ትግራይ፡ ፍሉይነት ጻዕዳ መዓር ትግራይ እንታይ'ዩ?

ጻዕዳ መዓር

ሃለቃ ኣለም ኣብርሃ፡ ኣብ ትግራይ ክልተ ኣውላዕሎ ኣብ እትበሃል ወረዳ እዮም ዝነብሩ። እታ ዝነብሩላ ጣቢያ ድማ 'መሳኑ ማይ ጸዶ' ትበሃል። ምህርቲ ሃለቃ ኣለም ግን ዓለም ዘይሩ እዩ።

'ጻዕዳ መዓር' ሃለቃ ኣለም ኣብርሃ፡ ካብዛ ንእሽቶ ገጠረወይቲ መንደር ተላዒሉ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳ፣ ኣሜሪካን ዓረብን ኮሊሉ'ዩ።

ኣብዛ ንኡሽቶ ጣቢያ፡ ኢትዮጵያ ብደረጃ ዓለም ዘርቁሐ፡ ትግራይ ንዝበጽሑ በጻሕቲ ዓዲ ድማ ኣብ ድረገጽ ሓባሪ ሓበሬታ ዘስፈረ ምህርቲ'ዮም ዘፍርዩ።

"ልምዓት ንህቢ ካብ ወለደይ ኣትሒዘ ብባህላዊ መገዲ እናሰራሕኹሉ መጺአ'የ" ዝብሉ ሃለቃ፡ ንህቢ ዝፈትዎ እናቕረቡ፡ ዝጸልኦ ድማ እናርሓቑ እንትሕብሕቡዎ፡ ዓስቦም ጽሩይ ጻዕዳ መዓር ይቕርበሎም።

"ፍቓድ ረኺበ ዝሰርሓሎም ኣብ ማይ ጸዶ፡ እንዳስላሰ ስሉሕ መስመር ቒሐን ዝርከቡ ኣርባዕተ ዘመናዊ መራብሒ ንህቢ ኣለውኒ" ይብሉ።

ኣብ ምህርቲ መዓር ንዘርኣይዎ ውፍይነት፡ ብነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ልዕሊ ኣርባዕተ ሜዳሊያ ወርቅን ዋንጫን ከም ዝተበርከተሎም ዝዛረቡ ሃለቃ ኣለም፡ ንልዕሊ 9ተ ግዜ ጻዕዳ መዓሮም ሒዞም ኣብ ዓለምለኻዊ ምርኢታት ዕዳጋ ንኢትዮጵያ ምውካሎም ብኹርዓት የዘንትዉ።

"እቲ መዓር ድማ ብጣዕሚ'ዩ ዝፍቶ፡ ጻዕዳ መዓር ኢትዮጵያ ተባሂሉ'ውን ኣብ ዌብሳይት ሰፊሩ'ዩ። እቲ መዓር ብጣዕሚ'ዩ ዝድለ" ኢሎምና።

Image copyright SLOW FOOD

ፍሉይነት ጻዕዳ መዓር ትግራይ እንታይ'ዩ?

"መዓር ትግራይ ተመራጺ ዝገብሮ፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ዘይርከቡ ግርቢያ፥ ኣገው ጾመር ዝበሃሉ ነቲ መዓር ጻዕዳ ክኸውን ዝገብርዎ ብዙሓት እጽዋት ስለ ዘለዉ'ዩ። ኣብ ክልልና ዘሎ ኩነታት ኣየር'ውን ንፍርያት መዓር ዝጥዕም'ዩ" ይብሉ ሃለቃ ኣለም።

ሃለቃ ታደል ኣለምሰገድ ድማ፡ ቅድሚ 5 ዓመት ምስ ካልኣዮም ብምዃን 'ሜላታት ምርባሕ ንህቢ' ዝብል መጽሓፍ ኣሐቲሞም እዮም።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1966 ዓ/ም ኣብ ኮሌጅ ሕርሻ ጅማ ብዓውዲ ሕርሻ ዝተምሃሩ ሃለቃ ታደል፡ ጻዕዳ መዓር ትግራይ ብልጫን በብኸመይ ክህልዎ ከምዝኸኣለ እንተብርሁ፡

"እቲ ሚስጢር፡ ኣብ ትግራይ ዘለው እጽዋት ፍሉያት ምኻኖም'ዩ። ጻዕዳ ዝኾኑ ዕምበባታት ካብ ዋጅራት ጀሚሩ፣ ኣጽቢ ደራ፣ ድድባ ደርጊዓጀን፣ ስዋሓ ሳዕሲዕ፣ ዓጋመ ሒዝካ ክሳብ ኤርትራ ስመጃና፡ ሓደ ዓይነት ዓሌት እጽዋት ኣለው" ይብሉ።

ግርቢያ፣ ስዋ ቐርኒ፣ ተበብ ዝበሃሉን ካልኦትን ድማ እቲ መዓር 'ፍሉይ' ክኸውን ዝገበርዎ ኣግራብን'ዮም።

ካብ ጻዕዳነቱ ብተወሳኺ፤ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ካብ ዝፈሪ መዓር ዚያዳ ተመራጺ ዝገበሮ "መድሓኒታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መዓር ብምዃኑ'ውን እዩ" ይብሉ።

"መዓር ትግራይ፡ 'ክሬም ሃኒ'፡ ዝበሃል ጠስሚ ዝመሰል መዓር እዩ። ስቕ ኢሉ ዝብተን ኣይኮነን፤ መዓዝኡ'ውን ፍሉይ'ዩ። መዓር ትግራይ፡ ዘይብተንን ሓፊስን እንትኾን፡ መዓር ተማልአልና ዘይብል የለን"

'ኒዩትረንት፣ ኣሽ ኮንተንት፣ ኤሌክትሪክ ኮንታክቲቪቲ፣ ቪስኮ ሲቲ፣ ሞይስቸር ኮንተንት' ጽርየት መዓር ዝዕቀነሎም መገድታት'ዮም። እዞም ደረጃታት ሓሊፉ'ዩ እምበኣር መዓር ትግራይ ኣብ ደረጃ ዓለም ፍሉጥ ክኸውን ዝኽኣለ ይብሉ ሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ።

ትዕድልቲ ንህቢ

ዓመት ዓመት፡ ነባራይ ገጠር ከባቢታት ትግራይ ኣብ ዕቀባ ሓመድን ማይን፡ ን 20 መዓልታትን ልዕሊኡን ይወፍር።

እዚ ኣብ ምሕዋይ ባዲሞም ዝነበሩ ከባቢታት፣ ምውሳኽ ጠሊ መሬትን ሓለዋ ልሙዕነት ሓመድን ዘይነዓቕ ተራ ከም ዘለዎ ዝገልጹ ሰብሞያ፡ ሽፋን ኣግራብ ዝውስኸሉ ዕድል ምፍጣሩ'ውን ይዛረቡ።

ኣቶ ጎሹ ወልደኣብዝጊ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ በዓል ሞያ ንህቢ'ዩ።

ንሱ፡ እቲ ዘሎ ሽፋን ኣግራብን በዝሒ ዓሌት ኣናህብን ተደሚሩ፡ ጽርየት መዓር ትግራይ ዝለዓለ ክኸውን ገይሮሞ'ዮም ይብል።

ኣብ ትግራይ ዘለው ዓሌት ኣናህብ ፍሉያት ምዃኖም ብምግላጽ፡ በብግዚኡ ዓለማዊ ጠለብ ዘለዎ መዓር ምፍራይ ከም ዝተኽኣለ'ውን ይዛረብ።

"ናይ ትግራይ ንህቢ ኣዐርዩ ተናዳፋይ'ዩ። እዚ ድማ፤ ነቲ ንህቢ መዓሩ ብኻልኦት ነፍሳት ከይውሰድ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ይፈጥረሉ" ይብል።

ኣቶ ጎሹ ወሲኹ፡ "እቲ ዓሌቱ፣ ጥንካርኡን ተነዳፋይ ምዃኑን መዓር ትግራይ ጽሩይ ክኸውን ኣኽኢሉ'ዩ። እቲ ኣቀማምጣ መሬት'ውን ንዕኡ ዝምቹእ ስለ ዝኾነ ብደረጃ ዓለም ተጠላብን ተፈላጥን መዓር ክነፍሪ ኣኽኢሉና'ዩ" ኢሉ።

ንህቢ ኣብ ከባቢኡ ዝርብሽ ሕማቕ ጨናን ጸረ ጻህያይ ኬሚካላትን ኣይፈቱን። ኣብ ከባቢኡ ዝረኽቦ ዝስተ ማይ'ውን ጽሩይ ክኸውን ኣለዎ።

ዝረኽቦ ንፋስን ጸሓይን ድማ፡ ጽሩይን ዝተመጣጠነን ክኸውን ይደሊ።

ዓመታዊ ዓቕሚ ፍርያት መዓር

ካብቲ ቤት ጽሕፈት ሕርሻ ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣስታት 80 ሽሕ ኩንታል መዓር ፈርዩ'ዩ።

ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ ዘመናዊ ቆፎ ንህብን ካልኦት ቴክኒካትን ዘለው ጸገማት ብምፍታሕ፡ ሙሉእ ዓቕሚ ናብ ምጥቃም እንተድኣ ተኣትዩ ድማ፡ ኣብ ዓመት፡ ክሳብ 250 ሽሕ ኩንታል ከፍሪ ዝኽእል ሃብቲ ኣሎ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግና ዓመታዊ ሰደድ ዝኸውን መጠን መዓር ካብ 20 ሚኢታዊት ዝበልጽ ኣይኮነን።

"እቲ ዝበዝሕ ግን ንጠለብ ውሽጢ ዓዲ'ዩ ዝውዕል። 50 ሚኢታዊት ሜስ ንምስራሕ ኢና ንጥቀመሉ" ይብል በዓል ሞያ ንህቢ ኣቶ ጎሹ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቶ ጎሹ፡ በዓል ሞያ ንህቢ ወልደኣብዝጊ

ዓላማዊ ዕዳጋታት መዓር ትግራይ

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ብባህላውን ዘመናውን መገዲ'ዩ መዓር ዝፈሪ ዘሎ።

ዝያዳ ኣብ ዘመናዊ ቆፎ ንህቢ ጠመተ ዝተገብረ እንትኾን፡ እቲ ዝርከብ ምህርቲ ግና ምስቲ ዘሎ ጠለብ ዕዳጋ ዝመጣጠን ኣይኮነን።

ኣፍራዪ ጻዕዳ መዓር ሓረስታይ ሃለቃ ኣለም፡ ልዕሊ 500 ኣብ ስራሕ ዝርከብ ዘመናዊ ቖፎ እንትህልዎም፡ ብቐንዱ ናብ ዓዲ ጥልያን ከም ዝልእኹ ይዛረቡ።

"ጣልያን ዋና ዕዳጋ መዓር ትግራይ'ያ። ናብ ሃገራት ጀርመን፣ ሰሜን ኣሜሪካ ሜክሲኮ፣ ሆላንድ፣ ዱባይ፣ ግብጺ፣ ኬንያን ሱዳንን ድማ ብኣካል መዓር ሒዘ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪበ ኣለኹ" ኢሎም።

ኣብ ጥልያን በብክልተ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርኢት መዓር 9ተ ግዘ ዝተሳተፉ እንትኾን፡ ፍርያት መዓሮም ቀዳማይ ደረጃ ረኺቡ'ዩ።

"እቲ መዓር ኢትዮጵያ ብምልላይ ቀዳማይ ደረጃ ረኺቡ'ዩ። በጻሕቲ ዓዲ'ውን ናተይ ሳይት ከይርኣዩን መዓር ከይዓደጉን ኣይሓልፉን" ይብሉ።

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ቀዋሚ ዕዳጋ ክፍጠር፡ መፍረያይነት ክዓቢ ከም ዘለዎ ድማ ይገልጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ