ኤርትራ ሶማልያን ኢትዮጵያን፡ ጽባሕ ስሉሳዊ ስምምዕ ክፈራረማ'የን

ፕረዚደንቲ ሪፓብሊክ ሶማል፡ ሞሓሞድ ኣብዱላሂ ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ 5 መስከረም 2018 Image copyright Yemane G. Meskel
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንቲ ሪፓብሊክ ሶማል፡ ሞሓሞድ ኣብዱላሂ ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ 5 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ

ዝሓለፈ ሳልስቲ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምንግጋድ መራሕቲ ሃገራት ዝተርኣየሉ መዓልታት እየን ነይረን። ምብጻሕ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን፡ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን።

ጽባሕ'ውን ኤርትራ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስሉሳዊ ስምምዕ ከም ከም ዝፈራረማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ማህዲ ሞሓመድ ጉልደ ምስ ቢቢሲ ሶማልያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ማህዲ ሞሓመድ ጉልደ ብተወሳኺ "ሓደን ቀንድን ሶማልያ ሰላማዊት ሃገረ ምኳንና ክንእውጅ ንደሊ፡ እዛ ኣካል ቀርንን ምብራቅን ኣፈሪቃ ዝኾነት ሃገር፡ ኣብዚ ዞባን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ምፍጣር ንግዳዊ ዕድላትን ሓቢርካ ኣብ ምስራሕን መሪሕ ተራ ኢና ንጻወት ዘለና " ኢሉ።

መራሕቲ እዘን ሰለስተ ሃገራት፡ ብ 5 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት አመልኪቶም ምስዘተዩ ሓቢሮም ንምስራሕ ኣብ ዘኽእል ስሉሳዊ ስምምዕ ምብጽሖምን ምኽታሞምን ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ከምኡ'ውን ፕረዚደንቲ ሪፓብሊክ ሶማል፡ ሞሓሞድ ኣብዱላሂ ዝተፈራረሙዎ ስምምዕ፡ ጂኦግራፍያዊ ፡ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ሓባራዊ ረብሓታት ሰለስቲአን ሃገራት ዘማእኸለ ከምዝኾነ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግልጺ ተሓቢሩ ነይሩ ።

ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ስሉሳዊ ስምምዓት ድሕሪ ምፍርራመን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ሶማልያ ሕቶ ኣለዓዒሉ ነይሩ።

ገለ ኣባላት ባይቶ ሶማልያ፡ ፕረዚደንት ፈርማጆ ባይቶ ዘይፈልጦም ስምምዓት ብምፍራም ካብ ሕጊ ወጻኢ ተጓዒዙ ብምባል፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሕቶ ኣቕሪቦም እኳ እንተነበሩ እቲ ሕቶ እኹል ደገፍ ኣባላት ባይቶ ብዘይምርካቡ ውድቕ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት