ኣካታዕቲ ጉዳያት ዝዳህሰሰ ህዝባዊ ዘተ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ

ኣኼባ Image copyright MILLION

ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ፡ ድሕሪ ንውሕ ዝበለ እዋን ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ንኹሉ ህዝቢ ክፉት ዝነበረ መድረኽ፡ ነባር መስረትቲ እቲ ውድብ ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ነታ ሃገር ዝምልከቱ ዛዕባታት ዝተዘተየሉ እዩ ነይሩ።

ዓረና ትግራይ ኣብ ዝቕፅል መረፃ እንተተመሪፁ፡ ተግባራዊ ዝገብሮም ፖሊሲታቱን ዝምልሶም "ህዝባዊ ሕቶታትን" ኣብቲ መድረኽ ኣላልዩ እዩ።

እቲ ተቓዋሚ ውድብ፡ ናብ መሬት ወሪዱ ኣማራጺ ሓሳባቱ ኣብ ምልላይ ድኽመት አለዎ ዝብሉ ነቐፍቲ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብኣንጻሩ ድማ፡ ውድብ ዓረና ቀጸልቲ ህዝባዊ መድረኻት ከየሳልጥ ዝዓግትዎ፡ ገንዘባውን ፖለቲካውን ማሕለኻታት ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።

እቲ ውድብ ቅድም ክብል ዘካየዶም ህዝባዊ ኣኼባታት ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ኮይኑ ከም ዘካየዶም እዩ ብተደጋጋሚ ገሊጹ። ህዝቢ ዝሳተፈሎም ኣኼባታቱ "ብካድረታት ገዛኢ ውድብ" ከም ዝርበሹ መራሕቲ እቲ ውድብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጽሒፎም እዮም።

እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ ምጅማር እቲ ዘተ ካብ ዝነበረ "ንእሽቶ እንካ ሃባ" ወጻኢ ሰላማዊ እዩ ነይሩ።

ዓረና፡ ኣብታ ሃገር ኮነ ኣብ ትግራይ የጋጥሙ ንዘለዉ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት መፍትሒ እዮም ዝበሎም መመረጽታቱ ምስ ኣቕረበ ግን፡ ውዕዉዕ ክትዕን ሕቶን ተላዒሉ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ሞንጎ ዝተዘተየሎም ቀንዲ ዛዕባታት ክንድህስስ።

ጉዳይ መሬት

ኢህወዴግ ኣብ ጉዳይ ዋንነት መሬት "ኣይዋገይን" እናበለ እዩ መጺኡ። ነዚ ድማ ይመስል፤ 'መሬት ዘይሽወጥ ዘይልወጥ ናይ ሓባር ንብረት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እዩ' ብምባል ዋንነት መሬት ኣካል ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ።

ውድብ ዓረና ትግራይ ከኣ 'መሬት ብሓረስታ ክውነን ኣለዎ' ዝብል ፖሊሲ ከምዘለዎ ኣቦወንበር ዓረና ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ኣብቲ ብሰምበት ዝተኻየደ መድረኽ ገሊፆም።

እዚ እንትብሉ፡ ውድቦም ንመሬት ብዝምልከት 'ውልቀ ዋንነት' ክህልው እዩ ዝቃለስ ማለቶም እዩ።

እቶም ኣቦ መንበር፡ እቲ ሕዚ ዘሎ ፖሊሲ መሬት ንግዕዙይ ምሕደራ ዝተቓልዐ እዩ በሃሊ እዮም። ነዚ እንትገልጹ ድማ "ልሙዕ መሬት ብካድረታት ይውረር ኣሎ" ብምባል ይጠቕሱ።

Image copyright MILLION

ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ተሳተፍቲ እውን ኣብ ጉዳይ መሬት ኣሎ ዝበልዎ 'ሕመቓት' ዘርዚሮም እዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት መቐለ መሬት ሓረስቶት ኣብዚ እቶ ብዘይበሃል ዋጋ እናወሰድካ፡ ንኢንቨስትመንት እናተብሃለ ይውሰድ ኣሎ፣ ልሙዕ መሬት ኣብ ክንዲ ንሕርሻ ንመንበሪ ኣባይቲ ተባሂሉ ብመንግስቲ ስለዝተወሰደ ኣብ ገባር ዓብይ ቅረታ ፈጢሩ'ሎ ዝብሉን፡ ከምኡ ድማ 'ዘይሕጋዊ' ብዝብል መንግስቲ ዘፍርሶም ኣባይትን ብዝምልከት ተሳተፍቲ ኣልዒሎም ዘትዮምሉ።

ብኣንጻሩ ድማ፡ ውልቀ ዋንነት መሬት ኣብ ምስፋሕ መሰረተ ልምዓታትን ምትግባር ወሰንንቲ ፕሮጀክትታን ዕንቅፋት ዝፈጥር እዩ ዝብሉ እውን ነይሮም። መሬት እንተድኣ ኣብ ውልቀ ዋንነት ኣትዩ፡ መንግስቲ ኮኑ ሰብ ሃፍቲ ዓበይቲ ውጥናት ልምዓት ንምዕያይ ከምዘጸግመሎም ቅድም ኢሉ እውን ብዙሓት ተንተንቲ ዘልዕልዎ ዛዕባ እዩ።

ነዚ ድማ እዩ፡ ኣብቲ መድረኽ ተሳታፊ ዝነበሩ ኣይተ ካሕሳይ ሃይሉ፡ ዓረና መሬት ንሓረስታይ ዝብል ፖሊሲ እንተድኣ ተኸቲሉ፡ መሬት ንወሰንቲ ፕሮጀክታት እንትድለ ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝኽእል ርእይቶኦም ዝሃቡ።

ኣቦ መንበር ዓረና፡ ምፍራስ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ብዝምልከት እንትዘረቡ ዓረና ኣብ ስልጣን እንተዝህሉ ነይሩ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ኣይምተሰርሐን ኢሎም።

"ምኽንያቱ መንበሪ ገዛ ቀዳምነትን ትኹረትን ተውሂብዎ፡ ገዛ ንዝሰርሑ እነበረታትዐሉ ኩነታት ምሃለወ። ኩሎም ዝስርሑ ገዛውቲ ድማ ካብ መፈለምትኡ ብሕጋዊ መንገዲ ንክስርሑ ምገበርና። እንተድኣ ብናትና ድኽመት ቁፅፅር፡ ዘይሕጋዊ ገዛ ተሰሪሑ ድማ ግቡእ ካሕሳ ክኽፈል ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ገዛ ሱቕ ኢልካ ክፈርስ ኣይግባእን" ክብሉ ሞጊቶም።

ኮሚሽን መንነትን ወሰን ምሕደራን

ኣብ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ፌደራል 'ኮሚሽን ወሰን ምምሕዳርን ዋኒናት መንነትን' ዝበሃል ትካል ንምጥያስ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ኣጽዲቑ ናብ ስራሕ ኣትዩ'ሎ።

ምጥያስ እዚ ኮሚሽን ካብ ወገን ትግራይ ብርቱዕ ተቓውሞ እዩ ዝቐርቦ ዘሎ። ዓረና፡ ነዚ ኮሚሽን ዝምልከት ቅዋሙ ቅድም ኢሉ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ብሰምበት ዝተኻየደ ዘተ እውን "ኢ-ሕመንግስታዊ እዩ፡ ምትሕውዋስ ስልጣን'ውን ዝረኣየሉ እዩ" ዝብል ቅዋሙ ደጊሙ ኣንጸባሪቑ እዩ።

"እዚ ውሳነ ዘይሕገ መንግስታዊ እዩ፤ ክፀድቕ ኣይነበሮን። ግና እቲ ቤት ምኽሪ ናፃ ስለዘይኮነ እዩ እቲ ኮሚሽን ፀዲቑ። እቶም ኣብቲ ቤትምኽሪ ዘለዉ ሰባት ህዝቢ ዝደለዮ እንተይኮነስ ውድብ ዝደለዮ እዮም ዝሰርሑ። ከምዚ እንተዘይከውን ነይሩ፡ 'ሕገ መንግስቲ እናጠሓስካ ሕጊ ምኽባር ኣይከኣልን' ኢሎም ብድምፆም ውድቂ ምገበርዎ ነይሮም" ብምባል ዓረና ትግራይ ነዚ ምትሕውዋስ ስልጣን ንምፅራይ ከምዝሰርሕ ገሊጾም።

ጉዳይ ራያን ወልቃይትን

ንብዙሕ እዋናት፡ ኣብ ወልቃይትን ራያን ሕቶ መንነት ከምዘሎ ብሓደ ወገን እንትግለፅ፡ ብወገን ትግራይ ድማ ፀገም ምሕደራ እምበር ሕቶ መንነት የለን ዝብል ምስሕሓብ ካብ ዝፍጠር ፀኒሑ ኣሎ።

ኣብዚ ህዝባዊ ዘተ እውን እዚ ጉዳይ ዛዕባ ኮይኑ ምልዓሉ ኣይተረፎን።

ውድብ ዓረና ትግራይ፡ እቲ ኣብ ራያን ወልቃይትን ዝለዓል ፀገም ምሕደራ እምበር፡ ናይ መንነት ወይ ድማ ወሰን ሕቶ ከምዘይኮነ እዩ መርገፂ ወሲዱ።

"ኣብ ወልቃይትን ራያን ፀገም ምምሕዳር እዩ ኣጋጢሙ። ፀገም ምምሕዳር ግና ኩሉ ዝሓዘ እዩ። ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ከልዕል እንከሎ ፍትሒ፣ ነፃነትን ብምሃብ ዓርሱ ከመሓድር ክትፈቕደሉ ኣለካ። ፌደራሊዝም ንክልል ጥራሕ ዘይኮነስ ወረዳታት እውን ባዕሎም ንባዕሎም ከመሓድሩ ስልጣን ይህብ እዩ። ስለዚ ህዝቢ እንተድኣ ሕቶታቱ ተመሊስሉ ናይ ካልእ መፃወቲ ኣይኸውንን" ኢሎም ኣይተ ኣብርሃ ደስታ።

"ንህዝብታት ራያን ወልቃይትን ንስኹም ተጋሩ ኢኹም፡ ብህወሓት ግና ናይ ምምሕዳር በደል ይበፅሐኩም ነይሩ ብምባል ዓርሱ ንከመሓድር ክንፈቕደሉ ኢና" ብምባል ስልጣን እንተሒዞም፡ ነቲ ጸገም ከመይ ከምዝፈትሕዎ ኣሚቶም።

ኣይተ ገብሩ ኣስራት ብወገኖም እቲ ኣብ ወልቃይት ፀገዴ ተላዒሉ ዝበሃል ሕቶ ወሰን፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ፀገም ምሕደራን፡ ናይ እኩባት ቅሬታት ውፅኢት ከምዝኾነን ነቲ ተሳታፊ ኣብሪሆም።

"ናይ ቅረታ ግብረ መልሲ፡ ተጠቕሊሉ ናይ መንነት ጉዳይ ወይ እውን ጉዳይ ዶብ ኮይኑ እዩ ዝቐርብ ዘሎ። ብግልፂ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ተቐሚጡ እዩ። ብሓይሊ ጨፍሊቕካ ግና ዝኸውን ነገር የለን" ኢሎም።

ዓንቀፅ 39

ካልእ ኣብዚ ህዝባዊ ዘተ፡ ክትዕ ፈጢሩ ዝነበረ ድማ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 39 ዝተደንገገ ክሳብ ምግንፃል ዝፈቅድ መሰል ዓርሰ ምምሕዳር እዩ።

ተሳታፊ እቲ መድረኽ ኣይተ ኪዳነ ገብረመድህን፡ ዓንቀፅ 39 ካብቲ ሕገ መንግስቲ ምልዓል፡ ናጽነት ህዝብታት ዝዳፋእን ኣብ ሕቶ ዘእቱን እዩ ዝብል ርኢቶኦም ሂቦም ነይሮም።

ኣይተ ገብሩ ኣስራት ነዚ ጉዳይ እንተብርሁ፡ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ክትቅፅል የብላን ዝብል ከምዘሎ ኹሉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ክትቅፅል ኣለዋ ዝብሉ እውን ከምዘለዉን እዚ ጉዳይ ናይ ኣተሓሳስባ ጉዳይ ከምዝኾነን ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ ብቐሊሉ ክውሰን ዝኽእል ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ስነሓሳብ (ኣይዶሎጂ)

ዓረና ትግራይ ነቲ ሕዚ ዘሎ ስነሓሳብ ልምዓታዊ መንግስቲ ብምንጻግ፡ ስነሓሳብ ሊበራሊዝም ከምዝትግበር ኣፍሊጡ እዩ።

ተሳታፊ እቲ ዘተ ዝነበሩ ምሁር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣይተ ኣብርሃ ሃይለዝጊ፡ "እታ ሃገር ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ሞጎት ስነሓሳብ እያ ዘላ፡ ንምንታይ ኣብ ሓደ ምርድዳእ ምብፃሕ ዘይከኣልና፡ ሞጎት ስነሓሳብ ነቲ ምሁር ሓይሊ እንተዘይኮይኑ ነቲ ታሕተዋይ ክፋል ሕብረተሰብ ዘገድሶ ኣይኮነን። ንዘልኣለም ኣብ ክትዕ ስነ-ሓሳብ ዲና ክነሕልፍ ዝግባእ?" ክብሉ ሞጊቶም።

መስራቲ ዓረና ትግራይ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ግና "ዓረና ብቐዳምነት ንስነሓሳብ ዘይኮነስ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ቀዳምነት ከምዝህብ ብምግላፅ፡ እቲ ስነሓሳብ መርኣይ ስለዝኸውንን ነቶም እንቐርፆም ፖሊሲታትን መደባትን ስለዝፀሉ ኢና እነልዕሎ" ኢሎም።

"እቲ ኣይዶሎጂ መርአይኻ እዩ፤ ኣብኡ እነተተጋጊኻን ሓደ ነገር እንተዘይሒዝካን፡ ነቲ ካልኦት ትቐርፆ ፖሊሲታት፣ ሕግታት፣ ትካላትን መደባትን ስለ ዝፀሉ ኢና ከም ኣገዳሲ ጉዳይ እነልዕሎ ዘለና። እቲ ቀንዲ ጉዳይና ግና ጉዳያት ፖለቲካ፣ ቁጠባን ልምዓትን እዩ ኢሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት