ትራምፕ: ህንዲን ቱርኪን ካብ ኣሜሪካ ዝረኽበኦ ሓለፋታት ንግዲ የሕድግ

ትራምፕን ሞዲን Image copyright Getty Images

ኣሜሪካ ነቲ ህንዲ ገለ ሰደዳት ናብ`ታ ሃገር ብዘይቀረጽ ከተእቱ ዘፍቅድ ፍሉይ ሓለፋ ደው ንምባል ወጢና።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ህንዲ ዕዳጋታታ ንሰደዳት ኣሜሪካ ርትዓዊ ብዝኾነ መንገዲ ክፉት ናይ ምግባር መረጋገጺ ኣይሃበትን ኢሉ።

ኣሜሪካ ንቱርኪ ክትህባ ዝጸነሐት ናይ ንግዲ ሓለፋ`ውን ደው ከተብሎ ምዃና ገሊጻ`ላ። ናይ`ዚ ምኽንያት ድማ ቱርኪ ነቲ ሓለፋታት ናይ ምርካብ ብቕዓታ ስለዘብቀዐ`ዩ ኢላ።

እዚ ስጉምቲ`ዚ ኣካል ናይ`ቲ ኣሜሪካ ኣንጻር ዘይቅኑዕ ንግዳዊ ኣሰራርሓ ብምባል እትወስዶ ዘላ ስጉምትታት`ዩ።

ትራምፕ ንናይ ሃገሩ ናይ ንግዲ ክሳራ ንምቕናስ ተመባጺዑ ነይሩ፡ ብልዑል ናይ ህንዲ ቀረጻት ድማ ከዕዘምዝም ጸኒሑ`ሎ።

ህንዲ `ንኣሜሪካ ፍትሓውን ርትዓውን ዝኾነ ናይ ዕዳጋ ዕድላት ንምሃብ መረጋገጺ ኣይሃበትን` ኢሉ ትራምፕ ንባይቶ ኣብ ዝሰደዶ ጽሑፍ።

ከም ውጽኢት ናይ`ዚ ድማ ወኪል ንግዲ ኣሜሪካ ንህንዲ ካብ`ቲ ሓለፋታት ዘውህብ ስምምዕ ከውጽኣ ኣዚዙ።

`ሓለፋ ዘለዎ ኣተሓሕዛ`

ኣብ ትሕቲ መደብ ጀነራል ሲስተም ፕሪፈረንስስ (ጂ ኤስ ፒ)፡ ሓንቲ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር ነቲ ብባይቶ ኣሜሪካ ዝወጸ መምዘኒ ኣንተድኣ ኣማሊኣ `ገለ ምህርትታታ ብዘይቀረጽ ናብ ኣሜሪካ ክተእቱ ትኽእል`ያ`

ገለ ካብቲ መምዘኒታት ድማ ምሕላው መሰል ምሁራዊ ምህዞን ንኣሜሪካ ርትዓዊ ዝኮነ ናይ ዕዳጋ ዕድላት ምሃብን የጠቓልል።

ኣሜሪካ ንቱርኪ`ውን ካብ መደብ ጂ ኤስ ፒ ከተውጽኣ ትህቅን ኣላ። ነዚ ስጉምቲ`ዚ ከም ምኽንያት ኣተቕርቦ ድማ ቱርኪ `እኹል ቁጠባዊ ምዕባለ ስለዘመዝገበት` ነቲ መምዘኒ ዝነበራ ብቕዓት ኣብቂዑ`ዩ ትብል።

እቶም ስጉምትታን ግን ንባይቶን መንግስታት ህንድን ቱርኪን ካብ ዝተሓበሮም እዋን ክሳብ 60 መዓልታት ተግባራዊ ኣይኮኑን`ዮም።

ናይ ንግዲ ኲናት

እዚ ስጉምቲ`ዚ ኣካል ናይ`ቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዝጸንሐ ዝበሎ ዘይፍትሓዊ ንግዳዊ ዝምድና ንምትዕርራይ ዝጀመሮ ስጉምቲ`ዩ።

እዚ ስጉምቲ`ዚ ግን ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ኣዕናዊ ዝኾነ ናይ ንግዲ ኲናት ኣስዒቡ`ሎ። ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ድማ ዘተ ይካየድ ኣሎ። ዛጊት ሓንቲ ሃገር ኣብ ልዕሊ`ታ ሓንቲ ብቢሊዮናት ዶላራት ዝቑጸር ቀረጽ ኣንቢራ`ላ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ካብ መላእ ዓለም ናብ ሃገራ ዝኣትዉ ሓጻውንን ኣሉሚኔምን`ውን ቀረጽ ኣተኣታትያ`እያ።

Image copyright Reuters

ከም ግብረ-መልሲ ድማ ህንዲ ኣብ ሓያሎ ናይ ኣሜሪካ ሰደዳት ቀረጽ ወሲኻ እያ።

ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ እቲ ንህንዲ ዝዋሃባ ሓለፋታት ክሳብ 5.6 ቢሊዮን ዶላር ዝዋግኦም ሸቐጣን ናብ ኣሜሪካ ብዘይቀረጽ ከተእቱ የፍቅደላ።

እዚ ሓለፋታት ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ግን ቀዳማይ ሚኒስቴር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ሎም ዘመን ንምርጫ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ ፈታኒ እዋን`ዩ ተወሲዱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት