ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ብድሕሪ ዝተኻየደ ጉባኤ 300 መካይን ጠፊአን

ብጥንቃቐ ዝኣተዋ ሓሙሽተ መርቸዲስ መካይን፡ ኣብ መገዲ ኣየር ተራእየን Image copyright AirBridgeCargo

ፓፕዋ ኒው ጊኒ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዓለማዊ ጉባኤ ቑጠባዊ ምትሕብባር ኤዥያ-ፓስፊክ ክተአንግድ ከላ፡ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዝንቀሳቐሱለን 300 መኻይን ብልቓሕ ዓዲጋ ነይራ።

እንተኾነ ግን፡ እዘን መኻይን ኣበይ ኣትየን ስለ ዘይፍለጥ፡ ፖሊስ ኣብ ምእላሽ ተጸሚዱ ኣሎ።

እዘን ኣዝየን 'ምችዋት እየን' ዝተብሃላ መኻይን፡ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዘላ ሃገር ኣብ እተአንግዶ ጉባኤ ክሳተፉ ንዝመጽኡ መራሕቲ'ውን ከንቀሳቕሳ ዝተብሃላ'የን ነይረን።

ፖሊስ ግን፡ 284 መኻይን ምጥፍአን'ዩ ተዛሪቡ።

እተን መኻይን ድማ፡ ላንድክሩዘር፣ ፎርድስ፣ ማዝዳን ፔጆን ዝዓይነተን ምዃን ገሊጹ። ነዐአን ዝእልሽ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ'ውን ተወዲቡ ኣሎ።

"ኣብ እዋን እቲ ጉባኤ ንሓለፍቲ ዝተዓደላ ግን ድማ ዘይተመለሳ፡ 284 መካይን ኣለዋ" ክብል ኣዛዚ ፖሊስ ዴኒስ ኮርኮራን ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ከም ዕድል ኮይኑ እተን ዘይጠፍኣ ክቡራት ዝኾና 'ማሰራቲስ' ዝበሃላ ዓይነት መኻይን፡ ብነብሲ ወከፈን ልዕሊ 100,000 ዶላር ዋጋ የውፅኣ።

ከም ሓበሬታ ፖሊስ፡ ትሽዓተ ካብተን ዝጠፍኣ ከም ዝተሰረቓ ተረጋጊፁ፤ሎ። ገሊአን ኣቑሑተን ጎዲሉ'ዩ። እተን ዝተመለሳ'ውን "ኣዐርየን ዝተሃሰያ" እየን።

Image copyright EPA

መራሕቲ እዛ ኣብ ደቡብ ፓስፊክ እትርከብ ሃገር፡ 7.3 ሚሊዮን ህዝቢ ዘመሓድሩ ኮይኖም፡ ነቲ ዓለማዊ ኮንፈረንስ ምትእንጋድ 'ኢንቨስትመንትን ዓላማዊ ትኹረትን ክስሕበልና'ዩ' ኢሎም ሓሲቦም ነይሮም።

እንተኾነ፡ እዚ ጉባኤ ሃፍቲ እታ ሃገር ጋሕቢጡ ወዲኡስ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ሓገዝ ዘድልያ ሃገር ገይሩዋ ኣሎ።

ኣውስትራሊያ፣ ኣሜሪካን ኒው ዝላንድን፡ ተሳተፍቲ ድሕነቶም ሕልው ክኸውን ብዝብል ፍሉይ ሓይሊ ወተሃደራት ልኢኸን ነይረን።

ኣብዚ ግዘ ግን፡ ብርክት ዝበላ መራኸብቲ ሓፋሽን ተሓለቕትን፡ እዛ ድኻ ሃገር ዓብዪ ጉባኤ ክተአንግድ ምፍቃድ 'ትርጉም' ኣለዎ ድዩ? ክብሉ ሕቶ ኣልዒሎም።