ኣትለቲክስ፡ ሓድሽ ክብረ ወሰን ዘመዝገበ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ

ሳሙኤል ተፈራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ሓድሽ ክብረወሰን ዘመዝገበ ሳሙኤል ተፈራ ኣብ ናይ መወዳእታ መስመር

ኢትዮጵያዊ ሰገን ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ነቲ ን22 ዓመታት ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ 1500 ሜትሮ ክብረወሰን ከመዝግብ ትጽቢቱ ኣይነበረን።

ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ በርሚንግሃም ዝተገብረ ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር'ዩ ነቲ ዓወት ተጓናጺፉ ዘሎ።

"ነቲ ክብረወሰን ክሰብር'ሲ ይትረፍ፡ ኣብቲ ውድድር'ውን ክሳተፍ መደብ ኣይነበረንን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣዝየ እየ ተሓጒሰ ዘለኹ፡ ሓጎሰይ መግለጺ ክረኽበሉ ኣይክልን'የ"።

ትጽቢት ብዙሓት ኣብቲ ወዲ ሃገሩ ዝኾነ ዮሚፍ ከጀልቻ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ወዲ 19 ዓመት ሳሙኤል 200 ሜትሮ ምስተረፎም ገዲፍዎ ብምምርቃፍ ብ3፡31፡04 ግዜ ነቲ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን ብምስባር፡ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ'ሎ።

"ኣነ'ውን ዮሚፍ ክዕወት'ዩ ዝብል ትጽቢት'ዩ ነይሩኒ" ይብል ሳሙኤል።

ንሱ፡ ነቲ ብሂሻም ኢል ጉሩዥ ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ 3፡31.18 ግዜ ብ14 ካልኢታት (ሰከንድስ) ብምስባር'ዩ ክዕወት ኪኢሉ።

ኢትዮጵያ፡ ሓያሎ ክብረወሰን ዘመዝገቡ ኣትሌታት ዘፍርየት ሃገር'ያ። ካብዚኣቶም ሃይለ ገብረስላሴ፡ ቀነኒሳ በቀለ፡ ጥሩነሽ ድባባን፡ መሰረት ደፋርን ገንዘበ ድባባን ይርከብዎም።