ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ተስፋታትን ግድላትን መሪሕነት ኣብዪ ኣሕመድ

ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓደ ዓመቱ
ናይ ምስሊ መግለጺ ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓደ ዓመቱ

ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘላ ኢትዮጵያ፡ መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ከረጋግኣ'ዩ ዝብል ተስፋ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ መሪሕነት ካብ ዝመጽእ ንደሓር እውን እንተኾነ ክትረጋጋእ ዘይኽኣለት ኢትዮጵያ፡ ብዙሕ ክግበር ዘለዎ ዕዮታት ከም ዘለው ምሁራት ይሕብሩ።

መሰረታዊ ለውጢታት እቲ መሪሕነት

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣቦ መንበር መሪሕ ግንባር ኢትዮጵያ ኢህወደግን መራሒ ሃገርን ኮይኑ ምስተሸመ፡ ንኢትዮጵያ ብፍልስፍና "መደመር" ከም ዝመርሓ'ዩ ኣዊጁ።

ኢህወደግ ድማ፡ ዓፋንን ጨቋንን ስርዓት ከም ዝነበረ ተነሲሁ፤ ብፖለቲካዊ ፍልልይን ካልእን ንዝኣሰሮም፣ ካብ ሃገር ንኽስደዱ ንዝደፋፍኦምን፡ ሰኣን ፍትሓዊ ምሕደርኡ ንዘቖጥዖ ህዝብን ይቕረታ ሓቲቱ።

ብዙሓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ድማ ተፈቲሖም፣ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኮይኖም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዝነበሩ ሓይልታት ናብ ዓዲ ውሽጢ ኣትዮም፣ ብግብረ ሽበራ ዝተጠመቓ ሚዲያታትን ውልቀሰባትን ካብ ጸሊም መዝገብ ተኣልዮም።

እዚ "ምሕረትን ይቕረታን" ብዝብል ስያመ ዝተወሰደ ስጉምታት ግን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝጀመሮ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ብጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ግን ደፋር ስጉምቲ ወሲዱ'ዩ፡ ብዝብል ነጥቢ ምጉቱ ይጅምር ምሁር ፖለቲካዊ ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መጽናዕትን ሰይፈ ሃይለ።

"ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ውሽጢ ዓድን ዝነበሩ ተቓወምቲ፡ ኣብ ህንጸት ፖለቲካዊ ባህሊ ግደኦም ንከወፍዩ ምእንቲ፡ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ክመሓየሽ፣ ገደብቲ ኣዋጃት ክለዓሉ፣ ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ብድፍረት ዘይኣተውዎ ትግባረ ስምምዕ ኣልጀርስ ግብራዊ ብምግባር ኣብነታዊ ስራሕ'ዩ ሰሪሑ።

ምሁር ሕግን ተንታንን ኣብዪ ጨልቀባ ድማ፡ እቲ መጺኡ ዝበሃል ለውጢ ክልተ መሰረታዊ ደፋኢ ምኽንያታት'ዮም ኣምጺኦሞ ኢሉ።

"ብፍላይ ድሕሪ ሕልፈት መለስ ዜናዊ፡ ኣብ መሪሕነት ሃይለማርያም ደሳለኝን ኣብ ዝነበረ ግዜ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ክፍተት ተፈጢሩ እዩ። እታ ሃገር'ውን ዝበዝሓ ኽፋላ መንእሰይ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መንእሰይ ዘለዎ ጠለብ ዝምልስ ፖለቲካዊ መሪሕነት ይደሊ ነይሩ። ኣብዘን ክልተ ምኽንያታት ዝነበረ ናይ ተስፋ ለውጢ'ዩ ንኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣምጺኡዎ"።

ኣብ 2015 ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኦሮሚያ ዝተላዕለ ናዕቢ ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ሳዕቤናትን'ኳ እንተነበሮ፡ ሸቕሊ ኣልቦነት ግን ከም ቀንዲ ምኽንያት እዩ ዝጥቀስ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓደ ዓመቱ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ መሪሕነቱ፡ ፖለቲካዊ ምህዳር ብምስፋሕ፡ ብሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንዝተዳኸመ ቑጠባ እታ ሃገር ዝሕግዝ ቑጠባዊ ምምሕያሻት ከም ዝገብር'ውን ተመጻቢዑ'ዩ።

ንሓይሊ ኤሌክትሩክ፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ቴሌኮምዩኒኬሽንን ካልኦት መንግስቲ ዘመሓድሮም ገዘፍቲ ትካላት ልምዓትን፡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ንውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣሰጋጊሩ።

እዚ ተበግሶ፡ ዝተፈላለዩ ክትዓት እናልዓለ ዝመጽአን ዘሎን ኮይኑ፡ እዚ ሓሳብ ምስቲ ኢህወደግ ክስዕቦ ዝጸንሐ ፍልስፍና ልምዓታዊ መንግስቲ ስለዘይሳነ፡ ግብራዊ ክኸውን የብሉን ትብል ምህርቲ ስነ ቑጠባ ወይዘሪት ሃንሳ ተኽላይ።

እዚ ናይ ሊበራል ኣሰራርሓ'ዩ ንዝበለት ወይዘሪት ሃንሳ ዝሞገተ ፖለቲከኛን ምሁር ፖለቲካል ሳይንስን ኣብርሃ ደስታ፡ ትካላት ምሻጥ ዝሓሸ ፋይናንሳዊ ኣታዊ ንምርካብ ዝሕግዝ እዩ ኢሉ።

"ዓበይቲ ትካላት መንግስቲ ናብ ዋንነት ብሕቲ ምዝዋር፡ ካልኦት ኣብቲ ዓውዲ ክሰርሑ ምፍቃድ፣ ዝሓሸ ውጽኢታዊ ክኸውን ምፍቃድ፣ መኽሰብ ከምጽእ ምሕሳብን፡ ዓውዲ ብሕቲ ንምትብባዕ ዝግበር ስራሕ እዩ" ዝብል ስነ ሞገት ከኣ ኣቕሪቡ።

ነዚ ሞገታዊ መደብ ኣብዪ ኣሕመድ ብመንጽር ቕድም ኢሉ ዝወሃቦም ዝነበረ ማሕበራውን ፖለቲካውን ትርጉም ዘብርሀ፡ ምሁር ፖለቲካል ኢኮኖሚ ሰይፈ ሃይለ ድማ፡ ቑጠባዊ ዓቕሚ ብብቕዓት እምበር ብመሸጣ ኣይኮነን ዝፍጠር ኢሉ።

"ብዙሓት ናይ ብኽነት ማእኸል ኮይኖም ዝተረፉ ትካላት ኣለው። ፋይናንስ ከመንጭዋ ተባሂሉ ዝቐረበ ምኽንያት መሸጣ እዘን ትካላት ዘዕግብ ኣይኮነን። ልዑል ስእነት ስራሕ ምህላው ሓደ ዓብዪ ማሕበራዊ ጉዳይ ኮይኑ እቲ ዝበዝሕ ዜጋ ግን ግብሪ ኣይኸፍልን" ይብል።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታ እትረኽቦ ዝነበረት ሸርፊ ወጻኢ ከም ዝነከየ፣ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ዋጋ ከም ዝተመዝገበ፣ መንግስቲ ብኣግባቡ ዓመታዊ ግብሪ ካብ ዜጋታቱ ክእክብ ከም ዘይኽኣለን ብሕጽረት ፋይናንስ ጠጠው ዝበሉ ፕሮጀክታት ከም ዘለውን፡ ጸብጻባት መንግስቲ የመላኽቱ።

ንምኻኑ ግን ኢህወደግ፡ ልምዓታዊ ፖሊሲ ዲዩ ዝኽተል ዘሎ? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እትብገስ ምህርቲ ስነ ቑጠባ ሃንሳ ተኽላይ፡ "መሪሕነት ኣብዪ ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ'ኳ እንተምጽአ፡ ክሳብ ሕጂ ግን አብ መሰረተ ልምዓት ዝመጽአ ሓድሽ ነገር የሎን፣ ኣብ ቑጠባ ብዙሕ ርኡይ ለውጢ ኣይመጽአን" ብምባል፡ ምቁራጽ ህንጸት መስመር ባቡር መቐለ-ወልዲያ-ሃራ ገበያ ከም ኣብነት ጠቒሳ።

እቶም ክምስገኑ ዝኽእሉ ለውጢታት ጀሚሮም ክቕጽሉ ኣይኽኣሉን ዝበለ ኣብዪ ጨልቀባ፡ መሪሕነት ኣብዪ ኣሕመድ ክሃንጾ ብዛዕባ ዝደሊ ስርዓት ንጹር ዘይምዃን፣ ህዝቢ እምነት ከምዘጉድል ዝገብሩዎ ኣካይዳታት ምብዛሕ ዝስትውዓሎ "ናይ ፖሊሲ ኣካይዳ እዩ ዘለዎ" ብምባል ይገልጾ።

ርኢይቶ ተሳተፍቲ

እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ እወንታዊ ስጉምታት ብምልዓል ርኢይተኦም ዝሃቡ ገለ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዘተ፡ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣተው ሓይልታት ግን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት'ውን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን ኢሎም።

"እቶም ፖለቲካዊ ውድባትን መንግስትን ክህሉ ብዛዕባ ዝግብኦ ፖለቲካዊ ስርዓት፣ ህንጸት ሃገርን ጉዳይ ምክያድ ወይ ምድንጓይ ምርጫን ኣይተሰማምዑን። ሃገር ከመይ እያ ትመሓደር ዘላ ዝብል'ውን ግልጺ ኣይኮነን" ኢሉ ሓደ ተሳታፊ እቲ መድረኽ።

ብኻልእ ወገን መሪሕነት ኣብዪ ኣሕመድ ዝሓሸ ናይ ናጽነት ባይታ ምፍጣሩ እውን ተላዒሉ።

እንተኾነ እቲ ነጻነት እናሰፍሐ ኸይዱ፡ ግቡእ ዜጋታት ግን ክጎልሕ ዘይምኽኣሉ፣ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ውልቀሰባት ግቡአም ምዝንግዖም፡ እቲ መሪሕነት ብውህደት ተላጊቡ ተሰጣጢሙ ይኸይድ ናይ ዘይምህላዉ ምልክት'ዩ ዝብል ሓሳብ'ውን ተንጻባሪቑ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓደ ዓመቱ

ብኻልእ ወገን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ናይ ጸጥታ ጸገም ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ "ዜጋታት ኣብ ጸሓይ ቀትሪ ብእምኒ ተቐጥቂጦም ዝቕተልሉ ዝመዛበልሉ፣ ኣግባብ ብዘይብሎም ዶክሜንታሪ ሰነድ ዝፍረድሉ ኩነታት እናሃለና፡ ብኸመይ ተመሓይሽና ክበሃል ይከኣል" ዝብል ርኢይቶ ቐሪቡ'ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ እቶም ዝርኣዩ ዘለው ጸገማት፡ መሪሕነት ሓደ ዓመት ኣብዪ ኣሕመድ ዘምጽኦም ዘይኮነ፡ ሱር ሰዲዱ ካብ ዝጸንሐ ጸገማት ዝመጽኡ፣ ገሊኦም ድማ ናይ ፖሊሲ ጸገም ዝወለዶም'ዮም ዝብል ሓሳብ እውን ካብ ተሳተፍቲ ተላዒሉ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ፡ 50% ብደቀንስትዮ ምቛሙ፡ ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክተረጋግጽ የኽእላ'ዶ ይኸውን? ንዝብል ብዙሓት ንኢደምዎን ተስፋ ኣሕዲሮምሉን ኣለው።

እንተኾነ ኢላ ሓንቲ ተሳታፊት እቲ መድረኽ ዘተ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ እናተምሃራ'ውን ዝበጽሐን ወጽዓ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "እተን ናብ መሪሕነት ዝመጽኣ ምስ መን ተወዳዲረን፣ ብኸመይ በቒዐን ዝብል ነጥቢ ክስገር ኣይግብኦን" ኢላ።

ቐጸልቲ ዕዮታትን ፈተናታትን

"ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናይ ዲፕሎማሲ ቕልውላው ገጢሙዋ እዩ" ዝብል ሰይፈ ሃይለ፡ ኢትዮጵያ ሕጂ ብዘላቶ ኩነታት ጸጥታን ምርግጋእን፡ ክኣምና ዝኽእል ማሕበረሰብ ዓለም የለን ኢሉ።

"ኣጀንዳ ቐራጺት፣ ተጸዋዒት ዝነበረት ሃገር፡ ሕዚ ዝኣምና ስኢና ኣላ፤ ኣብ ኢጋድ ከይተረፈ ንድሕሪት ተሪፋ"። ካብ 2008 ዓመተ ምሕረት ጀሚሩ ዝቐጸለ ምምዝባል ዜጋታት፣ ዓሌታዊ ግጭታትን ምስሕሓብ መንግስታት ክልልን ፌደራልን፡ መሪሕነት ኣብዪ ኣሕመድ ክኣልዮም ኣይክኣለን ተባሂሎም ካብ ዝለዓሉ ድኽመታት እዮም።

"ዜጋታት፡ ደሕንነቶምን ንብረቶምን ክሕልወሎም ዝኽእል መንግስቲ ይደልዩ ኣለው። ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ መንግስቲ ወይ ይፍራሕ ወይ ይኽበር፤ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ግን ኣይፍራሕ ኣይኽበር፡ ኩሉ ጓዕጺጹ ክሕዝ ዝደልየሉ ኣካይዳ እዩ ዘሎ" ይብል።

መንግስቲ፡ ጉልበት ህንጸት ዲሞክራስን ዘመናዊ ፖለቲካዊ ስርዓትን ክኾኑኒ'ዮም ኢሉ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝዓደሞም ዝተፈላለዩ ሓይልታት፡ መንግስቲ ዕጥቆም ክፈትሑ ይሓትት ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ መሪሕነት ይፍትኖ ኣሎ ዝብል ርእይቶ ኣሎ።

" [ኢትዮጵያ ዓባይን] ዝተፈላለየ ድልየት ዘለዋ ሃገር እያ" ዝብል ምሁር ሕጊ ኣብዪ ጨልቀባ ብወገኑ፡ ኣብ ኣተገባብራ ሕግን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ዘሎ ክፍተት ኣጽንኦት ዝሓትት ምኻኑ የቐምጥ።

"እቲ ፓርቲ [ኢህወዴግ] የሎን ተዳኺሙ እዩ። ኣብዪ ድማ [ድልዱል መንግስታዊ] ትካላት ኣይረኸበን" ዝበለ ፖለቲከኛ ኣብርሃ ደስታ፡ ኣብ ህንጸት ትካላት፣ ጸጥታ ህዝቢ ኣብ ምሕላው ትኹረት ዘይምግባሩ ይነቅፍ።

"ህዝቢ ዝሕሉዎ ስኢኑ እዩ ዘሎ፡ ቀዲሙ ዝተሃነጸ ነገር የለን። በዚ ክንዕቅኖ እንከለና እቲ ለውጢ በቲ ዝድለ መገዲ ኣይኸይድን ዘሎ፤ በቲ ናይ ቀደም ናይ ኢህወደግ ኣተሓሳስባ ድማ ጸጥታ ከተምጽእ ኣይትኽእልን" ኢሉ።ምሁር ሕጊ ኣብዪ ጨልቀባ፡ ንርግኣትን ህልውናን እታ ሃገር ኣብ ህንጸት ትካላትን፡ ድሌት ብሄር ብሄረሰባት ማእኸል ዝገበረ ኣካይዳን ክስርሓሉ ኣለዎ ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት