ኣብ ታንዛንያ ዝጸንሑ ልዕሊ 500 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም

ጉዕዞ ስደት Image copyright Ymane

ኣብ ታንዛንያ ዝነበሩ 554 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምድላዋት ከም ዝወገነ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣንን ኣምባሳደር ዮናስ ዮሴፍ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ካብቶም እሱራት፡ እቶም ልዕሊ 300 ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዳሬሰላም፡ ኣስታት 354 ኪሎ ሜትሮ ርሕቀት ኣብ ዝርከብ 'ታንጋ' ዝበሃል ከባቢ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

አምባሳደር ዮናስ፡ እቶም 250 ድማ ኣብ ጥቓ ዳሬሰላም ስለዝርከቡ፡ ሰነድ ጉዕዞኦምን ወፃኢታቶንም ኣዳሊውካ ናብ ሃገሮም ንምምላስ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ግዜ ከም ዘድልይ ኣረዲኦም።

ኣብ ሸሞንተ ኣብያተ ማእሰርቲ ታንዛንያ፡ ልዕሊ 1,900 ኢትዯጵያውያን ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ'ውን ኣረጋጊፆም።

እቶም ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሳገሩ ምዃኖም ብምሕባር፡ ኩሎም ምሉእ ዝኾነ ሰነድ ጉዕዞ ከም ዘይብሎም ተዛሪቦም።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገርን ሚንስተር ወፃኢ ጉዳያትን ምዝርራቡን ዝተረፉ እሱራት'ውን ንምፍታሕ ፍቓደኛታት ከም ዝኾኑን ገሊፆም።

ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ ኩነታት ኣፈታትሓ እቶም እሱራት ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ከም ዝደልዩ'ውን ኣፍሊጦም።

ኣምባሳደር ዮናስ ከም ዝበልዎ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር [2018] ልዕሊ 230 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም'ዮም።

ካብቶም ዝፍትሑ ስደተኛታት ዝተወሰኑ ግዘ ማእሰርቶም ዝወድኡ ኮይኖም፡ መብዛሕቲኦም ግን ምስ መንግስቲ ታንዛንያ ብምዝርራብ ብምሕረት ዝወፅኡ እዮም።

ኩሎም እቶም ስደተኛታት ኣብ ዕድመ መንእሰይነት ዝርከቡን ደቂ ተባዕትዮን ምዃኖም ካብ መብርሂ ኣምባሳደር ዮናስ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት