መርበብ ኮምፒተር ፖለቲካዊ ውድባት ኣውስትራልያ ብሰርሰርቲ ተጠቒዑ

ባይቶ ኣውስትራልያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ካንቤራ ዝርከብ ባይቶ ኣውስትራልያ

ስርዓተ-መርበብ (ኔት ወርክ) ኮምፒዩተራት ቀንዲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣውስትራሊያ፡ ብሰርሰርቲ (ሃከራት) ጥቕዓት ከምዝበፀሖ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ስኮት ሞሪሰን ገሊፁ።

እዚ ዝተራቐቐ መጥቃዕቲ፡ 'ብመንግሰታዊ ኣካል' ዝተፈፀመ ምዃኑ ይገልፅ።

ኮይኑ ግና ''ኣብ ጉዳይ መረፃ፡ ጣልቃ ብዛዕባ ምእታዎም ግን ምንም መረዳእታ የለን" ክብል ይሕብር።

እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ፡ መረፃ ክተካይድ እያ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፡ ፈለማ ኣብ ልዕሊ ባይቶ እታ ሃገር ጥራይ ከምዝተፈጸመ ዝተጠርጠረ መጥቃዕቲ ዝምልከት ምጽራይ ድሕሪ ምግባሩ እዩ።

''ኣብቲ ከይዲ ምርመራ ግና፡ ኣብ ስርዓተ መርበብ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሊበራል፥ ሌበርን ናሽናልን እውን መጥቃዕቲ ከምዝበፀሐ ምግንዛብ ክኢልና ኢና" ክብል ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ገሊፁ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እዚ መጥቃዕቲ ብካልእቲ ሃገር ዝተፈጸመ ብዛዕባ ምዃኑን በየነይቲ ሃገር ተፈፂሙ ኢሉ ከምዝጥርጥርን ግን ኣይገለፀን።

ማእኽል ድሕንነት ሳይበር ኣውስትራሊያ፡ ሳይበራት ፖለቲካዊ ውድባት ጥቕዓት ከምዝተፈፀሞም ብምግላፅ፡ ዝተሰረቐ መረዳእታታት ብዛዕባ ምህላዉ ግና ዛጊድ ከምዘይተፈለጠ ይሕብር።

ንፓርቲ ሊበራል ናሽናል ኮሌሽን ዝመርሕ ዘሎ ስኮት ሞሪሰን፡ ግልፅነት ስርዓት መረፃ እታ ሃገር ንምሕላው ብዙሓት ስጉምቲታት ይውሰዱ ከም ዘለዉን፡ ሰብ መዚ ድሕንነት፡ ንኣካላት መረፃ እታ ሃገር ሓበሬታ ከምዝሃቡዎምን፡ ንኸኹሎም ፖለቲካዊ ውድባት'ውን ሓገዝ ከምዝገብሩሎምን ወሲኹ ገሊፁ።

''ጸብጻብ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዘርእዮ፡ ካብዚ መጥቃዕቲ ውሑሳት ኣይኮናን'' ይብል መራሒ ሌበር ፓርቲ ቢል ሾርተን እዚ ጉዳይ ዘሻቕል ምዃኑ ብምግላፅ።

መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት መጥቃዕቲ ሳይበር ዝበፀሖ እንትኾን፡ ገሊኦም ብቻይና ከም ዝተፈፀሙ ሚድያታት እታ ሃገር ይሕብራ።

ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ 2015ን 2016ን፡ ኣብ ልዕሊ ኤጄንሲ ሰታትሰቲክስ ኩነታት ኣየርን እታ ሃገር መጥቃእቲ ዝበፅሐ ክኸውን ከሎ፤ ኣብ 2011 ድማ ናይ ሓደ ላዕለዋይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ኢሜይል ተሰይሩ ነይሩ እዩ።

ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሳይበር፡ ዋላ'ኳ ዝተሰረቐ መረዳእታ ምህላዉ ዘይተገረጋገፀ እንተኾነ፡ ፖለቲከኛታት ግን ከም ቅድመ መጠንቀቕታ፡ ሚስጢራዊ ቁልፊ ኮምፒዩተሮም (password) ክቕይሩ ተገይሩ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት