መራሕ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ንመንግስቲ ሃገሩ ኣፍሪሱ

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር "ህጹጽ ግዜ" ኣዊጁ Image copyright Getty Images

ዑመር ኣልበሽር ሎሚ ቀዳም 23 ለካቲት ኣብ ሃገራዊ ተሌቪዥን ቀሪቡ፡ ንኹሎም ሓለፍቲ መንግስትን ዞባታትን ኣልዩ ብሓለፍቲ ጸጥታ ከምዘተከኦም ሓቢሩ።

ቅድሚ ገለ እዋን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን፡ "ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ'ዩ" ክብል ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግን ዑመር ኣልበሽር ኣብታ ሃገር ንዓመት ዝጸንሕ ኣዋጅ እቶ-እቶ ብምጽናዕ፡ ገና ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምዃኑ ኣርእዩ ኣሎ።

ኣብ ከተማታት እምዱርማን ተቓውሞታት ይቕጽል ምህላዉን ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ከምእተጠቕሙን እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ብወሰኽ ባንን ነዳድን ዝጀመረ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ንምሕደራ 30 ዓመታት ስልጣን ዑመር ኣልበሽር ብምቅዋም እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ንኽእለ እዩ ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ።

እንተኸነ ዑመር ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት ንሰላም ርግኣትን እታ ሃገር ዝህውኽ ብግዳም ዝድፋእ ስጉምቲ እዩ ክብል የውግዞ።

Image copyright Reuters

ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ከኣ " ኣብ መላእ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣጽኒዐ ኣለኹ" ክብል ኣዊጁ። ብተወሳኺ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር፡ ብሃገርን ብዞባን ደረጃ ኣደስኪለዮ ኣለኹ" እውን ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻልን ጸጥታን ነታ ሃገር ን18 ኣዋርሕ ክመርሑዋን ከመሓድሩዋን ኣዚዙ። ይኹን እምበር ሓሙሽተ ካብቶም ኣባላት ካቢን ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ምኒስተር ፍትሕን ምክልኻልን ዝርከቡዎም ስርሖም ንኽቕጽሉ ፈቒዱ ኣሎ።

ዑመር ኣልበሽር ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ ምርጫ ንክወዳደር ምእንቲ ናይ ቅዋም ምትዕርራይ ንክግበር ካካይዶ ንዝጸንሐ ዘተ ከኣ ከናውሖ ጸዊዐ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብ ታሕሳስ 2018 ዝጀመረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስታት 1000 ሰባት ከምእተኣስሩን፡ ምስ ፖሊሰ ኣብ ዝተገብረ ጎንጺ ክሳብ 40 ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝሞቱን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሳለት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

እቶም ሰልፈኛታት ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ስልጣን ክሳብ ዘረክብ ተቓውሞኦም ከምዘየቋርጹ ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ኣብ 1989 ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ወዲ 75 ዓመት ዑመር ኣልበሽር ደድሕሪ ነብሲ ወከፍ ምርጫ ስልጣን ክገድፍ ምዃኑ ክሕብር ምጽንሑ ይዝከር።

በዚ ኣብ ታሕሳስ ዝጀመረ ህዝባዊ ናዕብን ኢትሃብራዊ ማእሰርትን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ ኣለው።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት