ኣስመራ 'ንእሽተይ ሮማ' ከም ቀደማ'ዶ ኣላ?

ካቴድራል 21 ሓምለ 2018 Image copyright Getty Images

ካብ 1890 ክሳብ 1935 ኣብ ዘሎ ግዜ ምሉእ ናይ ከተማ ቅርጺ ሒዛ ከም እትሃንጸት ዝንገረላ ኣስመራ፡ ብቅዲ ህንጻታታን፡ ጽሬታን ብብዙሓት በጻሕቲ 'ንእሽቶ ሮማ' እናተባህለት ትድነቕ ነይራ።

ይኹን እምበር ሕጂ ይትረፍ ብሮማ ክትምሰል ድሕሪኣ ዝስርዓ ምስ ዝነበራ ከተማታት ኣፍሪቃ እውን ክትወዳደር ኣይትኽእልን እያ።

ኣስመራ፡ ገዛ ግሮቶም፡ ገዛ ሽለለ፡ ገዛ ሰረንስርን ገዛ ኣስመዐን ብዝብሃላ ኣርባዕተ ዓድታት ኣብ 12 ክፍለ ዘመን ከም ዝተመሰረተት እዩ ዝንገር።

ኣንስቲ እተን ዓድታት ኣብ መንጎ እተን ዓድታት ንዝነበረ ዘይምቅዳው፡ ብብልሓት ፈቲሐን ነተን ዓድታት ስለዘስመረአን እየን ኣስመራ ተባሂላ ዝብል ታሪኽ ኣሎ። እቲ ግዜ ከኣ ከም ምፍላም እዛ ዘመናዊት ኣስመራ ይውሰድ።

ጣልያን ኣብ 1889 ንከበሳታት ኤርትራ ተቖጻጺሩ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተወ ክሳብ 1935 ኣብ ዝነበረ ግዜ ነታ ከተማ ክሃንጻ ጀሚሩ። ንሓንቲ ከተማ፡ ምልእቲ ከተማ ዘብላ ትሐተ ቅርጺ ከኣ ሰሪሑላ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብቅርጺ ነፋሪት ዝተሰርሐ ህንጻ ፋያታሌሮ

"ሴኮንዶ ሮማ"

ዘበናዊ ኣብያተ ሲነማ፡ ዝተፈላለየ ፋብሪካታት፡ መዘናግዒ ማእከላት ብዝተፈላለየ ጥበብ ዝወቀቡ ህንጻታት፡ ትሕተ ምድራዊ ስርዓተ ጽሬት፡ ምቹእ መንገዲ ኣጋር ዘለዎ ጎደናታት ሰሪሑላ። ዋላ'ኳ ንእሽቶ ትኹን፡ ምጭውትን ኩሉ መሳለጥያታት ስለዝነበራን ከኣ ሰባት "ሴኮንዶ ሮማ" ኢሎም ይጽውዑዋ ነይሮም።

ሎሚ ግን ኣይከምቀደምን፤ መግዛእታዊ ምሕደራ ሰጊራ ብደቃ ኣብ እትመሓደረሉ እዋንን ዘበንን እቲ ዝነበራ መልክዕን ጽባቐን ክትዕቅብ ኣይከኣለትን።

"ሴኮንዶ ሮማ ዝበሃል ዘረባ ቀደም እዩ ነይሩ። . . . " ኢሉ ዘረብኡ ዝጀመረ ተቐማጢ ዓዲሰግዶ መንእሰይ ሙሉጌታ፡ ኣብዚ እዋን ብዙሕ ጎደናታታ ኣስመራ ተባሕጓጉ መጻወቲ ገበጣ መሲሉ ምህላዉ ይገልጽ።

"ጽርግያታት ኣስመራ ሓሓሊፉ ይጽገን እዩ። ግን ካብ ታህዋኽ ድዩ፡ ወይስ ካብ ዘይተገዳስነት ዓመት ከይገበረ ናብ ዝነበሮ እዩ ዝምለስ" ይውስኽ ሙሉጌታ።

"ንኣብነት ኣብ ቪላጆ፡ ኣብ ኣንጎሎ ስነ ኪነት ኣስመራ ናብ ባር ቱርኮ ትወስድ ኩርናዕ፡ ክንደይ ግዜ ተጸጊና ናብ ዝነበረቶ ከኣ ተመሊሳ" ብምባል ከም ኣብነት የቕርብ።

ኣብ ኣስመራ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣቶ ኣስመላሽ እውን" መንገዲ ጎዳይፍ ነቲ ጽርግያ ርኢኻ ኣስመራ ምዃኑ ኢኻ ትጠራጠር: ፈቐድኡ ተፋሓሒሩ ንስንኩላንን ንሽማግላትን ከገልግል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ'ዩ በጺሑ ዘሎ" ይብሉ።

ብፍላይ ናብ ቀንዲ ጎደና ዝወስዱ መገብቲ ጽርግያታት ኣቃልቦ ስኢኖም ከም ዘለዉ ክኣ መንእሰይ ሙሌጌታን ኣቶ ኣስመላሸን ይገልጹ።

ኣቦይ ኣስመላሽ ንኣሰመራ ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝ፡ እዋን ፈደሬሽን፡ ዘበነ ሃይለስላሰ፡ ኣብ መግዛእቲ ደርጊ፡ ኣብ ድሮ ናጽነት ከምኡ እውን ሕጂ ብዝተፈላለየ ጦብላሕታ እዮም ይዝክሩዋ።

ጎደናታት ኣስመራ፡ ሰብ ካብ ድቃሱ ከይተበራበረ ብቦጣት ክሕጸብ ዘርከብሉ ብዙሓት እዮም።

ሕጂ ግን ኣይኮነን'ዶ ንመሕጸቢ ጎደና ዝኸውን፡ ዝሰተ ማይ እውን ዝሽገር ከባቢታት ኣሎ ይብሉ ኣቦይ ኣስመላሽ ትማልን ሎምን ብምውድዳር።

ኢጣልያውያን ንኣስመራ ናይ ከተማ ቅርጺ ከትሕዝዋ እንከለዉ፡ ውሑስ ጽሬት መታን ክህልዋ ብምልኡ ረሳሕ ፈሳሲታት፡ ብትሕተ ባይታኣዊ መትረብ ናብ ማይ በላ ዝብሃል ሩባ ከም ዝሕወስ ብምግባሮም ንኣስመራ ፍልዩነት ካብ ዝፈጠረላ ነገራት ሓደ እዩ።

ኣቦይ ኣስመላሽ፡ "ንከተማታት ጎረባብትና ንካርቱም፡ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ብዙሓት ከተማታት ኢትዮጵያን ይፈልጠን'የ፡ ኣብ ጽሬት መጺእካ ግን ምስ ኣስመራ ኣይወዳደራን እየን" ይብሉ።

እቲ ቐደም "ኣብ ኣስመራ ዝሃረመ ማይ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣይትርእዮን ኢኻ። ካብ ገዛ ምስ ወጻእካ ወሓዚ ኣይትርኢ ዑቋር ማይ ኣይጸንሓካ፡ ኩሉ ዝፍፍ ኢሉ ናብ ማይ ባላ እዩ ዝሕወስ ነይሩ፡ እንተሎሚ ግን ዘረባ የብሉን" ይብሉ ነቲ ኣብ ጎደና ኣፍዓበት ማእከል ሹቕ፡ ማይ ኣባሻዉልን ዕዳጋ ሓሙስን ዝፍጠር ቀደም ዘይነበረ ውሕጅ ብምዝካር።

Image copyright ሓዳስ ኤርትራ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጎዶና ኣፍዓበት ዝካየድ ዘሎ ምትዕርራይ ጽርግያን ምቅያር መስመር ረሳሕ ማይን

ብ3 መጋቢት 2019 ዝተሓትመት፡ ቁጽሪ 158 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ዝጀመረ ምስራሕ ምትካእ መስመራት ረሳሕ ፈሳስን ምልባጥ ጽርግያታትን ብኩባንያ ኣስቤኮ ይካየድ ከም ዘሎ ኣስፊራ ነይራ።

እቲ ዝግበር ዘሎ ጽገናታት ካብ ከባቢ ገዛ ከኒሻ ተበጊሱ ብሹቅን ማይ ኣባሻውልን ኣቢሉ ክሳብ ፋብሪካ ሰባርጉማ ዝዝርጋሕ እዩ፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ምትካእ ቱቦታት ረሳሕ ማይ፡ ነቲ ጎዶና ብቅጥራን ናይ ምልባጥ መስርሕ'ውን ይካየድ ከም ዘሎ እታ ጋዜጣ ጠቒሳ ኣላ።

እዚ መስመር እዚ እተን ካብ ቢሻ ናብ ባጽዕ ዝንቀሳቀሳ ዓበይቲ መካይን መዓልታዊ ዝመላለሳሉ ስለዝኾነ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ባር ትብለጽን ከባቢ ዩኒቨርሳል ሆቴልን እቲ ጽርግያ ተሃስዩ ምንባሩ ነበርቲ እታ ከተማ ዝዛረብሉ እዩ።

እቲ ቦታ ክጽገን ዝረኣየ መንእሰይ ሙሉጌታ፡ "ክሳብ ሕጂ'ውን ዶንግየሞ" ይብል፤ ሕጂ እውን እንተኾነ ምጽጋኑ ከም ዘሐጎሶ ብምግላጽ።

ይቕጽል ሙሉጌታ "ካብ ገዛ ከንሻ፡ ማይ ኣባሻውል፡ ዕዳጋ ሓሙስ ኣኽርያን ሓዝሓዝን ዝሃረመ ማይ፡ ኣብቲ ከባቢ ስለ ዝእከብ ኣብ ግዜ ክራማት ክትሰግሮ ዝክኣል ኣይነበረን" ይብል።

ኣቦይ ኣስመላሽ እውን ሓሓሊፉ ጽገናታት ይካየድ ምንባሩን "ግን ትንክፍ ትንክፍ ኣቢሎም ግዲ ዝገድፉዎ ኮይኖም" ቀልጢፉ ናብ ዝነበሮ ከም ዝምለስ ሓቢሮም።

ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ዘሎ ዕርቀ ሰላም፡ ንኤርትራ ኣብ ቱሪዚማዊ እቶት ከርብሓ ከም ዝኽእል'ዮም ሓሳቦም ዝህቡ።

"በጻሒኸ እንታይ ክብለና ኢሎም'ዮም መስለኒ፡ ሕጂ ሕጂስ በዚ ሹቕ [ጎዶና ኣፍዓበት] ክጸጋግኑ ጅሚሮም ኣለዉ" ዝበሉ ኣቦይ ኣስመላሽ፡ ጎኒ ጎኒ እዚ፡ ካልእ ቆላሕታ ዘድልዮም ቦታታት ከም ዘለዉ'ውን ይሕብሩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጎዶና ናቅፍ እትርከብ ፋርማሲ ሴንትራል

ኣብ 'ካምቦ ቦሎ' ተወሊዱ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ኣስመራ ዝተምሃረ ኢትዮጵያዊ መድሃኔ ገብረህይወት፡ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ድሕሪ ምጅማሩ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም እዘን ክልተ ሃገራት፡ ነታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ኣስመራ ድሕሪ 18 ዓመታት ሓመዳ ክረግጽ በቂዑ።

"ኣዚኻ ኢኻ ትሓዝን፡ ኣስመራ ኣብ ዝነበረቶ ዘይኮነት ደው ኢላ፡ ናብ ድሕሪት'ያ ተመሊሳ" ድሕሪ ምባል፡ ህንጻታት ኣስመራ እርጋን ከም ዝሓለፎም ብኣስተንትኖ ይዛረብ።

ብምስዓብ "ኣስመራ ካብ ኣፍሪቃ እታ ዝበለጸት ከተማ እናተብሃለት'ዩ ዝዝረብ፡ ሓቂ'ውን እዩ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ነቲ ጽሬታ ገዲፍካ ነቲ ናይ ቀደም ህንጻታታን እውን ክትዕቅቦ ኣይከኣለትን" ይብል።

እዛ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ ኣስታት 2325 ሜትሮ ብራኸ እትርከብ ምጭውቲ ከተማ ኣብ 2017 ብእትውንኖም ህንጻታት ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ምእታዋ ዝዝከር እዩ።

እዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ከኣ ኣብ ዕቤትን ምዕባለን እታ ከተማን ህዝባን እወታዊ ተራ ክህልዎ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ፡ ይብሉ ፈተውቲ ሰናያን ምዕባለኣን ደቃ።