኻ እትርዳእ።

ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ገባር ሽረ፡ ቅርቅርቲ ኮይንና ነታ ከተማ ቁልቁል እናረኣና በረኸት ብዝጻወቶም ደርፍታት እናተዘናጋዕና ፍሉይ ሃሴት ፈጢሩልና ኣሎ።

"ንምዃኑ ዝያዳ ኣብሊጽካ እትፈትዎ ደራፊ መን'ዩ?" ምስበልክዎ፡ ንጻት'ኳ ከይጸንሐ "ኣብርሃም ኣፈወርቂ" በለኒ።

ኣነ'ውን ዜማታት ኣብርሃም ኣፈወርቂ ብሰገን ስነ ጥበባዊ በረኸት መሰለ ክሰምዕ ተሃንጥየ ስለዝነበርኩ "እስኪ ኣስመዐና" በልክዎ።

"ናይ መብጽዓ ደሴት. . . ሓበን ዘርኣ መሬት እዛ ብህግቲ ስፍራ፣

ናይ ድኽነት ባሕሪ ሰጊርካ ብጻዕሪ እትርከብ ብልጽግቲ ኤርትራ፡

ፍቕርኺ ኣሎ ኣብ ሰራውረይ፡

ንዓለም ንእሽቶ ሃገረይ

ንዓይ ግን ንስኺ ኢኺ ዓለመይ

ኣብ ዝኸድክዎ ኣላ ኣብ ልበይ ንቡር ረኺበ ከም ሰበይ

ጥማር ወረቐት ኣብ ኢደይ ዘይንጸፍ ሓሞት ኣብ ውሽጠይ''። እናበለ ነታ እንከይመነዋ ናብ ስደት ዝለኣኸቶ ጎዳይፍ ኣስመራ ዘኪሩ ብሕልና ንድሕሪት ዕዝር ኢሉ።

ኣብ ኤርትራ ከም ስነ ጥበባውያን ኣብርሃም ኣፈወርቅን የማነ ባርያን ዝመጽእ የለን ይብል በረኸት።

"ከምኣቶም ንምዃን ትምህርቲ'ዩ ዘገድስ" ዝብል ሓሳብ ድማ ኣለዎ።

ካብ ገጽ በረኸት ርእሰ ተኣማንነት፣ ሓቦን ንሒን ኣይፍለያን። ኣብ ከይዲ ድምጽኻ እናተሳሕለ ህቡብ ደራፋይ ምዃን ከም ዝከኣል ብርእሰ ተኣማንነት ዝገልጽ በረኸት፡ "ኣምላኽ ድኣ የስምረለይ እምበር ከም ኣብርሃም ኣፈወርቂ ክኸውን'የ ዝደሊ" ኢሉ ደርፍታት ኣብርሃም ይጻወት።

''ፍቕሪ'ዩ መንገደይ

ሓጥያት እንተኾይኑስ ክጸድቕ ኣይደልን

ፍቕሪ'ዩ ህይወተይ ድኻም እንተኾይኑስ

ከዕርፍ ኣይደልን።

ሓሳብ ናይ ልበይ እንተኾይኑለይ

እንተተሳኒና ምሳኺ፡

ብምሉእ ልበይ ብኹፍት ዓይነይ

ወትሩ ዝሓልሞ'ዩ

ዕድለይ ህይወተይ ንዓኺ''።

ናይ ምስሊ መግለጺ በረኸት መሰለ

ሓወይ ወዲ ኤረይ ሰላም የውረደልካ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን እንታይ ክሕጉዙኻ ትደሊ ንዝብል ሕቶ፡ በረኸት "ኣነ ካብ ሰብ ዝደልዮ ነገር ኣጆኻ በርትዕ ዝብል ሞራል ጥራይ'ዩ" ኢሉ።

እታ ብጉጅለ ባህሊ ዝተዋህበቶ ክራር ዓንያ ከምዘላ ዝገልጽ በረኸት፡ ኣብ ቀጻሊ ካብ ዋጣን ክራርን ብተወሳኺ ኩሎም ዓይነታት መሳርሕታት ሙዚቃ ክለምዶም ከምዝደሊ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መዓስከራት ዘሎ ሃሩርን ከቢድ ናብራን ብዙሕ መንእሰይ ተስፋ ቆሪጹ ፎቖድኡ ክኸይድ ኣስተውዒሉ።

በረኸት ንገዛእ ርእሱ ዓዱ ከምዝናፍቕን፡ ኣብ ስደት ንዘለዉ ኤርትራውያን ብናይ የማነ ባርያ ደርፊ ሰላምታይ ኣሕልፈለይ ኢሉ።

"ከመዓልካ ሓወይ ዕባይ ናይ ኣስመራ

ወዲ ኣባ ሻውል ወዲ ኣርባዕተ ኣስመራ

ብሓፈሻ ኩለኹም መንእሰያት ኤርትራ፣

ትዝክሩ ዲኹም ናይ ቀደም ጸወታ

ተኣኪብካ ምዕላል ናይ ግርህነት ዋልታ

ከም ሎሚ ከይኮነ ብማዕዶ ሰላምታ

ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ስደት ዘለኻ

ሓወይ ወዲ ዓደይ ሰላም የውርደልካ።"

ናብታ ብኽራሩ ገይሩ እናተዋዘየ ዝነብረላ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ተሰናቢቱኒ ከይዱ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
"ከም ኣብርሃም ኣፈወርቂ ከኸውን'የ ዝደሊ"