ኢትዮጵያ፡ መርዓውን ዓርኪ-ርእሱን ኣብ ሕጽኖት ብዝተፈንጀሮም ቦምባ ተቐቲሎም

ናይ ኢድ ቦምባ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ኢድ ቦምባ

ሓደ መርዓውን ዓርኪ-ርእሱን ኣብ ሕጽኖት እንከሎ ብዝተፈንጀሮም ናይ ኢድ ቦምባ ከም ዝተቐትሉ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ወዲ 25 ዓመት ዝኸነ መርዓዊ መሓመድ ሓሰን መሓመድ ምስ ዓርኪ-ርእሱ ዝኾነ ወዲ 24 ዓመት ቦጋለ ሰብስቤ ኣበራ ኮይኖም ነታ ናይ ኢድ ቦምባ ክተናኽፍዋ እንከለዉ'ያ ተባሪዓቶም።

እዚ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ደቡብ ወሎ ዞን፡ ድርቦች ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ'ዩ ኣጋጢሙ። ስነስርዓት ቀብሮም ድማ ብሰኑይ ተፈጺሙ።

እቲ ዘይሕጋዊ ቦምባ ናይቲ መርዓዊ ምዃኑ ምክትል ኣዛዚ ፓሊስ ወረዳ ቦረና፡ ኮማንደር ንጋቱ ታመነ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ገለ ሰብመዚን ደቂ ዓድን፡ ኣብቲ ን"ጫጉላ" (ሕጽኖት) ተባሂሉ ኣብ ቀጽሪ መንበሪ ቤተሰብ ናይቲ መርዓዊ ዝስራሕ ግዝያዊ ኣጉዶ እናሃለዉ እቲ ቦምባ ከም ዝተባረዖም'ኳ እንተ ተዛረቡ፡ ፓሊስ ግን እቲ ኩነታት ድሕሪ ሕጽኖቶም'ዩ ኣጋጢሙ ኢሉ።

መርዓት ኣብቲ እዋን ኣብ ናይ ቤተሰብ ናይ ቡን ስነስርዓት ክትሕወስ ካብቲ ናይ ሕጽኖት ኣጉዶ ወጺኣ ብምጽንሓ ካብቲ ሓደጋ ክተርፍ ኪኢላ።

ብመሰረት ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ከም መርዓን መልቀስን ዝበሉ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ብረት ምትኳስ ልሙድ ተርእዩ እዩ። እዚ ድማ ብሕጊ ክልኩል ምዃኑ ኮማንደር ንጋቱ ሓቢሩ።

ገለ ካብቲ ነበርቲ ዝሕዝዎ ብረታት ድማ ዘይሕጋዊ ምዃኑ'ውን እቶም ሰብመዚ ጠቒሶም።

ምዝውዋር ዘይሕጋዊ ብረት ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮነ፡ ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣቱ ዝተሓዝ ዘሎ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋር እናዛየደ ክምጽእ ጸኒሑ'ሎ።

እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭታትን ዘይምርግጋእን መሊሱ ክጋደድ ዝገብር ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት