ኪነታዊ ኣእምሮ፡ ርእሶም-ዝኸኣሉ ዓጽዋር ክእገዱ ጻዊዒት ቀሪቡ

ሰብኣልቦ ነፋሪት (ደሮን) Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ 'ንሓደ ማሽን ናይ ምቕታል ስልጣን ምሃብ ካብ ሓላፍነት ናጻ ክገብረካ ኣይክእልን'ዩ'

ምምዕባል ብኪነታዊ ኣእምሮ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝእዘዙ ኣጽዋራት ኲናት ክእገድ ሓደ ጉጅለ ሊቃውንቲ ስነፍልጠት ጸዊዑ።

ርእሱ-ዝኻኣለ (ኦቶኖሞስ) ኣጽዋራት ዘይተሓስበሉ ምብልሻው እንተድኣ ኣጋጢምዎ ንጹሃት ሰባት ክቐትል ይኽእል'ዩ ብምባል'ዮም ነቲ ጻዊዒት ኣቕሪቦም።

ናይ ስነ-ምግባር (ኢቲክስ) ኪኢላት ብወገኖም፡ ብዘይ ናይ ሰብ ተሳትፎ ክትቀትል ምድላይ፡ ደረቱ ዝሓለፎ ሞራላዊ ስጉምቲ'ዩ ክብሉ ይገልጽዎ።

እቲ ርእይቶ ኣብቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ 'ኣመሪካን ኣሶሴሽን ፎር ዘ ኣድቫንስመንት ኦፍ ሳይንስ' ዝብል ኣብ ምድንፋዕ ስነፍልጠት ዝነጥፍ ማሕበር'ዩ ቀሪቡ።

ሁማን ራይትስ ዎች (HRW) ዝተባህለ ተሓላቒ ጉጅለ ሰባዊ መሰላት፡ ሓደ ካብቶም 'ቀተልቲ ሮቦታት ይተኣገዱ' ዝብል ጎስጓስ ዘካይዱ ዘለዉ 89 ዘይመንግስታውያን ማሕበራት እዩ።

ሜሪ ዌርሃም ድማ ሓንቲ ካብቶም ነቲ ብዓለም ደረጃ ነቲ ጎስጓስ ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ውልቀሰባት'ያ።

"ብዛዕባ ብእግሮም ዝንቀሳቐሱን ዝዛረቡን ንዓለም ከይቆጻጸርዋ ኣይኮንናን ንዛረብ ዘለና። ስክፍታና ብዛዕባ ኣስጋኢ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ርእሱ ኪኢሉ ዝንቀሳቐስ ምዕቡል ስርዓተ-ኣጽዋር'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ሰላሕ እናበሉ'ዮም ዝቕልቀሉ ዘለዉ። ሰብኣልቦ ነፈርቲ ኲናት ቀንዲ ኣብነታት ክኾናና ይኽእላ'የን። ባዕለን ነፊረን ዝበራን ዝዓልባን ወታሃደራውያን ነፈርቲ'ውን ኣለዋ። ንምንቅስቓስ ዝከታተላ ናይ ሓለዋ ሮቦታት'ውን ከምኡ። ኩሉ'ዚ፡ ናብ ርእሱ-ዝኻኣለ ስርዓተ ኣጽዋር ኲናት'ዩ ዝመርሕ'ዩ"።

ሪያን ጋሪፒ፡ ኣብ ክሊርፓዝ ሮቦቲክስ ዝተባህለ ትካል፡ ሓለቓ ጉዳያት ቴክኖሎጂ ኮይኑ፡ ነቲ እገዳ ዝድግፍ'ዩ።

ትካሉ፡ ወታሃደራዊ መሳርሒታት ንምስራሕ ኮትራት ዝወሰደ ይኹን'ምበር ንኲናት ዘገልግል ኪነታዊ ስርዓተ ኣጽዋር ብምኹናን፡ ከም ዘይሰርሖም ዘፍለጠ'ዩ።

"ክበላሸዉ እንከለዉ፡ ብዘይ ተጸበኻዮ ኩነታት እዮም ዝበላሸዉ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ሽሕ'ኳ ዝተራቐቕና እንተ ኾንና፡ ኪነታዊ-ኣእምሮ ኣብ ምልላይ ምስሊ'ዩ ዝምርኮስ። ጽቡቕ ነገር'ዩ፡ እንተኾነ ግን ናይ ዓውደ-ኲናት ዳኛን፡ ፈራዶን፡ ፈጻሚን ክኸውን ዘኽእሎ ዝርዝራዊ ኣፍልጦን ብዛዕባ ዝሰርሓሉ ኩነታትን መረዳእታ የብሉን።

"ርእሱ-ዝኸኣለ ስርዓተ-ኣጽዋር ንበይኑ ንምቕታልን ዘይምቕታልን ዝምልከት ውሳነ ክገብር ኣይክልን'ዩ። እቲ ክዉን (ዲ ፋክቶ) ውሳነ ኣቐዲሙ በቶም ብኣሽሓት ማይላት ርሒቖም ዝርከቡ ፈጠርቱ፡ ኣወሃሃድቱ ተመርመርትን ተወሲኑ'ዩ። ንሳቶም ግን፡ እቲ ኣጽዋር ኣብ ስራሕ ዝውዕለሉ ኩነታትን ቦታን ዋላሓንቲ ኣፍልጦ የብሎምን"።

ፒተር ኣሳሮ ካብ ትካል ኒው ስኩል ኒው ዮርክ ከም ዝበሎ፡ ከምዚ ዓይነት ኲነት፡ ብፍላይ እቲ ብኪነታዊ ኣእምሮ ዝምራሕ ኣጽዋር ዘይሕጋዊ ቅትለት ምስ ዝፍጽም ሕጋዊ ሳዕቤን ኣለዎ።

"ንሓደ ማሽን ናይ ምቕታል ስልጣን ምሃብ ካብ ሓላፍነት ናጻ ክገብረካ ኣይክእልን'ዩ። ምኽንያቱ ማሽናት ሞራላዊ ባእታታት ስለዘይኮኑ ብዛዕባ ሞትን ሂወትን ሚዛናዊ ውሳነ ክገብሩ ኣይክሉን'ዮም።

"ስለዚ እቶም ነቶም ርእሰኮም-ዝኸኣሉ ኣጽዋራት ዝሰርሑ ሰባት ሓላፍነት ዝወስዱሉ ኩነታት ክህሉ ዝከኣል'ዩ"።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት