ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ልዕልቲ ሪማ ልእኽቲ ስዑዲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሸይሙዋ

ልዕልቲ ሪማ ኣሰር'ቲ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ወላዲኣ እያ ትኽተል ዘላ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕልቲ ሪማ ኣሰር'ቲ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ወላዲኣ እያ ትኽተል ዘላ

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንልዕልቲ ሪማ ቢንት ባንዳር፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልእኽቲ ስዑዲ ንኽትከውን ከምዝመዘዛ ትማሊ ቐዳም ንህዝቢ ስዑዲ ብወግዒ ገሊጹ።

እዛ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝዓበየትን ዝተማህረትን ልዕልቲ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ብቕትለት ጋዜጤኛ ካሾጊ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ከቢድ ተነጽሎ ኣጋጢሙዋ ኣብ ዘሎ እዋን ኣምባሳደር ምምዛዛ ቀሊል ዕማም ኣይኮነን ከጋጥማ።

ስዑዲ ዓረብ ንቕትለት ካሾጊ ዝተፈላለየ ምስምስ ክትህበሉ እኳ እንተጸንሐት ዳሕራይ ግን ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኣ ምስ ኣተወ ከምእተቐትለ ተኣሚና እያ።

ካሾጊ ቅድሚ ምማቱ ኣብ ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ንመንግስቲ ስዑዲ ዝነቅፍ ጽሑፋት ዝጽሕፍ ዝነበረ ውሩይ ጋዜጠኛ እዩ።

Image copyright Handout via Getty

ስዑዲ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ቅትለት ካሾጊ ኢድ ከምዘይብሉ ከተእምን ክትጽዕር ጸኒሓ እያ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ "ምስ ስዑዲ ዓረብ ገዚፍ ንግዳዊ ልውውጥ ኣሎና" ብምባል ንቕትለት ካሾጊ ንምጽራይ ከምቲ ዝግባእ ስለዘይደፍኣሉ ክውቀስ ጸኒሑ እዩ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብዚ ቐረባ ግዝያት ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ሃገሮም፡ ኣብ ኒክሌራዊ ዛዕባ ኮነ፡ ኣብ ኩናት የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ንዘለዋ ዝምድና ይምርምርዎ ኣለው።

ልዕልቲ ሪማ ኣሰር'ቲ ካብ 1983-2005 ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ወላዲኣ ባንዳር ቢን ሱልታን ኣል-ሳውዲ ክትክተል እያ።

እዛ ንእስነታ ኣብ ኣመሪካ ዘሕለፈቶን ኣብ ዩኒቨርሰቲ ጆርጅ ዋሺንግተን ብኣርት ዝተመረቐት ልእኽቲ ዓባይ ሓፍቲ ምኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ልዑል ካሊድ ቢን ሳልማን እያ።