ምርጫ ናይጀሪያ፡ ኣብ ፖርት ሃርኮርት ኣብ ዝነበረ ንቡሃሪ ዝድግ ፍሰልፊ ሰባት መይቶም

ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ፕሬዝደንት ናይጀሪየ ኣመሓመድ ቡሃሪ፡ ኣብ ፖርት ካርኮርት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ደገፍ ተሳቲፎም፡ 12 ለካቲት 2019 Image copyright Reuters

ናይጀሪያ፡ ፕሬዝደንታ ዝወዳደረሉ ሃገራዊ ምርጫ ክተካይድ'ያ።

ምኽትል ፕሬዝደንት ነበር ኣቲኩ ኣቡባካር ድማ ቀንዲ ተነሓናሒ ሁባሪ ምዃኑ ይግለጽ።

ንጎስጓስ ምርጫ መሓመድ ቡሃሪ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ዝተረኸቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ግን፡ ብበሊሕ ነገራት ተወጊኦም፣ መይቶምን ቖሲሎምን ተባሂሉ።

ከም ጸብጻብ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር፡ ፕሬዝደንት ቡሃሪ ዘረባ ምስ ኣስመዐ'ዩ እቲ ህዱድታ ተፈጢሩ።

መብዛሕትኦም እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ናብ ባይታ ዝወደቑ ኮይኖም፡ ኣብ ቀረብኦም ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ቡሃሪ ካብቲ ዝመደረሉ ቦታ ወሪዱ ክኸይድ ምስ በለ ንዕኡ ንምስዓብ በቲ ዝተዓጸወ ማዕፆ ክኣትው ምስ ፈተኑ'ዩ እቲ ምውዳቕን ምጭንናቕን ዝተፈጠረ።

ቤት ጽሕፈት መሓመድ ቡሃሪ ፀኒሑ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብዛዕባ እቲ " ብዝተፈጠረ ህዱድታ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰልፉ ዘጋጠመ ዘሰንብድ ሞት" ሓበሬታ ከም ዝበፅሖ ኣፍሊጡ።

ተወሳኺ ዛንታ