ፈረንሳ፡ ሰለስተ ሚልዮን ሒዙ ዝተሰወረ ዘዋሪ መኪና

ኣንድሪን ደርበዝ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እታ ኣንድሪን ደርበዝ ዝዝውራ ዝነበረ ገንዘብ እተመላለስ ተሽከርካሪት

እቲ ፍጻመ ኣብ ከተማ ፓሪስ፡ ፈረንሳ'ዩ ኣጋጢሙ፡ ክልተ ጥረ ገንዘብ ዘመላልሱ ሰራሕተኛታት፡ እታ ገንዘብ ተጻዒና ዝነበረት ማኪናኦም ምስ ሓደ መሳርሕቶም ህልም ኢላ ምስ ጸንሓቶም ሰንቢዶም።

ድሒሩ ግን እታ መኪና ኣብ ቀረባ ተረኺባ። እቲ ወዲ 28 ዓመት ዘዋሪኣን 3.4 ሚልዮን ዩሮን ግን ኣሰሮም ኣይተረኽበን።

ኣማሲኡ ግን፡ ኣብ ሓደ ኣብ ኣሜንስ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ሓደ ኣፓርታማ ምስቲ ሒዝዎ ዝጠፍአ ገንዘብ ተረኺቡ።

እቲ ኣንድሪን ደርበዝ ዝተባህለ ጥርጡር ትማሊ ሰሉስ ኣብታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፓሊስ ኣትዩ'ሎ።

ሰኑይ ንጉሆ'ዩ፡ ሰለስቲኦም ሰራሕተኛታት ካብ ከተማ ፓሪስ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ እቲ ልሙድ ገንዘብ ናይ ምምልላስ ስርሖም ኣብ ምፍጻም'ዮም ነይሮም።

ኣብ ሓደ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ክልተ ካብኦም ገለ ገንዘብ ናብቶም ዝኣዘዝዎ ከብጽሑ ከይዶም። እቲ ሳልሳዮም ግን ነታ ገንዘብ መሊኣ ዝነበረት መኪናኦም ክሕሉ ነይርዎ።

"ተመሊሶም ምስ መጽኡ፡ እታ መኪናን ዘዋሪኣን ተሰዊሮም ጸኒሖሞም" ክብል ፓሊስ ንኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሮም።

ድሒሩ ግን እታ መኪና ኣብ ቀረባ፡ ማዓጹኣ ተኸፊቱ ተረኺባ፡ ዘዋሪኣን እቲ ገንዘብን ግን ኣብዚኣ ኣተዉ ኣይተባህሉን።

ብሰሉስ፡ ፓሊስ ስእሊ ናይቲ መራሕ መኪና ዝኾነ ደርበዝ ብምዝርጋሕ ዝራኣየ ዓይኑ ትብራህ ዝብል ጻዊዒት ኣቕሪቦም።

ካብ ህዝቢ ብዝተረኽበ ርጡብ ሓበሬታ ድማ፡ ፓሊስ ንሓደ ኣብ ኣሜንስ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ኣፓርታማ ንምፍታሽ ኣኽቢቦም ሒዞሞ ክብላ ማዕከና ዜና ፈረንሳ ተዛሪበን።

ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ምስ ኮነ፡ ፓሊስ ነቲ ገንዘብ ዝመልአ ሓያሎ ቦርሳታት ሒዙ ብመስኮት ወጺኡ ክሃድም ዝፈተነ ደርበዝ ክሕዝዎ ኪኢሎም ክብል ሓደ መደበር ተለቭዥን ሓቢሩ።

Image copyright Police/AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ድሕሪ ሓደ ማልቲ ዝተታሕዘ ኣንድሪን ደርበዝ

ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ካልኦት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን፡ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከም ዝተታሕዘን ተፈሊጡ'ሎ። ክንደይ ከም ዝተረኽበን ዝጠፍአን ንምፍላጥ ይቑጸር ከም ዝነበረ'ውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

እቲ ስርቂ ምስቲ ኣብ 2009 ቶኒ ሙሱሊን ዝተባህለ ሰራሕተኛ 11.6 ሚልዮን ዩሮ ዝሰረቐሉ ፍጻመ ዝመሳሰል'ዩ።

ንሱ፡ ኣብ ሕዳር ናይቲ ዓመት'ዩ ምስቲ ዝሰረቖ ገንዘብ ተሰዊሩ። ንሓጺር እዋን ድማ፡ በቲ ደም ብዝይምፍሳስ፡ ብውሕሉል ውጥን ዝፈጸሞ ስርቂ ኣብ ኢንተርነት ህቡብነት ኣጥርዩ ነይሩ'ዩ።

ይኹን 'ምበር መብዛሕትኡ እቲ ገንዘብ ኣብ ሓደ ገራጅ ተረኺቡ'ዩ። ንሱ ድማ ባዕሉ ንፓሊስ ኢዱ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ብዝፈጸሞ ገበን ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘሕለፈ ይፍለጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት