ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዝተፈጠረ ባርዕ ሸውዓተ ህፃናት ሞይቶም

ሸውዓተ ቆልዑ ሞይቶም Image copyright Robert Short/CBC

ኣኣባላት ሓደ ስድራ ከምዝኾኑ ዝእመን ሸውዓተ ህፃውንቲ፡ ሃሊፋክስ ኣብዝተብሃለት ከተማ ካናዳ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዝተልዓለ ባርዕ፡ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ፖሊስ ገሊፁ።

ኣብቲ ንጉሆ ዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ፡ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን እውን ጉድኣት በፂሑዎም እዩ።

ፖሊስ መንነት እቶም ግዳያት ክፈልጥ ዘይከኣለ እንትኾን፡ ሲቢሲ ኒውስ ግና ኣብቲ ብሓዊ ዝዓነወ ገዛ፡ ሶርያውያን ቤተሰብ ይነብሩ ከምዝነበሩ ገሊፁ እዩ።

እቶም ስድራ ንኣስታት ሓደ ዓመትን ፈረቓን እዮም ኣብ ካናዳ ተቐሚጦም፤ ናብ ከተማ ሃሊፋክስ ዝመፁ ድማ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዩ።

እቶም ስድራ፡ ናብቲ ሕዚ ስነ ስርዓት ቀብሮም ዝፍፀመሉ መስጊድ ኡማህ ይመፁ ምንባሮም ዝገለጸ ሓደ ኢማም፤ ካብቶም ግዳያት፡ እቲ ዝዓበየ 15 ዕድመ እንትኾን፡ ዝነኣሰ ድማ ሽዱሽተ ወርሒ ምዃኖም ይሕብር።

ናይቲ ኣቦ ጉድኣት ኣስጋኢ ከምዝኾነን፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎን ተገሊጹ'ሎ። ነቲ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ኣስታት ሓደ ሰዓት ከም ዝወሰደ'ውን ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

በቲ ሓደጋ ክልተ ደብሪታት እቲ ህንፃ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዮም እዮም።

መንቀሊ እቲ ሓደጋ ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብን፡ ሕዚ ምግማት ከምዝኸብድን እዮም ሰበስልጣን እታ ከተማ ዝዛረቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዱ ሓደ ካብቶም ሓዘኖም ዝገለፁ ሰባት እዩ።

''ህፃውንቲ ኣብ ዘይእዋኑ ክፍለዩኻ፡ ምግላፁ ይኸብድ። ብፍላይ ብኸምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ'' ክብል ኣብ ትዊተሩ ፅሒፉ።

ከንቲባ ከተማ ሃሊፋክስ'ውን ናይ ፅንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣሕሊፉ እዩ።

ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ኣባላት እቲ ስድራ ንምድጋፍ፡ ናይ ሓገዝ መተኣኻኸቢ ወፍሪ ተጀሚሩ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት