ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ከህድኦ ኣይከኣለን

ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም፡ 24 ለካቲት Image copyright Getty Images

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ዓርቢ 23 ለካቲት ኣብ ሃገራዊ ተሌቪዥን ቀሪቡ ነቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ናዕቢ ንምህዳህ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ን30 ዓመታት ዓትዒቱ ዝሓዞ ስልጣኑ ዝፈታትን ህዝባዊ ናዕቢ፡ ገና ይቕጽል ከም ዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ካብቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝተኣወጀሉ ጀሚሩ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ካርቱምን ኦምድርማንን ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ሱዳን ተቓውሞታት ይረኣዩ ከም ዘሎው'ውን ተገሊጹ።

ነቲ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ድንጋገ፡ ብተቓወምቲ ሰልፍታት፤ ወደብቲ ሰልፍታትን ከምኡ'ውን ካልኦትን ከም ዝነጸግዎን፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝጠልብ ሓዲሽ ሰለማዊ ሰልፉ ጸዊዖም።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውምኦም ዘስምዑ ሰለማውያን ሰባት ጠያይቲ የዝንቡሎም ከም ዘለውን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ሰለስተ ሰባት ተጎዲኦም ከም ዘለውን ተሓቢሩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ኣብ ምስጢራዊ መዳጎኒ ሱዳን እንታይ ይካየድ?

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር እንታይ ዩ ኣዊጁ?

ኣብ ወጥሪ ዝርከብ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መላእ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ብተወሳኺ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር፡ ብሃገርን ብዞባን ደረጃ ከም ዝደስከሎን፡ ንብዙሕ ዓመታት ተሓባባሪኡ ንዝነበረን፡ ኣብ 1989 ድማ ዕልዋ መንግሰቲ ገይሩ ኣብ ስልጣን ንኽድይብ ዝሓገዞ ጀነራል ባክሪ ሓሰን ሳልሕ ካብ መዝነቱ ከም ዘባረሮ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ ግን፡ ነዚ ጀነራል ብምኒስተር ምክልኻል ነበር ጀነራል ኣዋድ ኢቢን ኣዎፍ ተኪእዎ።

ጀነራል ኣዋድ ኢቢን ኣዎፍ፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ሓላፊ ወደሃደራዊ ጸጥታ እንከሎ ብዝፈጸሞ ገበናት ካብ 2006 ጀሚሩ ብመንግስቲ ኣመሪካ እገዳ ተነቢርዎ ካብ ዘለው ሰባት ሓደ እዩ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ምጉዓዝ ናይ ወጻኢ ባጤራን ወርቂን ከምኡ'ውን ንግዲ ነዳድን ከም ዝኣገዶም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።

Image copyright Getty Images

ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝኾነ ውጢ ኣምጺኡ ዶ?

ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ካብ ዝእወጅ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸራ ብረት ዝዓጠቓ ድሩዓት መኻይን መንግስቲ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ተደኵነን ኣለዋ። ከምዚ ዓይነት ሓይሊ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ተራእዩ ነይሩ።

ተጣበቕቲን ሰልፈኛታትን ነቲ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ድንጋገ፡ ንሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝያዳ ሓይሊ ዝህብ ኢዩ ብምባል ነቒፎምዎ።

ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ዝሓበሩ ሰልፈኛታት፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሰላማዊ ሰልፈኛታት ንምብታን ጠገለ ዘይብሉ ሓይሊ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩን፡ ንሰባት ብዘይ ዝኾነ ገበን ይኣስሩ ከም ዝነበሩን'ውን ኣመልኪቶም።

ናዕቢ ሱዳን ንስደተኛታት ይጸልዎም'ዶ?

ኣብ ሱዳን ብሓሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያንን ኢትጵዮያውንን ስደተኛታት ተዓቝቦም ይርከቡ። ሱዳን ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚራ ንስደተኛታት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ትቕበሎም ከም ዝነበረት ይግለጽ።

ኣብ ታሕሳስ 2018 ምስ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ዝበርናዮ ቃለ-መሕተት፡ ኩነታት ሱዳን ኣብ ሕማቕ ደረጃ ከም ዘሎን ዳርጋ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሎም ከም ዘለው ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ከም ዘይክእሉን ምሸት ምሸት ረብሻ ከም ዘሎን፡ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ዝኾነ ምንቕስቓስ ከም ዘየለ'ውን ኣመልኪቶም።

ኣብዚ እዋን ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ተጠቒሞም፡ ንሰደተኛታት ገፊፎም ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት-ማእሰርቲ ወሲዶም ክሳብ 7000 ሽሕ ፓውንድ ከም ጉቦ ይሓትዎም ከምዘለው ሓቢሮም።

ብተወሳኺ፡ ነቶም ዝተገፉ ስደተኛታት ብኣስገዳድ ደም መርመራ ይገብሩሎም ከም ዘሎ ዝሓበሩ ኤርትራውያን፡ ወይቦ፤ ቲቪ ወይ ኤች ኣይቪ ዘለዎም ሰባት ንዓዶም ክስጐጒ ኢዮም ብምባል ዘይተኣደነ ገንዘብ ይጠልቡ ብምህላዎምን፡ ዓቕሚ ዘይብሎም ኤርትራውያን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ሱዳን ተዳጒኖም ከም ዘሎውን ንቢቢሲ ሓቢሮም።