ነየናይ 'ኢሞጂ' ኣካል ታርጋ መኪናኹም ክኸውን ምመረጽኩም?

ምንጪ ስእሊ, Facebook/PersonalisedPlatesQueensland
ብዝመርጽካዮ ኣገባብ ታርጋ መኪና ምስራሕ፡ ማለት፡ ዝሓረኻዮ ቁጽሪ ድዩ፡ ፊደላት ወይ ቃላት ወይ ድማ ኣርማ እትድግፋ ጋንታ ኣካል ቁጽሪ ሰሌዳ መኪናኻ ምግባር ካብ ዝጅመር ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ፡ እዚ እኹል እንተ ዘይኮይኑ ግን፡ ንባህሪኹም ኣብ ታርጋ መኪናኹም እተንጸባርቑሉ ዕድል ተኸፊትልኩም ኣሎ!
'ከመይ ይብል ለባም' ከም ዝበሃል፡ ብኸመይ ዶ ኢልኩም። ብኢሞጂ (ኣምሳል) ግዲ!
ነዚ ድሌትኩም ንምዕጋብ ግና፡ ናብ ከተማ ኲንስላንድ፡ ኣውስትራልያ ምግዓዝ ከድልየኩም'ዩ። ምኽንያቱ ድማ ኣብታ ከተማ ብኢሞጂ ዝተሰነዩ ታርጋ መካይን ምሕታም ብወግዒ ተጀሚሩ'ሎ።
ካብኡ ሓሊፉ'ውን ተወሳኺ ሰልዲ ከኣ'ባ ይሓተኩም ይኸውን። ንመጋየጺ ምዃኑ ግን ኣይሰሓትኩሞን ትኾኑ።
ከይረሳዕናልኩም'ባ፡ ናይ ሓጎስ መንፈስ ዘለዎም እወታዊ ኢሞጂታት ጥራይ'ዮም ዝፍቀዱ። ስለዚ ክምስምስ ትብሉ ምቕሉላት እንተዄንኩም፡ ከም ድሌትኩም ረኸብኩም። እንተ እቶም ጽውግውግ ዝበልኩምን ኣመና ኩሩዓትን ግና፡ ምጽባይ ከድልየኩም'ዩ ማለት'ዩ።
ምርጫታትኩም ድማ ነዞም ካዕካዕ ኢልካ ምስሓቕ (ላፊን ኣውት ላውድ) ዘመልክቱ ኤሞጂታት፡ ዓይኖም ዝጸቐጡ፡ ናይ ጸሓይ መኸላኸሊ ኦክያለ ዝለበሱ፡ ምስሊ ዓይኒ ልቢን ፍሽኽታን ዘመልክቱን ዓይነት ኤሞጂታት ምስዝጠልቡ ጥራይ ኢዮም።
ምንጪ ስእሊ, Facebook/PersonalisedPlatesQueensland
እዞም ምልክታት ግን ክፋል መለለይ ቑጽሪ መኪና ኣይኮኑን፡ ኮይኑ ግን ማዕረ እቲ ቑጽርን ፊደልን ታርጋ መኪና ኢዮም ዝልጠፉ። ክንደይ ሰሓቕን፡ 'ፈሲሕ' በዓል ኮክያለን ኢሎም ድኣ ፓሊስ ክደልዩ!
ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክህቡ ተሰሚዖም ኣለዉ። ገሊፎም ኣድናቖቶም ብምግላጽ፡ ንውልቃዊ ባህሮም ዘንጸባርቕ ኢሞጂ ኣብ መኪናኦም ክልጥፉ ብህንጡይነት ከም ዝጽበዩ ክገልጹ እንከለዉ፡ ገለ ድማ በቲ ስግንጢራዊ ሓሳብ ዝድነቑን'ዮም። ካልኦት ድማ ትርጎም ኣልቦ ክብሉ ነቲ ሓሳብ ዝነጽጉ ኣይተሳእኑን።
ዝተወሰኑ ሰባት ድማ ኩሉ ዓይነት ስሚዒታት ዝገልጹ ኤሞጂታት እንተ ዝፈቀዱ፡ ንኣብነት ሕርቃንን ካልኦት ደስ ዘይብሉ ምልክታት እንታይ ምበሉ በሃልቲ'ዮም።
ነቶም ፍሉያት ስምዒታት ዘለዎም ታርጋታት ንምውጻእ ካብ 260 ክሳብ 340 ዶላር ኣመሪካ ስለዝውድእ፡ ገለ ሰባት ሰብመዚ ምንጪ ግንዘባዊ እቶት ክገብርዎ ዝጀመርዎ መደብ'ዩ ክብሉ ነቒፎም።