ዘይነዲን ዚዳን ንካልኣይ ግዚኡ ኣሰልጣኒ ሪያል ማድሪድ ኮይኑ

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዚዳን ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ'ዩ ናብታ ክለብ ከም ኣሰልጣኒ ዝምለስ ዘሎ

እቲ ፍሉጥ ተጻዋታይ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ ዝነበረን፡ ድሒሩ ድማ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ካብ መዝነቱ ዝወረደን ዘይነዲን ዚዳን ሎሚ ሰኑይ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኮይኑ ተቖጺሩ።

እቲ ስጉምቲ፡ ሰብመዚ እታ ክለብ ንትሕቲ ሓሙሸዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣሰልጣኒኣ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ሳንቲያጎ ሶላሪ ድሕሪ ምስንባቶም ዝተወስደ'ዩ።

"ናብ ገዛይ ምምላሰይ ደስ ይብለኒ" ክብል ዳግማይ ኣሰልጣኒ ናይታ ንዓመታት ዝተጻወተላ ክለብ ኮይኑ ምምዛዙ ከም ዘሐጎሶ ዚዳን ተዛሪቡ።

እቲ ወዲ 46 ዓመት ፈረንሳዊ ዘይነዲን ዚዳን፡ እታ ክለብ ሪያል ማድሪድ ንሳልሳይ ግዚኣ ኣከታቲላ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ክትዕወት ድሕሪ ምግባሩ'ዩ ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት ብወለንትኡ ተሰናቢቱ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት እዚ ሕጂ ዝተባረረ ኣሰልጣኒ ሳንቲያጎ ሶላሪ፡ ሪያል ማድሪድ እናተዳኸመት ክትከይድ'ያ ጸኒሓ። ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብሆላንዳዊት ጋንታ ኣያክስ ብኸቢድ ተሳዒራ ምውጽኣ'ውን ንኩነታታን ኩነታት ኣሰልጣኒኣን ኣጋዲድዎ'ዩ።

መቀናቕንታ ዝኾነት ባርሰሎና ብ12 ትምመርሓ ምህላዋ'ውን ኣብ ላ ሊጋ ዘለዋ ደረጃ'ውን ኣተሓሳሳቢ ጌርዎ ይርከብ።

"ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ኣሰልጣኒ፡ ዳግም ናብዛ ክለብ መጺኡ'ሎ" ክብል ፕረዚደንት ሪያል ማድሪድ ፍሎረንቲኖ ፐረዝ ንደገፍታ ኣበሲሩ።

"ሪያል ማድሪ ንሶላሪ ንስለዝገበሮ ስራሕን፡ ዘለዎ ተኣማንነትን ነመስግኖ" ብምባል ዚዳን ሓድሽ ኣሰልጣኒ ከም ዝኾኑ ገሊጹ።

እቲ ኣልጀርያዊ መበቆል ዘለዎ ፈረንሳዊ ዘይነዲን ዚዳን ብወገኑ"ነዛ ክለብ እዚኣ ናብቲ ዝግባኣ ናይ ክብሪ ቦታ ክመልሳ'የ ዝደሊ" ኢሉ።

ይኹን'ምበር ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላዉ ኣውጺኡ ናብ ናይ ቀደም ዝናኣ ንምምላስ ቀሊል ስራሕ ከም ዘይከውን ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ይዛረቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት