ላዕለዋይ ናይ ሓባር ኮሚቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተራኺቡ

ዑስማን ሳልሕ (ጸጋም) የማነ ገብረመስቀል (የማን) Image copyright Yemane G. Meskel/Twitter

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ከም ዘሎ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ልኡኽ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቀ/ሚ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ መልእኽቲ ከም ዘብጸሐ'ውን ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ "ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምግምጋም ላዕለዋይ ሓባራዊ ኣወሃሃዲ ኮሚቲ ኣብ ጎኒ ናይቲ ምብጻሕ ተራኺቡ" ክብል'ውን ጠቒሱ።

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኩሉ መዳያዊ ርክባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘማእክል ቅጥዒ ንምውጻእ ይስራሓሉ ኣሎ ከም ዝበሉ ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም።

ዋላኳ ክልቲአን ሃገራት፡ ስምምዕ ሰላም ፈሪመን ርክባት ጀሚረን እንተሃለዋ፡ እቲ ርክብ ሓላፍ ዘላፍ ዘለዎ ኮይኑ ምህላዉ ከዛራርብ ጸኒሑ'ሎ። ንኣብነት፡ ገለ መስመራት ዶባት ተኸፊቱ ገለ ድማ ምዕጻዉ፡ እቲ ርክባት ወግዓውን ቅጥዕታት ዘማለአን ከም ዘይኮነን ይግለጹ።

ክልቲአን ሃገራት ሃንደበት ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ርክባት ካብ ዝጅምራን፡ ውዕል ምብቃዕ 'ኩነተ-ኲናት' ብወግዒ ድሕሪ ምፍራመንን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ኣብ ንቡር ተመሊሱ፡ ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኤምባሲታት ምኽፋተን ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ሱሙን 60 ዝኣባለቱ ጉጅለ ባህሊ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ምርኢት ንምቕራብ ኣብታ ሃገር ከም ዝኣተወ ይዝከር።

እቲ ብርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህርዳር ዝፈለመ ምርኢት ናብ ከተማታት ኣዳማን ሃዋሳን'ውን ከም ዝተገብረ ተፈሊጡ።

እቲ ጉጅለ ባህሊ ሎሚ ሓሙስ ምሸት ምስ ኢትዮጵያውያን ስነጥበበኛታት ብምትሕብባር ናይ መወዳእታ ምርኢቱ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሚልዮነም ኣዳራሽ ከካይድ ኣምስዩ'ሎ።