ትራምፕ ንኽምረፅ ሓላፊ ጎስጉስ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ፖል ማናፎርት ተወንጂሉ

ፖል ማናፎርት Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፖል ማናፎርት ኣብ 2018 ብብዙሓት ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ

ኣብ እዋን ምርጫ ኣሜሪካ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ጎስጓስ ሓላፊ ዝነበረ፡ ፖል ማናፎርት፡ ንኣኽባር ሕጊ ብምሕሳዉ ነቲ ምስ ፍሉይ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ፡ ሮበርት ሙለር፡ ፍርዱ ንኽፈኹሰሉ ዝኣተዎ ኪዳን ምጥላሙ ሓደ ናይ ኣሜሪካ ዳኛ ገሊጹ።

ኣሚ ቤርማን ጃክሶን፡ ናይ ኣሜሪካ ናይ ወረዳ ቤት ፍርዲ ዳኛ፡ ኣብ ዝሃበቶ ብይን ፖል ማናፎርት ንኣባላት ኤፍቢኣይ [ ናይ ኣሜሪካ ናይ ጸጥታ ትካል] ንቤት ጽሕፈት ሮበርት ሙለርን ንነባሮን ``ዝተፈላለየ ናይ ሓሶት ቃል`` ከም ዝሃበ ገሊጻ።

[ኣብ ኣሜሪካ እቶም ካብ ህዝቢ ዝተመዘዙ ነባሮ ኢዮም ፍርዲ ዝህቡ]።

ሮበርት ሙለር ነቲ ናይ ሩስያ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ናይ 2016 ናይ ኣሜሪካ ምርጫ ዝምርምር ጉጅለ ዝመርሕ ናይ ሕጊ ክኢላ ኢዩ።

እቲ ወዲ 69 ዓመት ፖል ማንፎርት፡ ገለ ካብ ክስታቱ ንኽልዓለሉ ምስ ሮበርት ሙለር ኪዳን ኣትዩ ነይሩ።

ዳኛ ኣሚ ቤርማን ጃክሶን ኣብቲ ትማሊ ሮቡዕ ዝሃበቶ ብይን፡ ፖል ማናፎርት ምስ ናይ ሩስያ ናይ ፖለቲካ ኣማኻሪ፡ ኮንስታትንቲን ኪሊሚኒክ፡ ዝኾነ ርክብ ከም ዘይነበሮ ገለ ካብቲ ዝሃቦ ናይ ሓሶት ቃል ከም ዝኾነ መርትዖታት ከም ዘሎ ገሊጻ።

ኮንስታትንቲን ኪሊሚኒክ ምስ ናይ ሩስያ ናይ ስለያ ትካል ርክብ ከምዘለዎ ድማ ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ።

እቲ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቨርጂንያ ዝጸንሐ፡ ፖል ማናፎርት ሓያል ፍርዲ ክውሃቦ ከም ዝኽእል ይግመት።

ዓሚ፡ ፖል ማናፎርት ድሕሪ`ቲ ፍርዱ ንኽፈኹሰሉ ዝሃቦ ቃል ``ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት`` ከም ዝሓሰወ ሮበርት ሙለር ገሊጹ።

ዝሃቦ ቃል እንታይ ነይሩ?

ፖል ማናፎርት፡ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ብሸሞንተ ገበናት፡ ማለት'ውን ብምድንጋር፡ ምጥፍፋእ ኣብ ባንክን ናይ ባንክ ሒሳባቱ ብዘይምሕባሩን - ተኸሲሱ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኣሜሪካ ውዲት ብምእላሙ ንዝቐረበሉ ክሲ ጥፍኣተኛ ምዃኑ ተኣሚኑ።

ብድሕሪኡ ድማ ምስ ሮበርት ሙለር ኣብ ዝገበሮ ስምምዕ፡ ፍትሒ ንምዕንቃፍ ውዲት ከም ዝገበር`ውን ተኣሚኑ።

እቲ ምስ ሮበርት ሙለር ዝገበሮ ስምምዕ ነቲ ካልኣይ ክሲ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ካልእን ከም ዘይልዓል ተገይሩ።

ፖል ማናፎርት፡ ድሕሪ`ቲ ፍርዱ ንኽፈኹሰሉ ዝሃቦ ናይ እምነት ቃልን ዝገበሮ ስምምዕን፡ ስጋብ 10 ዓመት ማእሰርትን፡ ኣርባዕተ ካብተን ዝውንነን ንብረታቱን [ገዛውቱ] ኣብ ዝተፈላለያ ባንክታት ዘሎ ቅሙጥ ገንዘቡን ክስእኖ [ክኸስሮ] ኢዩ።

እቲ ካልእ ክስታቱ ግና ክስረዝ ኢዩ።

እዚ ንፈለማ እዋን ነቲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሩስያ ኣብ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኢድ ኣእታውነት ድሕሪ ምምርማሩ ዝተዋህበ ናይ መጀምርያ ብይን ኢዩ።

ብኸመይ`ዩ እቲ ኩነታት ማዕቢሉ?

ፖል ማናፎርት ኣብቲ ናይ 2016 ፕሬዚደንታዊ መረጻ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ጎስጓስ ሓላፊ ኮይኑ ሰሪሑ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ሮበርት ሙለር ዘካየዶ መርመራ ``ኮነ ኢልካ ንምጥቃዕ`` ዝተገብረ መርመራ ከም ዝኾነን፡ እቶም ናይ ጎስጓስ ኣባላቱ ዝኾነ ርክብ ምስ ሩስያ ከም ዘይነበሮም ክገልጽ ጸኒሑ።

ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሮበርት ሙለር፡ ፖል ማናፎርት ግብሪ ንኸይከፍል ኣብ ሰለስተ ሃገራት፡ 31 ናይ ባንክ ሒሳባት ብምኽፋት ሚልዮናት ዶላራት ኣቐሚጡ'ዩ ክብል ከሲስዎ ነይሩ።

ዓቃብ ሕጊ ኣብ ዘቕረቦ ጭብጥታት፡ ፖል ማናፎርት እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ባንክታት ዘቐመጦ ገንዘብን ግብሪ ንኸይከፍል ዝገበሮ ምትላልን ጥራይ ኢዩ እቲ ምችኦት ዝመልኦ መነባብሮ ክነብር ዘኽኣሎ ኢሉ።