ኣባል ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ናብ ኣመሪካ ከይትምለስ ከምዝተኸልከለት ትራምፕ ገሊጹ

ጓል 24 ዓመት ሆዳ ሙታና Image copyright AFP

ፕረዚደንት ሃገረ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝበሎ፤ ነዛሒት ፕሮፖጋንዳ እስላማዊ ኡጅለ (ኣይኤስ) ክትከውን ንኣመሪካ ራሕሪሓ ዝኸደት መንእሰይ ናብ ኣመሪካ ክትምለስ ኣይተፈቐደላን።

ትራምፕ "ሆዳ ሙታና ናብታ ሃገር ተመሊሳ ክትኣቱ ክፍቀደላ የብሉን" ኢሉ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ ከምዝኣዘዞ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

ፖምፒዮ ቅድም ኢሉ፡ እታ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ ኣመሪካዊ ዜግነት ከምዘይብላን ናብታ ሃገር ተመሊሳ ከምዘይትኣቱን ገሊጹ'ዩ።

ቤተሰባን ጠበቓኣን ግን፤ ኣመሪካዊ ዜግነት ኣለዋ እዩ እዮም ዝብሉ።

ሙታና ኣብ ኣላባማ እያ ዓብያ፤ ጓል ዒስራ ዓመት እናሃለወት ድማ ናብ እስላማዊ ጉጅለ ክትጽምበር ናብ ሶርያ ከይዳ። ኣብ ቱርኪ ናብ ዝተዳለወ ሓደ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፍጻመ ይኸይድ ኣለኹ ኢላ እያ ንቤተሰባ ኣታሊላቶም።

ጉዳይ ሙታና ምስ ጉዳይ እታ ካብ እንግሊዛዊ ዜግነታ ዝተገፈፈት ሻሚማ ቤጉም ዝመሳሰል እዩ።

ሻሚማ እውን ኣብ 2015 እያ ናብ እስላማዊ ጉጅለ ተጸምቢራ፤ ሕዚ ድማ ናብ እንግሊዝ ክትምለስ ትደሊ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ቅድም ኢሉ፤ እንግሊዝ ኮነት ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ነቶም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ውግእ ዝተማረኹ ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለ ዝኾኑ ዜጋታተን ናብ ዓዲ ወሲደን ክፈርደኦም ኣለወን ኢሉ ነይሩ።

ጠበቓ ናይ ሙታና ነዚ ብምጥቃስ፤ ትራምፕ ንሀገራት ኣውሮጳ ዜጋታተን ክወስዳ ጸዊዑ እንተብቅዕ "እቲ ጉዳይ ናብ ኣመሪካ ምስመጸ ግን፤ ጸወታ ጀሚሩ" ኢሉ።

"ምምሕዳር ትራምፕ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዜግነት ዜጋታት ንምግፋፍ ዝገብሮ ፈተነ ቀጺልዎ ኣሎ" ድማ ኢሉ።

"ሆዳ ሙታና ሕጋዊ ናይ ኣመሪካ ፓስፖርት ኣለዋ፤ ዜጋ እያ ድማ" ይብል እቲ ጠበቓ።

ፖምፒዮ ግን "ናብ ኣመሪካ ክትጓዓዝ ዘኽእላ ዝኾነ ሕጋዊ መሰረት፤ ፓስፖርት ኮነ ፓስፖርት ናይ ምርካብ መሰል፤ ቪዛ'ውን እንተኾነ የብላን" ኢሉ።

ሙታና ግን፡ ቅድሚ ናብ ቱርኪ ምኻዳ ፓስፖርት ኣመሪካ ከምዘውጸአት እያ ትዛረብ። ናይ ኣመሪካ ፓስፖርታ ሒዛ ዘርኢ ናይ እስላማዊ ጉጅለ ናይ ፕሮፖጋንዳ ቪድዮ ተዘርጊሑ ነይሩ እዩ።

ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዜግነት ሙታና ዘልዕሎ መካትዒ ኣቦኣ ናይ የመን ዲፕሎማት ምንባሩ እዩ። ካብ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ኣመሪካ ዝውለዱ ቆልዑ፤ ልክዕ ከም ካልኦት ቆልዑ፡ ሽዑ ንሽዑ ከም ዜጋታት ኣመሪካ ቅብሉነት ኣይህልዎምን። ምኽንያቱ ድማ ብሕጊ ኣመሪካ ኣይኮኑን ዝመሓደሩ።

ጠበቓ ሙታና ከምዝብሎ ግን፤ ንሳ ክትውለድ ከላ ኣቦኣ ዲፕሎማሰኛነቱ ገዲፍዎ እዩ ነይሩ።

እዛ ወዲ 18 ወርሒ ህጻን ዘለዋ መንእሰይ ኣደ፤ ናብ እስላማዊ ጉጅለ ምጽምባራ ከምዘጣዕሳ ገሊጻ እያ። ንእስላማዊ ጉጅለን ዕላማታቱን ዘላልዩ ትሕዝቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምጥቃዓ ድማ ይቕረታ ሓቲታ'ላ።

ንሓይልታት ኩርዲ ኢዳ ሂባ ዝተማረኸት ክትከውን እንከላ፤ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ብኩርዲ ዝመሓደር መዕቆቢ ስደተኛታት እያ ዘላ።