ቅልውላው ቬኔዙዌላ፡ ፕሬዚደንት ማዱሮ ዶብ ብራዚል ዓጽዩ

ዶብ ቬኔዙዌላን ብራዚልን Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶብ ቬኔዙዌላን ብራዚልን

ፕሬዚደንት ቬኔዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ብሰንኪ`ቲ ቀጻሊ ናይ ወጻኢ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘበገሶ ዕግርግር ብሓሙስ ምሸት ምስ ብራዚል ዘራኽቦ ዶብ ከምዝጽዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ሽግር ተጸሚዱ ዘሎ ጸጋማዊ መራሒ ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ተቓወምቲ መግቢ ረዲኤት ካብ ኮሎምቢያ ንምምጻእ ዝገብርዎ ፈተነ ደው ንምባል፡ ነቲ ምስ ኮሎምቢያ ዘራኽብ ዶብ ክዓጽዎ ይሓስብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሃገሩ ኣብ ቅልውላው ከምዘየላን፡ እቲ ቬኔዙላ መግቢ ረድኤት የድልያ ኢዩ ዝብሃል ዘሎ ኣሜሪካ ዘዋደደቶ ምርኢት ኢዩ ኢሉ ማድሮ።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኩዋን ጓይዶ ዓቢ ቃፍላይ መካይን ብምምራሕ ካብ ርእሰ ከተማ ካራክስ ናብ ዶብ ኮሎምቢያ የምርሕ ኣሎ።

ሚስተር ኩዋን ጓይዶ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ንነብሱ ከም ግዝያዊ መራሒ`ታ ሃገር ድሕሪ ምእዋጁ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ከም መራሕ ሃገር ተቐቢለንኦ።

ኣባላት ጸጥታ ነቲ ናብ ኮሎምቢያ ዘምርሕ ዝነበረ ቃፍላይ ኣውቶቡሳትን መካይንን ኣብ ማሪያራ ንሒደት እዋን ደው ምስ ኣበልዎ ዕግርግር ተፈጢሩ፡ ስጋብ ዘንብዕ ቦምባ ትኪ`ውን ተተኲሱ። ድሕሪ`ዚ ኩሉ ግና እቲ ቃፍላይ ጉዕዝኡ ቀጺሉ።

ጉይዶን ደገፍቱን ንፕሬዚደንት ማዱሮ ብምቅዋም ካብ ኮሎምቢያ መግብን ኣፋውስን ከምጽኡ ትስፍዋት ኢዮም።

ሰራዊት ቬኔዙዌላ ነቲ ካብ ኣሜሪካ ዝተላእከ ረድኤት ብኮሎምቢያ ገይሩ ናብ ቬኔዙዌላ ከይኣቱ ዓጊትዎ ኣሎ።

ፕሬዚደንት ማዱሮ ኣብ ቬኔዙዌላ ዝኾነ ሰብኣዊ ቅልውላው የለን እናበለ ከሎ፡ ኣስታት 300 ቶን ሓገዝ ካብ ሩስያ ከምዝረኸበ ኣብዚ ሰሙን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ጥራይ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ቬኔዙዌላውያን ብሰንኪ`ቲ ኣብቲ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ልዑል ቁጠባዊ ቅልውላውን ሕጽረታት መግብን ኣፋውስን ሃገሮም ገዲፎም ከምዝተሰደዱ ሕቡራት ሃገራት [ዩኤን] ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ 2013 ናብ ስልጣን ዝደየበ ማዱሮ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ምሕደራ ቁጠባ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ክንቀፍ ጸኒሑ።

ስለምንታይ ብራዚል?

ፕሬዚደንት ማዱሮ ብምኒስተር ምክልኻል ቭላድሚር ፓድሪኖ ሎፔዝን ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተዓጂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን እቲ ምስ ብራዚል ዘሎ ዶባ ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚሩ ``ጨሪሱ`` ክዕጾ ምስ ኮሎምቢያ ዘሎና ዶብ`ውን ምሉእ ብምሉእ ንምዕጻው ነቲ ኩነታት ኣግምግሞ ኣለኹ ኢሉ።

እዚ ናይ መግቢ ሓገዝ ጉዳይ፡ ኣሜሪካ ትመርሖ ኮይኑ ነቲ ዝመርሖ መንግስቱ ካብ ስልጣኑ ንምእላይን ናይ ቬኔዙዌላ ዕቑር ነዳዲ ንምግባትን ዝዓለመ ፈተነ ኢዩ ኢሉ።

ፕሬዚደንት የማናዊ መንግስቲ ብራዚል፡ ጀይር ቦልሶናሮ ሓደ ካብቶም ንክዋን ጓይዶ ከም ሕጋዊ መራሒ ቬኔዙላ ዝፈለጡ መራሒ ኢዩ።

ኣፈኛ ፕሬዚደንት ብራዚል፡ ጄነራል ሬጎ ባሮስ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር መግብን ኣፋውስን ኣብታ ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ፓካሪማ ብምብጻሕ ``ናይቲ ግዝያዊ ፕሬዚደንት ኩዋን ጓይዶ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ቬኔዙዌላ ክርከብዎ ኢዮም`` ኢሉ።

``ኣብዚ ንመንግስቲ ጓይዶን ህዝቢ ቬኔዙዌላን ንምሕጋዝ ዝካየድ ዘሎ ኣገዳስን ኣህጉራውን ተበግሶ: ብራዚል ከም ሃገር ትሳተፍ ኣላ`` ኢሉ እቲ ኣፈኛ።

ኣስታት 600,000 ወለንተኛታት ነቲ ሓገዝ ንምብጽጻሕ ክሕግዙ ፈቓደኛታት ከምዝኾኑ ብኽታሞም ኣረጋጊጾም ኣለው ኢሊ ኩዋን ጓይዶ።

ቬኔዙላ ኣቐድም ኣቢላ ናይ ባሕርን ኣየርን ዶባታ ምስታ ናይ ኣሜሪካ ሓገዝ ክትቅበል ዝመደበት ቺሮሳው፡ ኣብ ጥቓ ቬኔዙላ እትርከብ ሆላንዳዊት ደሴት፡ ዓጽያ ኢያ።

እቲ ቃፍላይ ናበይ`ዩ ክኸይድ?

እቲ ቃፍላይ ኣስታት 800-900 ኪሎሜትር ብምጉዓዝ፡ ነቲ ኣብታ ኮሎምብያዊት ከተማ ኩኩታ ተኾሚሩ ዘሎ ሓገዝ ከምጽእ ኢዩ ተበጊሱ ዘሎ።

እቲ ቃፍላይ ጉዕዝኡ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፈኛ ጓይዶ ብሓሙስ ንኤፍፒ ናይ ዜን ማዕከን ሓቢርዎም።

Image copyright Reuters

``ንፈልጥ ኢና፡ እቲ መንግስቲ ናብቲ ዶብ ንኸይንበጽሕ ዕንቅፋታት ክፈጥር ኢዩ። ደው ዘብለና ግና የለን፡ ጉዕዞና ክንቅጽል ኢና`` ኢሉ ተቓዋሚ ኣባል ባይቶ፡ ያኔት ፈርሚን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ቬኔዙዌላ 20,600 ናይ መግቢ ሳንዱቕ ናብቲ ምስ ኮሎምቢያ ዘዳውብ ቦታ ሰዲዱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ናይ ቬኔዙዌላ ናይ መግቢ ምኒስተር፡ ሉዊስ መዲና ራሚሬዝ ኣብ ዝፈነዎ ቪድዮ፡ ነተን ናይ ጽዕነት መካይን የርኢ።

ናይ ሙዚቃ ኲናት

ውሩይ እንግሊዛዊ ነጋዳይ ሪቻርድ ብራሶን ንቬኔዙላ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምእካብ፡ ንሎሚ ዓርቢ ኣብቲ ኣብ ዶብ ኮሎምቢያ ዝርከብ ድልድል ዓቢይ ሙዚቃዊ ምርኢት [ኮንሰርት] ካዳሉ ኢዩ።

እዚ ሙዚቃዊ ምርኢት ቬኔዙዌላ ንምሕጋዝ ብጠለብ ኩዋን ጓይዶን ካልእ ተቓዋሚ መራሒ ሌፖልዶ ሎፔዝን እዩ ተመዲቡ።

Image copyright Reuters

ካብቲ ኣስታት 250,000 ሰባት ክካፈሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ኮንሰርት ድማ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክርከብ ኢዩ ይብሃል። እዚ ድማ ንቬኔዙዌላውያን መግዝኢ መግብን ኣፋውስን ክውዕል ኢዩ ኢሉ ሮይተርስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና።

መንግስቲ ቬኔዙዌላ ብወገኑ፡ ነቲ ኩነታት ብምምዝማዝ ካብቲ ዶብ 300 ሜትሮ ርሒቑ ንሙዚቃዊ ምርኢት ዝውዕል መድረኽ ሃኒጹ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት