መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እንታይ ንፈልጥ?

ዝተሰባበረ ኣካላት እታ ነፋሪት Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተመሳሳሊ ስርሓት ዘለወን 5 ነፈርቲ ኣለውኦ

ትማሊ ሰንበት ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ሸሞንተ ኣባላት በረራ ዝርከብዎም 157 ሰባት ሞይቶም።

እታ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ናይሮቢ-ኬንያ ትበርር ዝነበረት ET302 ዝመለለይኣ ነፋሪት፡ ድሕሪ ሽድሽተ ደቓይቕ በረራኣ እያ ርክብ ኣቃሪጻ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ወዲቓ ተሓምሺሻ።

ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?

  • እታ ቦይንግ 737 'ማክስ 8' ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 60 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝርሕቀታ ከተማ ቢሾፍቱ (ደብረዘይት) እያ ወዲቓ።
  • በቲ ዘጋጠማ ከቢድ ሓደጋ ከኣ ኩሎም ተሳፈርታን ሸሞንተ ወሃብቲ ኣገልግሎት እታ ነፋሪትን ሞይቶም።
  • እቶም መወትቲ ዜጋታት 37 ሃገራት ክኾኑ ከለዉ፡ 32 ኬንያውያን፡ 18 ካናዳውያን፡ 18 ኢትዮጵያውያን፡ 17 ቻይናውያን፣ ከምኡ'ውን ጣልያናውያን፡ ፈረንሳውያን ኣሜሪካውያንን ብዙሓት ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ምንባሮም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
  • ፕሮቶኮል' ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሻሃድ ዓብዲሸኩር፡ ኣበቲ ሓደጋ ከም ዝሞቱ፡ ዳልሳን ዝበሃል ናይ ሶማልያ ሬድዮ ጸብጺቡ።
  • ቻይና ብቦይንግ 737 'Max 8' ዝግበሩ በረራታት ኣጊዳ
  • 188 ተጓዓዝቲ ዝፀዓነት ነፋሪት ኣብ ባሕሪ ተሓምሺሻ
  • ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ እቲ ባርዕ ሓያል ብምንባሩ፡ ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ፡ እቲ ሓዊ ነዲዱ ምስተወደአ ናብቲ ቦታ ከም ዝበፅሑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
  • እዛ '737 Max-8' ዝተባህለት ነፋሪት፡ ኣብ 2016 ናብ ዕዳጋ ዝወዓለት ሓዳሽ ስርሓት ቦይንግ እያ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ፡ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ'ዩ ኣብ ኣገልግሎት ኣውዒሉዋ።
  • ኣብራሪ ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት፡ ኢትዮጵያዊ-ኬንያዊ፡ ያሬድ ሙሉጌታ ንኣስታት 8,000 ሰዓታት ዝበረረ ምኩር መራሕ ነፋሪት ምንባሩ ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ሓቢሩ።
  • እቲ መራሕ ነፋሪት፡ ጸገም ከምዝጋጠሞን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ከምዝደለየን ንተቖጻጸርቲ ሓቢሩ ምንባሩን፡ ንክምለስ'ውን ተፈቒድሉ ከምዝነበረን ይግለጽ።
  • ዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፡ ናብቲ ሓደጋ ዘጓነፈሉ ቦታ ከይዱ ድሕሪ ምዕዛብ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንስድራ ግዳያትን ኣድላይ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ብምሕባር፡ ንኹሎም ፈተውትን መቕርብን እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ልባዊ ሓዘን ገሊጹ። ፈጣሪ ከጸናንዖም ከኣ ተመንዩ።
  • ኣይተ ተወልደ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ከምዘለወኦ ሓቢሩ።
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ወልደማርያም ብዛዕባ እቲ ሓደጋ መግለፂ ክህብ ከሎ
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ እውን፡ ናብቲ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ብምብጻሕ፡ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ክጻረን ንስድራ መወትቲ ' ኩሉ ዝግባእ' ክግበረሎምን መምርሒ ሂቡ።
  • ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ሓዘኖም ገሊፆም።
  • ሚኒስተር ዜና ሃገረ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል እውን፡ በቲ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንስድራ ቤት ግዳያትን፡ ኣብ ብትዊተር ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።
  • ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳይ ኢማንዌል ማክሮን በቲ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ሃገሩ "ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኬንያን ኢትዮጵያን ኣላ" ኢሉ።
  • ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ብወገኑ፤ ንቤተሰብ ግዳያት ናይ 'ጽንዓት ይሃብኩም' መልእኽቲ ኣሕሊፉ'ሎ።
  • ሃገራት ጋና፣ ዚምባብወ፣ ሶማሊያ፣ እንግሊዝን ኣሜሪካን እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፈን።
  • መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምስ በዓል መዚ ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ በዓል መዚ ትራንስፖርት ብምዃን፡ መንቀሊ ናይቲ ሓደጋ ዝምርምር ኮሚቴ ኣጣይሹ።
  • ምኽንያት እቲ ሓደጋ ዛጊት'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዜ፡ ኣብ ቦይንግ 737 'Max 8' ዘጋጠመ ካልኣይ ሓደጋ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ቦይንግ ሕቶ ፈጢሩ ኣሎ።
  • ኩባንያ ቦይንግ፡ በቲ ሓደጋ "መሪር ሓዘን" ከም ዝተሰምዖን፡ ነቲ ምርመራ ዘካይድ ጉጅለ፡ ቴክኒካዊ ሓገዝ ዘበርክት ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሰድድ ኣፍሊጡ።
  • መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ዋላ'ኳ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ዛጊት እንተዘይፈለጦ ንዝያዳ ውሕስነት 'ቦይንግ 737 Max-8' ንዝዓይነተን ነፈርቱ ንከይጥቀም ወሲኑ'ሎ።
  • ቻይና'ውን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት፡ መገዲታት ኣየር ሃገራ ብ(ቦይንግ 737 'Max 8') ንዘካይድኦ በረራ ኣደስኪላቶ ኣላ።
Image copyright Getty Images
  • ክልተ ነፈርቲ ቦይንግ 737 'Max 8' ዝውንን መገዲ ኣየር ከይማን እውን በተን ነፈርቲ ክህቦ ንዝጸንሐ ኣገልግሎት ኣቋሪጹዎ ኣሎ።
  • ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ በቲ ትማል ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ምኽንት ብምግባር፡ ሎሚ ሰኑይ 2 መጋቢት (11 መጋቢት) መዓልቲ ሓዘን ኮይና ክትውዕል ወሲኑ።
  • ፖሮቶኮል ቀዳማይ ሚንስትር ሶማሊያ ዝኾነ ሻሃድ ኣብዲሻኩር፡ በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ይርከቦም
  • ኣባል ባይቶ ስሎቫኪያ፡ ኣንቶን ሄርንኮ ኣብ ፌስቡኩ ከም ዘስፈሮ፡ በዓልቲ ገዝኡን ክልተ ደቁን በቲ ሓደጋ ህይወቶም ሓሊፉ።
  • ኣብ ኬንያ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ሓለዋ ከባቢ ንምስታፍ ይጓዓዙ ዝነበሩ 19 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ካብቶም ዝሞቱ'ዮም።
  • ኣብ ችምፒዮንስ ሊግ ካፍ ንግጥም ኢስማይሊን ቲፒ ማዜምቤን ብዋና ዳኛነት ክምርሕ ትፅቢት ዝተገበረሉ ሙኩር ዳኛ ሑሴን ስዋሌህ ካብቶም ዝሞቱ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ'ሎ።

ተወሳኺ ዛንታ