ደሃያ ተሳኢኑ ዝቐነየት ኬንያዊት ተጣባቒት መሰላት ካሮሊን ምዋታ፡ ሞይታ ተረኺባ

ስእሊ ካሮሊን
ናይ ምስሊ መግለጺ ስድራ ካሮሊን ጓሎም ንምርካብ ወፍሪ ጀሚሮም ነይሮም

ደሃያ ተሳኢኑ ዝፀንሐት ኬንያዊት ተጣባቒት መሰላት ካሮሊን ምዋታ፡ ሞይታ ከም ዝተረኸበት ፖሊስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምዋታ ብፖሊስ ዝፍፀሙ ቅትለት ዜጋታት ዝምልከቱ መረዳእታታት ኣብ ምስናድ ትነጥፍ ዝነበረት ኮይና፡ ፖሊስ ግን ምኽንያት ሞታ ምስ ምንፃል ጥንሲ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል እምነቱ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ምርመራ ገበናት ኬንያ፡ ምስ ናታ ሞት ብዝተሓሓዝ ሽድሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ኣፍሊጡ።

ምዋታ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ'ዩ ደሃያ ጠፊኡ። ንምርካብ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ከኣ 'ፋይንድካሮሊንምዋታ' (#FindCarolineMwatha) ዝብል ምንቅስቓስ 'ሃሽ ታግ' ተጀሚሩ ነይሩ።

ንሳ 'ዳንዶራ' ንዝበሃል ማእከል ፍትሒ ማሕበረሰብ ትሰርሕ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ካብ ከተማ ናይሮቢ ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ እትርከብ ዳንዶራ ብፖሊስ ዝፍፀሙ ቅትለታት ትስንድ ምንባራ ይግለፅ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልነ ብሰኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብህይወት ንኽትርከብ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊፁ ነይሩ።

ስድርኣን መሓዙታን፡ ኣብቲ ዝተረኸበትሉ መካነ ሬሳ ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክደልይዋ ከም ዝቐነዩ ተዛሪቦም።

ጉጅለ መሰላት ኬንያ 'ሚሲንግ ቮይስስ' ንምዋታ "ተባዕ ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላት" ክብል ገሊፅዋ።

ምዋታ ንመወዳእታ ግዘ ዝተርኣየት ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዳንዶራ ናብ ዝርከብ ገዝኣ ብዝኸደታ መሓዝኣ ክኸውን ከሎ፡ ሽዑ ምሸት ስልኪ ደዊላትላ ክተልዕል ከም ዘይከኣለት'ውን ካልእ መሓዝኣ ተዛሪባ።