ኤርትራውያን ብጉዳይ ልዑላውነት ሃገሮም ይሻቐሉ

ባንዴራ ኤርትራ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ባንዴራ ኤርትራ

"እትረፍ ኢትዮጵያ ክትበታተን ነቶም ዝኸዱ እውን ክንመልሶም ኢና" ዝብል መደረ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድን፡ " መን ይፈልጥ ኣብ መጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወና ይኽእል ይኸውን" ዝብል ዘረባ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ለማ መገርሳን ንብዙሓት ኤርትራውያን ስለዘቖጠዐ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።

እዚ መግለጺታት'ዚ፡ ንኤርትራውያን ነቲ ኣብ ዘበነ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ዘሕለፉዎ ግፍዕን መከራን የዘኻኽሮም ኣሎ።

ኤርትራውያን መሰል ርእሰ ውሳኔኦም ስለዝሓተቱን በዞም ክልተ ስርዓታት ንወለዶታት ዘይርሳዕ ህልቂትን ዕንወትን ርእዮም እዮም።

ብሓጺሩ፡ 30 ዓመታት ዝሓተተ ብረታዊ ተጋድሎን፡ ወጥሪ ዕስራ ዓመታት ዘኸተለ ኩናት ዶባት ክልተ ዓመትን ገና ምስ ድሙቕ በሰልኡ እንከሎ ሕጂ ብስም ዕርቂ "ንደመር - ንደመር" ዶባት ኤርትራ ክሰግሩን: ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ክነግዱን ዕድል ዝረኸቡ መራሕቲ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ፡ ካልእ ጌጋ ከይፍጽሙ ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ኤርትራውያን የተሓሳስቡ።

ኣብ ቃልሲ ሓርነት እግሩ ዝሰንከለን ካልእ ብዙሕ መውጋእቲ ዘጋጠሞን ተጋዳላይ ተኽለ ቴድሮስ "ኤርትራውያን ናይ ትማሊ ቁስሎም ብመራሕቲ ኢትዮጵያ ካልእ ቁስሊ ዝቑስቁስ ዘረባ ክሰምዑ እንከለው፡ ብደምን ሓውን ከም ምጥላዕ ገይሮም ዝርእዩዎ" ኢሉ።

"ህዝቢ ኢትዮጵያ'ውን ስርዓታት እታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ብዝፈጸመዎ ወራር 30 ዓመታትን ዓሌታዊ ጎንጽን ስለዝደመየ እንደገና ካልእ ደምን ህልቂትን ክርኢ ኣይደልን'ዩ" ብምባል፡ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ንዕርቂ ዝዕድም ዘረባ እምበር ነገር ዝቑስቁስ መደረ ከስምዑ ኣድላይ ዘይምዃኑ ሓቢሩ።

ተጋዳላይ ዮውሃንስ እውን ብወገኑ፡ ኤርትራዊ ከም ሎሚ ገይሩ ፍቕርን ዕርቅን ጸሚኡ ከምዘይፈልጥ ብምሕባር፡ "ወጥሪ 20 ዓመታት ዘዝለቐ ሰላም፡ ብሩህ ተስፋ ስለዝሃበ ብግቡእ ክስርሓሉን ክጸፍፍ ዝግበኦ ነገር እናጸፈፍ ክኸይድ ይግባእ" ብምባል መራሕቲ ኢትዮጵያ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝደናደን መግለጺታት ካብ ምሃብ ክጥንቀቑን ክቑጠቡን ኣማሕጺኑ።

ፍቕሪ ክትኩስኩሶ ከቢድ ጽልኢ ግን ክትቁስቁሶ ቀሊል ስለዝኾነ ሕጂ " ንደመር - ንደመር!" ስለዝተባህለ፡ ኩሉ ዝሓለፈ ነገር ተረሲዑ ማይን ጸባን ኬይንና ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከም ምስላ ኣምሓርኛ ዝብሎ፡ " ዝሃረመ እንተረሰዐ ዝተሃርመ ግን ኣይርስዕን እዩ!" ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብወራር መግዛእቲ ከቢድ ስቓይ ስለዘሕለፈ በሰላታቱ ዝትንክፍ ዘረባን ተግባርን ከምዘይጻወሮ የረድእ።

ምድማር ማለት ንዘለካ ባህሪያዊ ጸጋታት ኣብ ሓባራዊ ጠቕሚ ምውዓልን ምምልላእን እንተኾይኑ ማንም ኤርትራዊ ዝደልዮ ነገር እዩ። ምድማር ማለት ምጽንባር ኮይኑ፡ ንልዑላዊ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ዝደናደን እንተኾይኑ ግን "መዘዙ ዓቢ'ዩ" ዝበለ ተጋዳላይ ሃብተማርያም ልጃም፡ "ኤርትራውያን ክብርናን ልኡላውነትናን ንምኽባር ንዝሓለፈ ታሪኽ ቂምን ህልኽን ረሲዕና፡ ንብሩህ መጻኢ ሓቢርና ክንሰርሕ ይግባእ" ክብል ኣተሓሰሳሲቡ።

Image copyright Saba issaq
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳባ ኢሳቅ

" ብሕጋውያን ሃገራውያን ትካላትን ሕጋዊ መስርሕን እምበር ብስብከት ጥራሕ ዝረጋገጽ ፍቕርን ሰላም የሎን" ዝበለት ተጋዳሊት ሳባ ኢሳቕ ብወገና ብመራሕቲ ኢትዮጵያ እትሰምዖ መደረታት እምብዛ ከምዘሻቕላ ብምግላጽ "እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላን ብመስዋእቲ ኣሽሓት ዜጋታት ዝተረጋገጸት ኤርትራ ብስብከት ንደመር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይክትኣቱን እያ" ክትብል ዓሚቚ ስምዒታ ትገልጽ።

"ኤርትራውያን ምእንቲ ልዑላዊ መሬትናን መሰል ርእሰ ውሳኔናን ን30 ዓመታት ደሚናን ተሳቒናን ኢና። ድሕሪ ደጊም ናብ ካልእ ኩናትን ደምን ክንኣቱ ድላይ የብልናን።

ድሌትና ፍቕርን ሰላምን እዩ፤ ድሌትና ምስ ኩሎም ጎረባብብትን ተኸባቢርና ምንባር እዩ። ካብኡ ተረፈ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን " ንደመር ንደመር " ስለዝተባህለ ተደሚርና ማለት ኣይኮነን።

ስለዝኾነ እቶም ንዕርቀ ሰላም ዝደፍኡ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ምሉእ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ ክረኽቡ እንተኾይኖም ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ኣዘራርባኦም ክጥንቀቑ ይግባእ" ክትብል ኣዘኻኺራ - ሳባ ኢሳቕ።

Image copyright Habtemariam Equbay
ናይ ምስሊ መግለጺ ተጋዳላይ ሃብተማርያም ዕቑባይ

ሓደ ካልእ ኤርትራዊ ኣብ ፈይስ-ቡክ "ጎረቤትና ንዓና ኣዳቒቖም፡ ኣዳኺሞም ክዓብዩን ክስስኑን ይሓስቡ እንተልዮም ይጋገዩ እዮም ዘለው። ከምቲ ጸሓፊ ታሪኽ ኣምባሳደር ዘውደ ረታ ኣብታ 'የኤርትራ ጉዳይ' ዝብል መጽሓፉ ዝጠቐሶ፡ ሃይላሰላሴ ሕግን ስርዓትን ኣፍሪሱ ንኤርትራ ምስ ጎበጣን ዘይተኣደነ ግፍዕታት ምስ ፈጸመ እዩ ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።

ሕጂ ከኣ ንልዑላውነትን ክብረትን ኤርትራ ዝደናደን ሓይሊ ድማዕ ክረክብ ኣይኮነን" ክብል ርእይቶኡ ኣስፊሩ።

ኩሉ እዚ ድሕሪ፡ "እቶም ዝኸዱ እውን ክምለሱ እዮም፡ መን ይፈልጥ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ እውን ይህልወና ይኸውን" ዝብል ዘረባታት ኣቢይን ለማን ዝወዓዋዕ ዘሎ፡ ስምዒትን ኤርትራውያን ብሃይለስላሰን ደርግን ካብ ዝተፈጸመ ግፍዕን መከራን ዝምንጩ እዩ።

ስለዚ ይብል ሃብተማርያም፡ ከምቲ ኣቢይ "ንልቢ ኤርትራውያን ብፍቕሪ ማሪኽናዮ! ዝበሎ ኣብ ኣስመራ፡ ሕጂ እውን መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ ተተኺሉ ዘሎ ዕርቀ-ሰላም ፍቕሪ ዝዘርግ ሙላቕ ኮነ እዱድ ዘረባ ክጥንቀቕሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ነጥብታት ብዛዕባ ኢትዮ ኤርትራ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት