ብዛዕባ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ኢትዮጵያ ክትፈልጥዎም ዝግብኡ ሓሙሽተ ነጥብታት

ንሃይማኖታዊ ስርዓት ዝተኣከቡ ኢትዮጵያውያን (ሙስሊም - ፀጋም ከምኡ'ውን ክርስትያን -የማን) Image copyright Getty Images

ኢትዮጵያ ካብ 29 መጋቢት 2011 ኣቆፃፅራ ጀሚራ፡ ራብዓይ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ክተካይድ ትሸባሸብ ዘላ ኢትዮጵያ ፡ ዓንቀፅ 103 ሕገ መንግስታ፡ እቲ ቆፀራ በቢ ዓሰርተ ዓመቱ ክካእድ ይድንግግ።

ኮይኑ ግና እዚ ናይ ሎምዘበን ቆፅራ ከምቲ ዝሓለፈ ብሓደ ዓመት ተናዊሑ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

1. እቲ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ዝተፈላለየ መንነት ንዘለዎም ሰባት ኣፍልጦ ይህብ'ዶ?

ውፅኢት ሳልሳይ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ዕላዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዝተፈላለየ ነቐፌታታት ምስዓቡ ዝዝከር እዩ።

ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ምስ በዝሒ ህዝቢ ተተሓሒዙ ፡ 'ቁፅሪ ኮነ ኢልካ ክዛባዕ ተገይሩ እዩ' ኢሎም ነቲ ከይዲ ዘነኣእስዎ ሰባት ነይሮም።

እዚ ራብዓይ ቆፀራ ፡ ካብቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ቀፃሊ መረፃ፡ ሓደ ዓመት ቀዲሙ ፡ በቢኸባቢኡ ናይ ዓርሰ ምምሕዳር ሕቶታት ኣብ ዝለዓለሉ እዋን እዩ ዝካየድ።

እቶም ቆፀራ ዘካይዱ ሰባት ፡ ብከባብያዊ ኣመሓደርቲ ዝምረፁ እዮም።

• ኣብ ሓደ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ቁፅሮም ከመይ ምፍላጥ ይከኣል?

ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ፖለቲካዊ ዕላማ'ኳ እንተዘይሃለዎ ፡ ንፖለቲካዊ ውሳነታትን ድልታትን እታወት መዃኑ ሰለዘይተርፍ ፡ ዝእከብ መረዳእታ ንናይ ባዕለኻ ድልየት ብዝጥዕም መንገዲ ምቅይያር ከይህሉ ስግኣት ከም ዘለዎም፡ ዋና ፀሓፊ ኮምሽን ቆፀራ ህዝብን ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ብሄራዊ ስታትስቲክስን ኣይተ ቢራቱ ይገዙ ይገልፁ።

ኣይተ ቢራቱ፡ ነዚ ንምቁፅፃር፡ ኣብቲ ቆፅራ ተግባራዊ ዝግበሩ ፡ብቴክኖሎጂ ዝሕገዙ ኣሰራርሓታት መፍትሒ ከምዝኾኑ ይዛረቡ።

ነቶም ቆፀርቲ ስልጠና ከምዝወሃብን፡ ተሓታትነት ከምዝህሉን ወሲኾም ይገልፁ።

ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ንላዕሊ ዝተጋነነ ኣፈላላይ እንትህሉ፡ ኣብ ወረዳን ቀበሌን ዘለዉ ተዓዘብቲ መረጋገፂ ከቕርቡ ከምዝሕተቱን ፡ ዝኸፈአ እንተኾይኑ ድማ ዘይሻራዊ ተዓዛቢ ከምዝልኣኽ ሓቢሮም።

ናይ ተቖፀርቲ ብሄር ዝምልከት መረዳእታ ኣብቲ መሕትት ክምላእ እዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝውለዱ ሰባት፡ ሓዲኡ ክመርፁ ከምዘይግደዱ ዝገልፁ ኣይተ ቢራቱ፡ ''ብሄርን ሃይማኖትን ብዝምልከት፡ መልሲ ወሃቢ ኣካል ዝሃቦ መልሲ ጥራሕ እዩ ዝምላእ'' ይብሉ።

"ሕዋስ ናይ ብሄር መንነት ዘለዎም ኮኑ ናይ ብሄር መንነቶም ክግለፅ ዘይደልዩ ሰባት ነቲ ቆፃሪ እንተተዛሪቦም፡ አቲ ቆፃሪ ዝመልኦ ኮድ ኣሎ" ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

2. ክንደይ ዝኣክል ምድላው ተገይሩ?

ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ብዲጅታል መሳርሒ ዝተሓገዘ ቆፀራ'ያ ክተካይድ።

ነዚ የገልግሉ እዮም ዝተበሃሉ 180 ሽሕ 'ታብሌታት'፡ ናይ ሓይሊ ምቁራፅ ከየጋጥም ድማ፡ 126 ሽሕ ፓወር ባንክታትን 30 ሽሕ ባትሪ ቻርጀራትን፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተገዚኦም እዮም።

እዚ ቆፀራ ብዲጅታል መሳርሒ ክካየድ ምግባር፡ ''ንቁፅፅር ፅሬት፣ ክትትል፣ ኣብ እዋኑ ንምውዳእን ዝነበሩ ፀገማት ንምእላይን ''ዝሓሽ ኣማራፂ ምዃኑ ተኣሚኑሉ ዝተወሰነ እዩ" ይብሉ ኣይተ ቢራቱ።

ኣይተ ቢራቱ ከም ዝገለፅዎ ክልተ ወርሒ ዝውሰደ ምስንዳእ ናይ ቆፀራ ክልል፡ ካሊእ ዝተወገነ ስራሕ እዩ።

በዚ መሰረት ኣብታ ሃገር ዘለዋ ቀበሌታት ኩለን ፡ብማእኸል ቆፀራነት ክዳለዋ ተገይሩ'ሎ።

ኣብ ገጠር ካብ ሓደ ሚኢቲ ክሳብ ሚኢትን ሓምሳን መራሕቲ ስድራ፡ ኣብ ከተማ ድማ ካብ ሚኢትን ሓምሳን ክሳብ ክልተ ሚኢቲ ፡ኣብ ሓደ ክልል ቆፅራ ዝጠቓለሉ እዮም።

ሓድሕድ ቆፀራ ጣብያ ኣብ ጂፒኤስ (መቆፃፀሪ ካባቢ) ተመዘጊቡ እዩ።

ምስ'ዚ ተታሓሒዙ ስግኣት መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ቢራቱ ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

3. ውፅኢት ቆፀራ ዝምልከት

ኣብ ገለገለ ከባብታት እታ ሃገር ዝረአ ዘይምርግጋእ ፡ ነቲ ከይዲ ቆፀራ ክህውኾ'ዶ ይኽእል? ተባሂሎም ብቢቢሲ ዝተሓተቱ ኣይተ ቢራቱ ፡ ''ስግኣት እኳ እንተሃለወ ፡ስራሕና ከተኣጓጉለና እዩ ኢልና ግን ኣይንሓስብን'' ይብሉ፡ ብ2009 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት አምሓራን ኦሮምያን ኣብ እዋን ምስንዳእ ኣጋጢሙ ንዝነበረ ኩነታት ብምዝኽኻር።

እቲ ቖፅራ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ መዓልቲ ከምዝወስድ ዝገለፁ ኣይተ ቢራቱ፡ ድሕሪ እቲ ቆፀራ ዝተኣከበ መረዳእታ ናይ ምትንታን ከይዲ ዝቕፅል ኮይኑ ፡ወሰንቲ ዝኾኑ መስርሓት ምስሓለፈ፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፀዲቑ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ክኸውን ከባቢ ሽዱሽተ ወርሒ ከምዝወስድ ወሲኾም ገሊፆም።

4. እንታይ እዩ ዝሕተት?

ቅጥዒ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን፡ ንፈለማ እዋን እዩ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ማለት'ውን ኣምሓርኛ ፥ ኦሮምኛ፥ ሶማሊኛ ፥ ትግርኛን ዓፋርኛን ተሰናዲኡ።

መሰረታዊ መረዳእታ ካብ ዘመላኸቱ ዕድመ፣ ፆታ፣ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ዓውደ ስራሕን ካልኦትን ብተወሳኺ ኩነታት መጉዳእቲ ኣካል፣ ተጠቃምነት ቴክኖሎጂ ማለት'ውን ተጠቃምነት ተንቀሳቃሲ ስልክን ኢንተርኔትን እውን ከክካተቱ ተገይሩ'ሎ።

ኣብ ዉሽጢ እታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ይኹኑ ስደተኛታት ኣብቲ ቆፀራ ክካተቱ እዮም።

ተሃነፅቲ ሕጊ (እሱራት)፣ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ጎዳና ተመሓደርትን ዝምልከቱ ፍሉያት ዓይነታት መጠይቕ ከምዘለዉ'ውን እቶም ሓላፊ ይዛረቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘለዉ ተፈናቐልቲ ብዝምልከት፡ ''ነቲ ቆፀራን ካልኦት ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ክበሃል'' ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ፃዕሪ ከምዝግበር ተዛሪቦም። ፍልሰት ዝምልከት ድማ ''ናይ ኣቆፃፅራ ሜላ ኣሎ '' ይብሉ።

''ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ሃገር ዝውፀ ኣባል ቤተሰብ ኣለኩም'ዶ?'' ዝብል ሕቶ ኣብ ራብዓይ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ዝተኻተተ ሓዱሽ ሕቶ እዩ።

5. እቲ ቆፀራ ዘካይዱ ኣካላት መን እዮም?

ብላዕለዋይነት ናይ ምምራሕን ምትሕብባርን ስራሕ ናይ ቆፀራ ህዘቢ ኮሚሽን ስልጣን እዩ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፡ እቲ ኮሚሽን በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተሓፅዮም ፡ብባይቶ ወከልቲ ህዘቢ ሹመቶም ዝፀድቕ ኣባላት ይህልውዎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ላዕለዋይ ሓላፊ ክኸውን ከሎ፡ ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ ፌደራልን ክልልን ፥ ሓለፍቲ ምምሕዳር ከተማታትን ብኣባልነት ይሓቁፍ።

ቀንዲ ሓላፍነታት እቲ ኮምሽን፡ ኣጠቓላሊ ትልምታት ምግምጋም፣ ኣንፈት ምቕማጥ፣ ብላዕለዋይ ኣካል ዝፍትሑ ፀገማት እንተጋጥሙ መፍትሒ ምሃብን እዮም።

ኮይኑ ግና ናይቲ ቆፀራ ቴክኒካዊ ስራሕቲ ዘካይድ ፡ ኣብ እዋን ቆፀራ ተፀዋዕነቱ ነቲ ኮሚሽን ዝኸውን ኤጀንሲ ማእኸላይ ስታትስቲክስ እዩ።

እቲ ኤጅንሲ ፡ ናይ ቆፀራ ካርታ ናይ ምስንዳእ ሓላፍነት ኣለዎ። ዘድልዩ መሳርሒታት የቕርብ። ዝተፈላለዩ ተቆፃፀርቲ ስልጠና ይህብ። ናይ ቆፀራ መረዳእታ ይእክብ፥ ይትንትንን ናብ ኮሚሽን የቕርብን።

ብተወሳኺ እቲ ኤጀንሲ ናይቲ ኮሚሽን ፅሕፈት ቤት ሰክረተርያት ኮይኑ የገልግል።

ኣብቲ ቆፀራ ዝሳተፉ ሰራሕተኛታት ብክልልን ምምሕዳር ከተማታትን እዮም ዝምልመሉ።

እቶም ተመልመልቲ ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኮይኖም መብዛሕቲኦም መምህራን ፥ ሰራሕተኛታት ልምዓት ሕርሻን ጥዕና ኤክስቴንሽንን እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት