ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ግጭት ዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ምንታይ ይርከቡ?

ወይዘሮ መሰረት ወልደየሱስ
ናይ ምስሊ መግለጺ ወይዘሮ መሰረት ወልደየሱስ

ወይዘሮ መሰረት፡ ምስ ሸሞንተ ደቀን ኣብ ዝነብራላ ግዚያዊት መጽለሊት፡ ሰለስተ መራሕቲ ስድራ ተደሪቦም ይነብሩላ።

ኣብዛ መዓልቲ'ውን እተን ኣደ፡ ደረቕ፣ ረቂቕ ቅጫ ብቡን ኣጥዒመን ኣፈን እናተርከሳ፣ ካብ ሻሸመኔ፣ መተማን ካልእ ከባቢታትን ምስ ዝመጽኡ መኻፍልተን እናውግዓ ኢና ረኺብናየን።

ዛንታ ጓል 47 ዓመት ወይዘሮ መሰረት ወልደየሱስ፡ መርኣያ ዘሰንብድ ታሪኽ ኣሽሓት ተመዛበልቲ ኢትዮጵያ እዩ።

ብኣርባዕቲኡ ኩርናዕ እታ ሃገር ዝተፈጠረ ጸገም ርግኣትን ጸጥታን፡ ልዑል ቁጽሪ ተመዛበልቲ ኣስዒቡ እዩ።

ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ግዳያት ብሄር ተኮር ጥቕዓት ኮይኖም ናብ ትግራይ ዝተመዛበሉ፡ ህጹጽ ሓገዝ መግብን መጽለልን ዘድልዮም 84 ሽሕ ተመዛበልቲ ኣለው።

እዞም ተመዛበልቲ፡ ውጻእ መዓት ግጭት፣ ሞትን ምምዝባልን፣ ዕንወትን ብሄር ተኮር ጥቕዓትን'ዮም።

ገለ ካብዞም ተመዛበልቲ፡ ኣብ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ሕርሻ፣ ሆቴል፣ ንግድን ካልእን ተወፊሮም ዝነበሩ እዮም፤ ናይ ጉልበት ስራሕ ሰሪሖም ዝናበሩ፡ ቖልዓን ሰበይትን ዝሓዙ መራሕቲ ስድራ'ውን ኣለውዎም።

መናእሰይ፣ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ቁጽሮም ዝነዓቕ ኣይኮነን። ወይዘሮ መሰረት ወልደእየሱስ፡ ንዝሓለፉ 27 ዓመት ብሕርሻ ኢንቨስትመንት ዝመሓደራሉ ካብ ዝነበራን፡ 8ተ ቖልዑ ወሊደን ካብ ዘባጽሓሉን ወረዳ መተማ ጥሪተን ተዘሚተን ከም ዝወጽኣ ይዛረባ።

"በዓል ቤተይ ሓኪምን ነጋዳይን'ዩ ነይሩ። ኣብ 1980 ካብ ሱዳን ናብ መተማ ምስ ከድና ንፈለማ እዋን ሕርሻ ዝጀመረ ንሱ ነይሩ" ዝብላ ወይዘሮ መሰረት፡ 355 ሄክታር ተሓራሳይ መሬት ይውንና ምንባረን ኣጻዊተናና።

ኣብ 2015 ፖለቲካ ኢትዮጵያ መልክዑ እናቐየረ ምስ መጽአ ግን፡ ግዳይ ዝገብሮም ሰባት፣ ትካላትን ናውትን'ውን እናፈለየ'ዩ መጺኡ። ተሓራሳይ መሬት እዘን ወይዘሮ ድማ ቀዲሙ ናብ ዓይኒ ኣተወ።

"ናይ ብሄር ኣፈላላይ ዝበሃል ስለ ዘይነበረ፡ ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኮይንና ደቅና ብጽቡቕ ኢና ነዕቢ ነይርና። 2008 [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ግን፡ ካልእ ኮይና መጺኣትና። 'ተጋሩ' እንትብሃል ከሎ፡ ናብዚ'ዶ ንግመት ኢና? ኢልካ ትሓስብ፤ ኣብ ሓደ ዓዲ ኣፈላላይ እንትመጽእ፡ ስነ ልቦናኻ ይስምዓካ" ይብላ ንድሕሪት ተመሊሰን።

"ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክነብር'የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን"

ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2018 ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ጥራይ፡ ኢትዮጵያ 1.4 ሚሊዮን ዝጽግዑ ዜጋታታ ኣመዛቢላ'ያ።

መንግስቲ ኣብዝሓ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ቤት ንብረቶም ተመሊሶም'ዮም እኳ እንተበለ፡ ሕጂ'ውን ግን ሓደሽቲ ክስተታት ግጭት እናተፈጥሩ ውሽጣዊ ምምዝባል ይቕጽል'ዩ ዘሎ።

'ከም ምሕላፉ ኢና ንሓልፎ ዘለና' ዝብላ ወይዘሮ መሰረት፡ እቲ ዘሕለፍኩዎ ዕድመን ዘፍሰስኩዎ ሃብትን እንተሓስብ፡ ኣእምሮይ ይጉዳእ'ዩ ይብላ።

"ኩሉ ገዲፍና ኢና ወጺእና፤ እቲ ዘለናዮ ድማ ኣይኮነን እንዶ ዓቕሚ ንዘይብሉ ንመንእሰይ'ውን ከቢድ'ዩ። መግለጺ ኣይብሉን። ንብረትና ንብረት ኣብ መሬት ተዘሪኡ እዩ ተሪፉ"

"ድሕሪ እዚ ኹሉ ብዛዕባ ውሉደይ'የ ዝጭነቕ። ስራሕን ምስሰኣኑስ ክሽፍቱ'ዶ ይኾኑ? ትምህርቶም ወዲኦም፤ ግንከ እንታይ ይኹኑ? ስምዒቶም ይጉዳእ'ዶ ይኸውን? ከመይ'የ ዝኾኖ? እናበልኩ'የ ዝጭነቕ" ብምባል ዛንትአን ይቕጽላ።

"ከመይ ውዒልኩም ዝብለና የለን"

ኣብዝን ኣብትን ብዝተወልዑ ግጭታትን ጥቕዓታትን፡ ናይ ብዙሓት ተስፋ ሎምን ጽባሕን፡ ኣብ መገዲ ተኾሊፉ፤ ማሕበራዊ ህይወት ግዳያት ስድራታት ድማ ተዘሪጉ።

ኣቶ መስዑድ መሓመድ፡ ዛንትኦም እንትነግሩና፡ ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር ነታጒ ዝጠፍአት ሓንቲ ዓይኖም እንከይተረፈ ንብዓት ቋጺራ፣ ጉድኣት ዝበጽሓ የማነይቲ ኢዶም'ውን ክትንቅጥቀጥ፡ ኣፎም ምዝራብ እንትኣብዮ ተዓዚብና።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቶ መስዑድ መሓመድ

ቅድሚ 19 ዓመት ዝመስረቱዎ ሓዳር ብምኽንያት እቲ ግጭት ተበቲኑ'ዩ፤ ትግራዋይ ስለ ዝኾኑ፡ ኣምሓረይቲ ሰበይቶም ኣብ መረበታ ምስ ቆልዑ ራሕሪሖም ክመዛበሉ ተገዲዶም።

ናይ ሕርሻ መሬት ኢንቨስትመንት ሒዞም ይነበሩ ዝነበሩ፡ ነዊሕ ዕድሚኦም ኣብ ንግዲ ከም ዘሕለፉዎ ዝዛረቡ ወዲ 61 ዓመት ኣቶ መስዑድ፡ ሕጂ ግና ገለ እዋናት መዓልተን ኣሕሊፈን፡ ገለ እዋን ድማ ኣብ ሰዓቱ ብዝመጽኣ ናይ ረድኤት ስርናይ፡ መዓልታት ይደፍኡ ኣለው።

ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት እንትርፎ ብስልኪ ደቆምን በዓልቲ ቤቶምን ብዓይኖም ክርእዩ ከም ዘይከኣሉ ይዛረቡ። ንምግላጹ ብዘጸግሞም ጸለመን ጥቕዓትን፡ ህይወቶም ከም ዝተዘርገ የዘንትዉ።

"መጀመርታ ተኣሲረ'የ፤ ደሓር ግን ትራክተረይ ምስ ሕርሽኣ፣ ጠለ በጊዐይ ጠንጢነ ኩሉ ገዲፈ ናብዚ መጺአ። ሕዚ ሕዚ ንረጋጋእ ኣለና እምበር፡ ኣብቲ መጀመርታስ ርእስና ተበላሽዩ'ዩ ነይሩ"።

"ኩሉ ይልመድ'ዩ፤ ብዙሕ ነይሩካ ጥራሕኻ ምትራፍ ግን መሪር'ዩ" እትብል ዘረባ፡ ካብ ኣፍ ኩሎም ተመዛበልቲ ኣይትጠፍእን።

ኣቶ መስዑድ መሓመድ'ውን፡ "መቸም ብህይወት እንድሕር ሃሊኻ፡ ክሓልፍ እዩ ኢኻ ትብል። ረኺብካ ደጊምካ ምስኣን ኣዝዩ ከቢድኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ናብኡ ክኸይድ ከለኹ ምንም ኣይነበረንን። ሕጂ'ውን ምንም ኣይብለይን። ዕድመ እንተሂቡኒ ግን ክረኽቦ እየ"

ናይ ምስሊ መግለጺ ግዚያዊ መጽለሊ ተመዛበልቲ ኣብ መቐለ

"ግን ካብቲ ተወሃሂድካ እትነብረሉ ዝነበርካ ሕብረተሰብ ወጺእኻ፡ ናብዚ ምምጻእ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። 'እገለ' ኢልና ሽሙ እንጽውዖ፣ ከመይ ውዒልኻ እንብሎ እንፈልጦ ሰብ'ውን ኣይብልናን፤ ብኹሉ ነገር ናብ ባዶ ወሪደ'የ፡ እዚ ይስመዐካ'ዩ" ኢሎም።

እዞም ወለዲ ተስፍኦም ድኣ ኣበይ'ዩ?

ኣቶ መስዑድ መሓመድ፡ "ሐዚ ተስፋይ ኣብ ደቀይ'ዩ" እንትብሉ፡ ወይዘሮ መሰረት ድማ፡ "ሕጂ ህልውና ደቀይ'ዩ ዘሕስበኒ። ስነ ኣእምሮኻ እንተድኣተበላሽዩ ናብ ዕብዳን'ውን ከቃልዐካ ይኽእል'ዩ። ካብ ምስኣን ዝብገስ ድማ ናብ ስደት ክንኸይድ ኢና ከይብሉኒ እናበልኩ ነብሰይ ወዲአ። ዓዲ ሰብ ክንኸይድ ኢና እንተይሎምኒ ገንዘበይ ስኢነስ ደቀይ ከይስእን፡ ህይወቶም ከይስእን እየ ዝሓስብ" ኢለን።

መንግስቲ እንታይ ይብል?

"ካብ 2008 ጀሚሩ ብዝበጽሕ ዝነበረ ዓሌት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ፍሉይ ሓገዝ ዝድለዩ 84 ሽሕ ተመዛበልቲ እንተሃለውና'ውን እቲ ቑጽሪ ይውስኽ እዩ ዘሎ" ዝብላ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ፡ ወይዘሮ ንግስቲ ወልደገብርኤል'የን።

ናይ ምስሊ መግለጺ ወይዘሮ ንግስቲ ወልደገብርኤል

ዝኾነ ዓይነት ዘይምርግጋእ እንትፍጠር ሰጊእኻ ናይ ምምጻእ ኩነታት ምህላው ዘልዓላ ወይዘሮ ንግስቲ፡ መንግስቲ ናይ ሓደጋ እዋን ሓገዛትን ናጻ ኣገልግሎት ሕክምናን የቕርብ ምህላው ይኣምና።

እቲ ዝወሃብ ወርሓዊ ሓገዝ መዐንገሊ ህይወት ተመዛበልቲ፡ ዓለማዊ ሓገዝ ክሓልፎ ዝግባእ ከይዲ ወዲኡ ክሳብ ዝመጽእ ከም ዝዝንግዕን ናይ መጽለሊ ዓብዪ ጸገም ምህላውን'ውን ይጠቕሳ።

"ን 4ሽሕ መራሕቲ ስድራ ግዚያዊ መጽለሊ ንምስራሕ 6 ሚሊዮን እዩ ተሓቲቱ፤ እቲ ክልል ግን ዓቕሚ የብሉን። ተዓጽዮም ዝነበሩ ገዛውቲ ከፊትና ዘእተናዮም ብጣዕሚ ዝኸፍኦም ካብ 200 ዘይበልጹ ተመዛበልቲ ኣለው" ኢለን።

ጉዳይ ህጻናትን ኣደታትን ኣዝዩ መሰከፊ'ዩ። ኩነታት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝነበሩ ተመዛበልቲ'ውን ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ይግለጽ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ግዚያዊ መዕቆቢ ተመዛበልቲ

"ክሳብ 500 ዝኾኑ ኣብተን ዝነበራና ክፍቲ ቦታታት እናመደብና ናብ ስራሕ መንግስቲ ዘእተናዮም አላው። ካብዚ ንዓቐብ እትገብሮ ነገር ስለ ዘይህሉ ግን ስራሕ ኣልሹ ኢኻ ትብሎም" ዝብላ ወይዘሮ ንግስቲ፡ ልቓሕ ዝረኽብሉን ናብ ስራሕ ዝኣትውሉን ባይታ ንምፍጣር ክጸዓር'ዩ ይብላ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግን፡ ሃገራዊ ሰላምን ምርግጋእን እንትፍጠር ጥራሕ'ዩ እዚ ጸገም መሰረታዊ ፍታሕ ዝረክብ ኢለን።