ኤርትራ፡ ሃገራዊ ባይቶ ዘየጽድቖ ስምምዕ እንታይ ሕጋውነት ኣለዎ?

ኣቶ ኣርሄ ሓመድ ናካ Image copyright ኣቶ ኣርሄ ሓመድ ናካ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቶ ኣርሄ ሓመድ ናካ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሳብ ሕጂ ዝፈረመኦ ስምምዕ ከም ዘየለ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንመራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ገሊጹ ።

ፍሉይ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ፡ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን'ውን ምስ ኢትዮጵያን ሄራልድ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ንክልቲአን ሃገራት ቁጠባዊ ምሕዝነተን ዘሕይል፡ ናይ ንግድን ልምዓትን ምትእስሳር ዝቆጻጸራሉ ስምምዕ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝፈራረማ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ሓገግቲ ኣካላት፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ተዛትዮም ምሰ ኣርቀቑዎ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ክትዕ ምስተገብረሉን ምስጸደቐን ከም ዝፍረምን ግብራዊ ከም ዝኸውንን ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ መግለጺ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ እታ ንጡፍ ባይቶ ዘይብላ ኤርትራ ደኣ ብኸመይ እያ ክትዛተ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም-ዛዕባ ኾይኑ ይቕጽል ኣሎ። ቅድሚኡ እውን ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ዝምነዮን ዝደልዮን እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ስምምዓት ግሉጽነት የብሉን ዝብል ሕቶ ክለዓል ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ባይቶ ስዊድን፡ ንሸሞንተ ዓመታት ኣባል ሶሻል ዲሞክራትስ ኮይኑ ዘገልገለ ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰርሕ ባይቶ ከምዘየሎ ብምግላጽ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዲሞክራስያውነቱ ካልእ ሕቶ ኮይኑ፡ ባይቶ ኣሎ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ኣይኮነን'ዶ ባይቶ፡ እቲ መሰረተ ኩሉ ነገር ዝኾነ ቅዋም'ውን የለን" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝግበር ስምምዓት ንኽልቲአን ሃገራት ብማዕረ ከርብሕ እዩ ክትብል ኣሸጋሪ እዩ ይብል።

"ብወገን ኤርትራ፡ ክካትዕሉን ከጽድቕዎ ዝኽእሉን ህዝቢ ዝመዘዞም ተሓተትቲ ኣካላት ስለዘየለው ግብራውነቱ ኣጠራጣሪ እዩ" ይብል።

Image copyright DAWIT FSHAYE
ናይ ምስሊ መግለጺ ገዲም ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ

ኣባል ሚኒስተሪ ሃብቲ ዓሳ ኤርትራ ዝነበረ፡ ገዲም ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ (ወዲ መምህር) ብወገኑ " እቶም ዝግበሩ ስምምዓት እንተ ድኣ ሕጋውነት ክህልዎም ኮይኑ፡ ብድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝተወከለ ኣካል ዘትዩ ከጽድቖም ይግባእ። ሽዑ ጥራሕ ከኣ እዮም ሕጋውያን ዝኾኑ" ይበል።

ኣብ ሓምለ 2018፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሓሙሽተ መሰረታውያን አዕኑድ ዝሓዘ፡ ኩነተ ኲናት ምብቅዑ ዘበሰረ ስምምዕ ፈሪሞም ምንባሮም ይዝከር።

ድሕሪኡ እውን፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴሬዝ፡ ንጉስ ሱዕዲ ዓረብ፡ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ሳዑድ፡ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን ካልኦት ተዓዘብትን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ በዓል ሸውዓተ ነጥብታት ውዑል ኣብ ጂዳ ተፈራሪሞም።

ይኹን እምበር ዝርዝር እቶም ዝተፈረሙ ስምምዓት ብንጹር ከይተገልጸ ብምጽንሑ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ስግኣት ልኡላውነትን ሕጋውነት ከም ዘሕደረሎም ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

እንተኾነ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ክሳብ ሕጂ ዝተፈረሙ ስትራተጂካውያን ስምምዓት ከም ዘየለዉ'ዩ ገሊጹ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ዝርዝር እቶም ኢትዮጵያ እትፍርመሎም ስምምዓት የጽንዕ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ምስ ተዘተየሉ ጥራሕ ግብራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

ኣቲ ኣብ 1994 ፡ ዝቖመ 150 ዝኣባላቱ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣብ ጥሪ 2002 ተኣኪቡ፡ ለውጢ ንዝሓተቱ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ዝነበሩን ጉጅለ-15 ምስኮነነ ክሳብ ለይተ ሎሚ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን።

ሓያሎ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ስሩዕ ግዜኡ ንዘሕለፈ ኣኼባ ክጽውዕ ብምዕዳምን ቅዋም ክትግበር ብቕሉዕ ደብዳበ ምስ ጸውዑ እዮም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ንሃገራዊ ሓድነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክድዓት ፈጺሞም ብምባል እዩ ዝወቕሶም።

ሃገራዊ ባይቶኣ ዝደስከለሰ ኤርትራ፡ ምስ ጎረባብታ ብኸመይ ኣገባብ እያ ስምምዓት ክትፈራረም? ዝብል ሕቶ ዘልዓለ ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ "እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ስምምዕ ንኤርትራ ጥራይ ዝጎድእ ክመስል ይኽእል 'ዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን ንኢትዮጵያ'ውን ምጉድኡ ኣይክተርፎን'ዩ፡ እዚ ሚዛን ዘይሓለወ ስምምዓት'ዚ ብዙሕ ሓደጋታት ስለዘለዎ፡ ናብቲ ብሕማቕ እንዝክሮ ጸሊም ታሪኽ ከይንምለስ የስግኣኒ" ይብል።

ቀጺሉ ግን እቲ ንኤርትራ ዝውክል ስርዓት፡ እቲ ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ስለዝኾነ፡ ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዓት ካብ ምቕባል ካልእ ኣማራጺ ከም ዘየለ ይገልጽ። ኣቶ ዳዊት ፍስሃየ (ወዲ መምህር) ግን ነዚ ዝግበር ዘሎ ስምምዓት ምቕባል፡ ንመጻኢ ከስዕቦ ዝኽእል ክሳራ ከይህሉ ክሕሰበሉ ይግባእ ክብል ይምጉት።

"[ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ነበር]መለስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዘይምእኩል መገዲ ኣብ ሞንጎ ውልቀ ሰባት ዝግበሩ ዝነበሩ ስምምዓት፡ ናይ ወልቀ ሰባት ኮይኖም እዮም ተሪፎም። ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ርኢናዮ ኢና። ብወግዓውነት ዘይጸደቑ ስምምዓት ስለዝነበሩ ከኣ ኣብ መወዳእታ ናብ ዘየድሊ ግጭት ኣቲና'' ብምባል፡ እቲ ተመክሮ'ቲ ከይድገምን፡ እቲ ዕርቀ ሰላም ውሕስነትን ዘላቕነትን ንክህልዎን ብወከልቲ ህዝብን መንግስትን ክፍጸም ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ስሉሳዊ ስምምዓት ድሕሪ ምፍርራመን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ሶማልያ ሕቶ ኣለዓዒሉ ነይሩ። ሓደ ሓደ ኣባላት ባይቶ ሶማልያ፡ ፕረዚደንት ፈርማጆ ባይቶ ዘይፈልጦም ስምምዓት ብምፍራም ካብ ሕጊ ወጻኢ ተጓዒዙ ብምባል፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሕቶ ኣቕሪቦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።