ኡጓንዳ፡ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንሻድሻይ ግዚኡ ክወዳደር'ዩ

ዮወሪ ሙሰቨኒ Image copyright ANADOLU AGENCY
ናይ ምስሊ መግለጺ 'ካብ ዝተመደበሎም ንላዕሊ' ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ጠንቂ ሽግር ኣፍሪቃ'ዮም ዝበለ ሙሰቨኒ፡ ን6ይ ግዜ ይወዳደር

ገዛኢ ሰልፊ ኡጓንዳንፕረዚደንት እታ ሃገር ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብቲ ኣብ 2021 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ነቲ ሰልፊ ወኪሉ ክወዳደር ሓጽይዎ።

እዚ ማለት፡ እቲ ኣብ 1986 ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወዲ 74 ዓመት መራሒ፡ ንሻድሻይ ግዜ ክወዳደር'ዩ።

እቲ ብምንቅስቓስ ንሃገራዊ ተቓውሞ (ናሽናል ረዚስታንስ ሙቭመንት) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዛኢ ሰልፊ፡ ሎሚ ረቡዕ ብሙሰቨኒ ተመሪሑ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ ፕረዚደንት " ነቶም ናይ ለውጢ ማሕንቖታት ንምውጋድ፡ ነቲ ምንቅስቓስን ሃገርን ኣብ 2021 ይኹን ኲኖኡ ክመርሖ" ተሰማሚዑ።

ሙሰቨኒ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ "ካብ ዝተመደበሎም ንላዕሊ" ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ፡ መሰረታዊ ጠንቂ ሽግራት ኣፍሪቃ ምዃኖም ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተኾነ ግና፡ ኣብ 2016 ንሓሙሻይ ግዜ ኣብ ዝተወዳደረሉ እዋን፡ ዘይወደኦ ስራሕ ስለዝነበሮ ክእለ ግዚኡ ኣይኮነን ክብል ተዛሪቡ።

ቅድሚ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ ምክያዱ ኣብ 2017 ነቲ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ሰፊሩ ዝነበረ ላዕለዋይ ጫፍ ናይ ዕድመ ገደብ፡ 75፡ ከም ዝስረዝ ምግባሩ ይዝከር። ምኽንያቱ፡ እቲ ሕጂ 74 ጌሩ ዘሎ ፕረዚደንት ኣብ 2021 ብዕድመ ክግደብ ይኽእል ብምንባሩ፡ መንገዲ ንምጽራግ ቅዋማዊ ለውጥታት ክገብር ተገዲዱ።

ኣብ ዚሓለፈ ወርሒ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዩጋንዳ፡ ኣንጻር እቲ ውሳነ ንዝቐረበሉ ጥርዓን ክርኢ ጀሚሩ'ዩ፡ እንታይ ውሳነ ከም ዝህብ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ሓያሎ መራሕቲ ኣፍሪቃ ካብቲ ዝተመደበሎም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ቅዋማዊ ለውጥታት ክገብሩ ይራኣዩ'ዮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ቡሩንዲን ዝተራእየ ቅዋማዊ ምትዕርራያት ናይ ምግባረ ሃቐናታት ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት