መገዲ ኣየር ኤርትራ ንምንታይ እዩ ዘይዓበየ?

መገዲ ኣየር ኤርትራ Image copyright Eritrean Airlines

ዝተፈላለዩ ስነ ጥበባውያን ዝሓቖፈ ጉጅለ ባህሊ ኤርትራ ሎምቅነ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ንምሕያልን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ባህላዊ ምትእስሳር ንምፍጣርን ዝዓለመ ምዃኑ ድማ ተገሊጹ እዩ።

ክሳብ 24 ለካቲት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሕ እዚ ጉጅለ ልኡኽ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ፡ በታ 'እንኮ' ነፋሪት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝበረረ ይዝረብ።

ንምዃኑ መገዲ ኣየር ኤርትራ ከመይ'ዩ? እንታይ ሒዙኸ እዩ ስራሕ ጀሚሩ? ስለምንታይ ዘይዓበየ? ዝብሉን ካልኦትን፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝነበረ ክብሮም ዳፍላ ንድሕሪት ተመለሱ የዘንቱ።

2003 ዓመተ ፈረንጂ

ካብ ናጽነት ክሳብ 2003፡ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብነፈርቲ ዘይኮነ፡ ቤት ጽሕፈት መሸጣ ትኬትን 'ሃንድሊንግ ኤጀንስን' ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 2003 ወግዓዊ ስራሕ ጀሚሩ።

ብክልተ ዓበይቲ ቦይንግ 767 ናብ ስራሕ'ኳ እንተኣተወ፡ ብተግባር ግን ብሓንቲ ነፋሪት'ዩ ዝሰርሕ ነይሩ።

ክልቲኤን ነፈርቲ ብሓደ ኣይመጽኣን፤ እታ ሓንቲ ብክራይ መጺኣ ንሓደ ዓመት በይና እናበረረት እንከላ ድሕሪ ዓመት እታ ካልአይቲ ስዒባ።

እታ ካልአይቲ ብዕድጊት መጺኣ ንሓጺር ግዘ ብሓባር ምስ ሰርሐት፡ እታ ሓንቲ ተመሊሳ ከይዳ። ክሳብ ካብቲ መንገዲ ኣየር ጠቕሊለ ዝወጽእ [2009] ድማ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሓንቲ ነፋሪት ክበርር ጸኒሑ።

ንሓጺር ግዘ'ውን እንተኾነ፡ ህይወት መገዲ ኣየር ኤርትራ ብክልተ ነፈርቲ'ዩ ዝግለጽ።

በዚ ዓቕሙ፡ ኣዝዮም ርሑቓት ናብ ዝኾኑ ከም ጀማሪ ክትደፍሮም ዝኸብዱ ሃገራት ኤውሮጳ ይጉዓዝ ነይሩ። ኣመስተርዳም፣ ፍራንክፈርት፣ ሮማ፣ ሚላኖ፣ ጅዳን ዱባይን መንገዲ ኣየር ኤርትራ ይኸይድ።

ክኢላታትን ሰብሞያን

ቁጽሮም ብርግጽ'ኳ ምርቋሕ እንተዘይተኽኣለ፡ ካብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ብምንባሮም፡ እኹልን ካብ ዓቕሚ ንላዕልን ክኢላ ነይሩ።

ካብ ኣጀማምርኡ፡ ገፊሕ መደባትን ተስፋታትን ስለ ዝነበሮ ድማ፡ ብዓብይኡ ብብዙሓት ነፈርቲ ክሰርሕ'ዩ ተባሂሉ፡ 'ሞዴል' መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሕዝ ተገይሩ ነይሩ።

መብዛሕትኦም ኣብቲ መገዲ ኣየር ተሞኩሮ ዝነበሮም፡ ድሕሪ ኲናት ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተሰጎጉን ውሑዳት ካብ ወጻኢ ዝመጽኡን ነይሮም።

እቲ መንገዲ ኣየር ክጅመር ከሎ ድማ፡ ብእወንታ ዝርእዮ 'ህንጡው' ኮይኑ'ዩ ጀሚሩ።

ድሕሪ እቲ ኲናት ዝተፈጠረ ስምዒት ብምንባሩ፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ክትንጸል ኣይብላን ዝብል ምርድዳእ ብምሓዝ፡ ናይ ባዕልና መንገዲ ኣየር ክህልወና ኣለዎ፣ ኣጆኹም ጀምሩ ዝብል ድምጺ ካብ ኩሉ ይስማዕ ነይሩ።

መንገዲ ኣየር ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት'ኳ እንተኾነ፡ ካብ መንግስቲ ድማ 'ሙሉእ በጀት ኣለና'ዩ፤ ስራሕ ጀምሩ' ዝብል ስለ ዝነበረ፡ ክብርቲ ዓባይ ነፋሪት ሽዑ ንሽዑ መጺኣ ስራሕ ተጀሚሩ።

ንኣሽቱ ነፈርቲ ድማ በብዓመቱ ክመጽኣ ዝብል መደብ ተታሒዙ። ናይ ኣብረርቲ ቤት ትምህርቲ ከይተረፈ ተኸፊቱ።

Image copyright KIBROM DAFLA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ

እንታይ ድኣ ተፈጢሩ?

ሓደ መገዲ ኣየር፡ ብዋንነት መንግስቲ እንትጣየስ፡ ባይቶ እዩ ወሲኑ በጀት ዝፈቅድ።

ክኢላታት ድማ ገንዘብን ካልእን የቕርቡ፤ እዚ ብዙሕ ግዘ ብሚኒስትሪ መጓዓዝያ'ዩ ዝቐርብ።

ፓርላማ ምስ ኣጽደቖ፡ ክንድዚ ገንዘብ የድልዮ እዩ ተባሂሉ ተፈቒዱልካ ኣሎ ምስ ተብሃለ፡ እቲ መገዲ ኣየር ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጺኡ ርእሱ ክኢሉ ናብ ዝመሓደረሉ ኣሰራርሓ ይኣቱ። እዚ'ዩ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝጎደለ።

ብድሕሪኡ ገለ ፍሉይ ነገር እንተዘይመጺኡ ብናይ ባዕሉ ትርፊ ይኸይድሞ፡ 'ዝረኸቦ ኣታዊ ናብ መን፤ ንመን ይህብ?' ዝብል ምስ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ይውድእ።

ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ ናብ ስራሕ ክእቶ መንግስቲ ክህቦ'የ ኢሉ ቃል ዝኣተወሉ ገንዘብ፡ ክትረክብ ዘኽእል መስርሕ ኣይተወድአን።

ኣብ 2003 ሙሉእ ስልጣን ናይቲ መንገዲ ኣየር፡ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕሬዝደንት'ዩ ኣትዩ።

ስለዚ እቲ ትካላዊ ርክብ መንግስትን መገዲ ኣየርን ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ዘድሊ ገንዘብ ክርከብ ኣይክኣለን። ሰንከልከላት ክመጽእ ጀሚሩ።

እቲ ዝነበረ ህንጥውነት ናብ ድሕሪት እናተረፈ መጺኡ። ብዙሕ ዘርጠብጠብ ክፍጠር ጀሚሩ። ኣብረርቲ'ውን በብሓደ ክወጽኡ ጀሚሮም። ኣካያዲ ስራሕ ዝነበረ'ውን ገዲፉዎ ከይዱ። ክሕግዙ ዝመጽኡ ሰብ ሞያ'ውን ከምኡ።

ኣነ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ "ኢመርጀንሲ" ምስ ኣተወ'የ ብ 2006 ናብ ሓላፍነት መጺአ።

ኣብ እዋነይ፡ ብዝተኽኣለ መጠን እቲ ኩነታት ሓውዩ ነፈርቲ እንረኽበሉ፣ ዕዳጋታት እንፈጥረሉ ኩነታት ንምጥጣሕ፡ ምስ ኤርባስ ጥቡቕ ዝምድና ገይርና። እቲ ምሕደራ'ውን ምኩር ንዝኾነ ምሃብ ኣድላዪ ስለ ዝኾነ፡ ስምምዐይ ምስ ኤር ፍራንስ ገይረ።

ብውጥኑ እንተዝጓዓዝ ነይሩኸ?

ህላወ ምሃለዎ፣ ተወዳዳራይ ዓቕሚ'ውን ምፈጠረ።

ግን ዳሕራይ፡ ነዋሕቲ በረራታት ዘዋጽኡ ስለ ዘይነበሩ፡ ናይ ኣመስተርዳምን ፍራንክፈርትን በረራ ቀልጢፈ ዓጽየዮ።

ኣብ ከባቢና ማለት'ውን፤ ዱባይ፣ ኢትዮጵያ፣ ካይሮን ካልኦትን ንምኻድ ወሲንና፤ እታ ነፋሪት'ውን ዓባይ ስለ ዝኾነት ንኣሽቱ'የን ዘድልያና ነይረን። እታ ዓባይ ናብ "ቻርተር" ኣእቲና ክንከስበላ ጀሚርና። ከምዚ ብምግባር ሓድሽ መንገዲ ኣትሒዝናዮ ነይርና።

ናብ ኣምስተርዳም ዝነበረ በረራ ኣብ 2007 ተቋሪጹ፣ ፍራንክፈርትን ሚላኖን'ውን ጸኒሑ ተዓጽዩ። ሮማ ጥራሕ ግን ትበርር ነይራ።

ስለምንታይ በረራ ዞባዊ ይኑ?

ከም ኣብነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እንተሪኢና፡ በዝሒ ህዝቢ ዘለዎ ሃገር ስለ ዝኾነ ምንቅስቓስ ናይ ህዝቢ እኹል'ዩ።

ኢትዮጵያ ድማ ካብ ቀደም ጀሚራ ማእኸል ዓለምለኻዊ ምንቅስቓሳት ስለ ዝኾነት፡ ብዙሕ ዓለማዊ ፍሰት ተጉዓዝትን ንግድን ኣለዋ። መተሓላለፊት'ውን'ያ። እዚ ኹሉ ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይሰርሕ ካልእ ዓይነት ሞዴል ክተውጽእ ስለ ዘለካ ናብ ካልእ ስራሕ ኢና ኣቲና።

ኤርትራ ኣብ መንጎ ምብራቕ ኣፍሪቃን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን እትርከብ ስለ ዝኾነት፡ እዚ ጸጋ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። መወዳድርትኻ በዓል መን'ዮም? ከመይ ኣቢልካ እቲ ዕዳጋ ካብኦም ተሕድግ? ዝብሉን ካልኦትን ክጽንዑ ነይሩዎም።

ብመሰረት እዚ፡ ኤርትራ ክትከስብ እትኽእል ዞባዊት ብምዃን፣ ብንኣሽቱ ነፋርቲ ናብ ከባቢኻ ምኻድ'ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና ደፊእናሉ። ኣብዚ ግዘ፡ ብፍላይ ሱዳን ዓብዪ ዕዳጋና ስለ ዝነበረ መዝሚዝናዮ ኢና። ሳውዲ'ውን ኣብ ኣስመራ ዝነበሮም በረራ ንዓና ሂቦምና'ዮም።

ብእዋኑ፡ ናይ ሳውዲ፣ ግብጺ፣ ሉፍታንዛ የመንን ሱዳንን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኤርትራ ይዓርፋ ነይረን። እታ ዓባይ ኣብ ኤርትራ ትኸስብ ዝነበረት ግን ሉፍታንዛ እያ። ካብ ሰለስተ ክሳብ 5 ኣብ ሰሙን ትበርር ነይራ።

2009 ዓመተ ፈረንጂ

2007 ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ልዕሊ ዓቐን ዝነሃረሉ እዋን ነይሩ። እዚ ተጓንፎ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዕድል ኣይገበረን ዘበለ እዩ ነይሩ።

ስለምንታይ፡ ነዳዲ ቀዳማይ ወጻኢ ናይ መገዲ ኣየር እዩ። እዚ'ውን ኮይኑ ግን እታ ናይ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ስቕታ [ገንዘብ ዘይምሃብ] እንተዘይትጎድኣና ነይራ፡ እቲ ቅልውላው ምወጻእናዮ ነይርና።

ኣብዚ ግዘ ዋጋ ነፈርቲ፤ ብፍላይ ድማ ሓራጅ፤ ሓሲረን ነይረን። ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን እዚ ዕድል ክትጥቀመሉ ናይ ዘይምድላይ ፖለቲካዊ ጸወታ ነይሩ።

ናይቲ መንገዲ ኣየር ጸገም ድማ ኣብ 2009 ኣብ ጠርዚ በጺሑ። "እተን ዘለዋና ገንዘብ ሒዝና ነፈርቲ ንዓድግ ወይ ድማ ንዕጾ" ዝብል መማረጺ፡ ኣብ ጠረጴዛ ቀሪቡ።

እዚ ክኸውን ስለ ዘይክእል ግን፡ ገንዘብ ውሰዱ ስራሕ ስርሑ ዝብል ውሳኔ ኣብ ዝተውሃበሉ ኣብ ሳልስቲ፡ ሰለስተ ፓኪስታናውያን መጺኦም፤ መንግስቲ ክፈትሖ ዘይክኣለ ጸገም ክፈትሑ ተባሂሉ። ከመይ ንዝብል ዝወሃበካ መግለጺ ድማ የለን።

ኣብዚ ግዜ፡ ኩሉ ገዲፈዮ ወጺአ። መንገዲ ኣር ኤርትራ ኣነ ክገድፋ ከለኹ ብጽምኢ'ያ መይታ። ብድሕረይ ድማ እቲ በረራ ኣይቀጸለን።

ወርሒ ሓምለ ናብ ኣስመራ ሓድሽ በረራ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ 20 ሚኢታዊት ብርኪ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምግዛእ ምእማቱ ይዝከር።