ሸቕሊ ኣልቦነት መናእሰይ ትግራይ፡ እንታይ መዘዝ ከስዕብ ይኽእል?

ኣብ ከተማ መቐለ ምልክታ ስራሕ ዝርእዩ መናእሰይ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ መቐለ ምልክታ ስራሕ ዝርእዩ መናእሰይ

ካብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ናብ ትርከብን ንጡፍ ምንቅስቓስ ናብ ዝረኣየላን ከተማ መኾኒ ኣምሪሕና።

ኣብታ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ካብን ናብን መጓዓዝያ ዝጥቀመለን 'ባጃጃት' ብብዝሒ ይረኣያ።

ኩነታት እታ ከተማ ንምዕዛብ ኣብ ዝተንቀሳቐስነናሉ እዋን፡ ምስ ሓደ ሽሙ ክግለፅ ዘይደለየ መንእሰይ ተላሊና። ኣብዚ ዛንታ 'ሳምሶን' እናበልና ክንጠቕሶ ኢና።

ሳምሶን፡ ብጠላዕ ፀሓይ ኣብ ባጃጅ ኮፍ ኢሉ ጫት 'እናቐሓመ' ረኺብናዮ።

መንእሰይ እዩ፤ ብኸመይ ናብዚ ወልፊ ኣቲኻ? ዝብል ሕቶ ወስ ምስኣበልናሉ፡ ስእነት ስራሕ ናብ ወልፊ ከምዝመርሖ እናሓዘነ ኣዘንትዩልና።

ሸቕሊ ኣልቦነትን ወልፍን ኣብ በይኑ ከመዘይኮነ ክንዕዘብ ግዜ ኣይወሰደልናን።

ሸቕሊ ኣልቦነት ምኽንያት ወልፊ መናእሰይ?

"እዚ ከባቢ ብብዝሒ ጫት ድፈርየሉ ቦታ ስለድኾነ፡ ከም መዝናነይ ኢለ ጫት ምቕሓም ጀምረ" ይብል ሳምሶን።

ሳምሶም ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ብሓገዝ ስድርኡ ባጃጅ ገዚኡ ዋላ እኳ ስራሕ እንተጀመረ፡ ስራሕ ስኢኑ ዝጀመሮ ወልፊ ጫት ግና ሕዚ እውን ክገድፎ ኣይከኣለን፤ እዚ ወልፊ ንምግዳፍ ግና ባህጉ ልዑል እዩ።

ኣብታ ከተማ ብዙሓት ስራሕ ዝሰኣኑ መናእሰይ ኣብ ወልፍን ዘይተደለየ ቦታን ከምዝውዕሉ ዝገልጽ ሳምሶን፡ መናእሰይ ተወዲቦም ክሰርሕሉ እንትደልዩ ዕድላት ልቓሕ ብስሉጥ ከምዘይረኽቡ ይገልፅ።

"ኣብ ሱስ ክውዕል ድደሊ መንእሰይ የለይ፡ ስራሕ ስለድሰኣነ እዩ ኣብ'ዳ ጫት ድውዕልሎ" ይብል ሳምሶን። መናእሰይ እንተድኣ ዕድል ልቓሕ ረኺቦም፡ ንርእሶም ክቕይሩ ከምዘይጽገሙ ይገልጽ።

ካብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፡ ኣብዚ ዓመት 10 ሽሕን 231 መናእሰይ እታ ወረዳ ስራሕ ኣልቦ እዮም።

"ኣውፈርቲ ጉልበትና ይምዝምዙ"

መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ካብ ዞባ ምዕራብ ቀፂሉ ንዞባ ደቡብ ትግራይ ከም 'ኮሪደር ልምዓት' ብምልላይ፡ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ንዋዮም ከውፍሩ ክሰርሕ ፀኒሑ'ዩ።

በዚ ድማ፡ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣብ መስኖን ምርባሕ እንስሳን ዝተዋፈሩ 83 ሰብ ሃፍቲ ኣለዉ፤ ካብዚኦም እቶም ዝተወሰኑ ናይ ወፃኢ ሰብ ሃፍቲ እዮም።

እዞም ትካላት፡ ኣብቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ እኳ እንተፈጠሩ፡ ገለ መናእሰይ እቲ ኸባቢ ግን ካብዚ 'ወፍሪ' ተረባሕቲ ከምዘይኮኑ ይገልጹ።

ሰራሕተኛታት ናይዞም ኣውፈርቲ ትካላት'ውን፤ ሃፍቲ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝኾነ መሬት እናፍረዩ፡ ምህርቲ ናብ ወጻኢ ሰደድ እናገበሩ ክንድ'ቲ ዘኻዕብትዎ ሃብቲ፡ ንሰራሕተኛታቶም እኹል መሃያ ኣይኸፍሉን ይብሉ።

ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ መንእሰይ፡ ልዕሊ ግቡእ ሰዓታት ከምዝሽቅሉን ግቡእ ክፍሊት ከምዘይረኽቡን ይዛረብ።

"ሓደ ሰብ ሸሞንተ ሰዓት እዩ ክሰርሕ ዝግበኦ፡ ንሕና ግን 12 ሰዓት ናይ ንጉሆ ጀሚርና ክሳብ ሰለስተ ሰዓት ናይ ለይቲ ኢና ንሰርሕ። ኣብ መዓልቲ 14 ሰዓት እናሰራሕና 'ኦቨርታይም' ዝበሃል ክፍሊት የለይ" ይብል።

ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ኣውፈርቲ ንሰራሕተኛታቶም ከምዝምዝምዙ ዝገልጽ እቲ መንእሰይ፡ ኣማራጺ ስለዘይብሎም ግን ኣብቶም ዝሰርሑሎም ትካላት ክጸንሑ ከምዝተገደዱ ይዛረብ።

ስደት ትሕቲ ዕድመ ናብ ሃገራት ዓረብ

ኣብ ከተማ መኾኒ ዘሎ ሸቕሊ ኣልቦነት ከምዘሎ ኾይኑ፡ ኣብ ገጠር ራያ ዓዘቦ እውን መናእሰይ ትምህርቶም ኣቋሪፆም፡ ናብ ሃገራት ዓረብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝስደዱ ነበርቲ ኣውጊዖምና።

ኣይተ በርሀ (ሽሙ ዝተቐየረ) ኣብ ከተማ መኾኒ ናይ ባዕሉ ስራሕ እናሰርሐ እዩ ስድርኡ ዘመሓድር። ካብ ዘመሓድሮም ስድራ ብተወሳኺ ካብ ገጠር ንዝመፅአት ሰበይቱ ሓፍቱ እውን ክሳብ 10 ክፍሊ ኣምሂሩን ከምውላዱ ሓብሒብዋን እዩ።

ናብ መሰናድኦ መእተዊ ነጥቢ ኣብ ዘይመፀላ ግዘ ግና፡ ከም ውሉድን ወላድን ዝፀንሐ ስድራዊ ፍቕሪ ኣይቀፀለን። ወለዲ እዛ ሰገን ካብ ገጠር መፂኦም፡ ናብ ዓዲ ዓረብ ክሰድዋ የሳልጡላ ከምዘለዉ ኣይተ በርሀ ይዛረብ።

"ውፅኢት 10 ክፍሊ ከይመፀላ ምስተረፈ፡ ሹቕ ክኸፍተላ እሞ፡ ኣብዚ ኣብ ዓዳ ክትሰርሕ እየ ዝደልይ ነይረ። ስደት ዝበሃል ነገር ኣብ ኣሕዋተይ ክበፅሕ ኣይደልን ነይረ" ይብል በቲ ኣጋጣሚ እናሓዘነ።

ወለዲ ኣብ ጎረባብቶም ብዝርእይዎ ለውጢ ተደፋፊኦም፡ ትሕቲ ዕድመ ደቆም ናብ ሃገራት ዓረብ ከምዝልእኹ ዝገለፀልና ኣይተ በርሀ፡ እቶም መናእሰይ'ውን ናብ ሃገራት ዓረብ ክኸዱ ድልየት ከምዘለዎም ይዛረብ።

"ንስኻ ዓዲዓረብ ከይድኻ ሰሪሕኻ ዘይትመፅእ፡ ካብ መን ትንእስ? ዝብል ናይ ወላዲ ድፍኢት ኣሎ" ይብል። እዚ ድማ፡ ውጽኢት ሸቕሊ ኣልቦነት ምዃኑ እዩ ዝኣምን ኣይተ በርሀ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣይተ ሞጎስ ልኡል ሰገድ፡ መንእሰይ ኣብ ወልፊ ምውዓሉን ስደት ምምራፁን፡ ሸቕሊ ኣልቦነት ከምዘሎ ዘመላኽት እኳ እንተኾነ፡ "እቲ መንእሰይ ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕ ስለዝሰኣነ ግን ኣይኮነን" በሃሊ እዮም።

"ስእነት ስራሕ ከምዘሎ ምንም ጥርጥር የብሉን። ግን ሙሉእ ብሙሉእ ኣይኮነን። ናይ ስራሕ ምምራፅ ስለዘሎ እዩ። ኣብዚ ከተማ ልዕሊ 89 ኢንቨስተር እናሃለወ፡ ስራሕ ዝእለሸሉ መንገዲ ጠፊኡ ኣይኮነን። ናይ ከባቢና መናእሰይ ካብኡ ንላዕሊ ስለዝፅበዩ ግን ካብ ካልእ ዓዲ መፅዩ እዩ ኣብዘን ትካላት ዝሰርሕ። ናትና መናእሰይ፡ ንወለዲ እንስሰኦም ክሸጡ እናገበሩ እዮም ናብ ስደት ዝኸዱ" ብምባል እቲ ፀገም ናይቲ መንእሰይ'ውን እዩ ይብሉ።

ነቶም ስራሕ ዝሰኣኑ መናእሰይ ወዲቦም ናብ ስራሕ ከየእትውዎም ድማ ፀገም ልቓሕ ካልእ ተወሳኺ ማሕለኻ ከምዝኾኖም ይዛረቡ ኣይተ ሞጎስ።

ኣውፈርቲ እኹል ክፍሊት ኣይኸፍሉን ዝብል ቅረታታት፡ ትኽክል ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ሞጎስ፤ ምስተን ኣውፈርቲ ትካላት ንምርድዳእ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

"ውሑድ ክፍሊት ይኽፈል ኣሎ ዝብል ትኽክል እዩ። እቶም ሰብ ሃፍቲ ግና እዚ እዩ ዓቕምና ካብዚ ንላዕሊ ክንኸይድ ኣይንኽእልን ዝብል ነገር ኣሎ። ንሕና እውን ተመጣጣኒ ክፍሊት ክህሉ ኣለዎ ብምባል ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንዘራረብ ኣለና ኢና" ኢሎም።

"መንእሰይ ትግራይ እምኒ ኣይድርብን"

ስእነት ስራሕ መናእሰይ ኣብ ከተማ መኾንን ከባቢኣን ጥራሕ ዝተደረተ ኣይኮነን። ኣብታ ክልል ኮነ ብደረጃ ሃገር፡ ሕማም ርእሲ ካብ ዝኸውን ፀኒሑ እዩ። ኣብ ትግራይ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣስታት 295 ሽሕ ሸቕሊ ኣልቦ መናእሰይ ኣለዉ።

70 ሚእታዊት ስራሕ ኣልቦ መናእሰይ ኣብ ከባብታት ገጠር ዝርከቡ እንትኾኑ እቶም 30 ሚእታዊት ድማ ኣብ ከተማታት ይርከቡ።

ዞባ ማእኸል ትግራይ፡ ብዙሕ ሸቕሊ ኣልቦ መንእሰይ ብምሓዝ ኣብ ቅድሚት ትፅራሕ። እዚ፡ ካብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እዩ።

ኣብታ ክልል ይረኣይ ዘሎ ሸቕሊ ኣልቦነትን ስዒቦም ይፍጠሩ ዘለዉ ፀገማትን ንምፍታሕ፡ እቲ ቢሮ እንታይ የይሰርሕ ኣሎ ክንብል፡ ንምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ኪሮስ ንጉስ ሓቲትናየን።

ስእነት ስራሕ ንወልፍን ካልኦት ፀገማትን ከምዘቃልዕ ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ መንእሰይ ኩሉ ስራሕ ስለዝሰኣነ ኣይኮነን ኣብ ወልፊ ዝውዕል ዘሎ ዝብል እምነት ኣለወን።

ኣብታ ክልል ዝግበር ወፍሪ፡ ነቲ ሕብረተሰብን ተረባሒ ንምግባር እዩ ዝብላ ወይዘሮ ኪሮስ፡ መናእሰይ ዋላ እኳ ብዝኽፈሎም መሃያ ዕጉባት እንተዘይኮኑ፡ ገንዘብ ናይ ምዕቛር ልምዲ ክህልዎምን ምስ ቴክኖሎጂታት ክላለዩ ከምዝሕግዞምን እየን ዘረድኣ።

"ኢንቨስትመንት ንክልልና ከምዝጠቕማ ጥርጥር የብሉን። ሰብ ሃፍቲ ናብ ክልልና ክመጽኡ ከለው ከም ሓደ ረቛሒ ዝርእይዎ ግን ርካሽ ጉልበት ሰብ ኣሎ'ዶ ዝብል እዩ" ይብላ ወይዘሮ ኪሮስ።

ኣብታ ክልል ኣብ ዝስፋሕፍሑ 'ኢንቨስትመንታት' መናእሰይ ክቑጸር እንከለዉ "መሃያ ዓቑሩ ናብ ቀዋሚ ስራሕ ዝሰጋገረሉ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ቴክኖሎጂ ዝቐድሐሉ እዩ" ክኸውን ዝግባእ ኢለን።

ኣውፈርቲ ነቲ ዝተረከብዎ መሬት ብኣግባቡ ከየልምዕዎ ክተርፉ እንከለዉ ግና፡ መንእሰይ ተወዲቡ ክሰርሐሉ ከምዝግበር ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ናዕብታት፡ ካብ መንቀሊ ምኽንያታት ሓደ ሸቕሊ ኣልቦነት መናእሰይ ከምዝኾነ ይግለጽ እዩ።

"መንእሰይ አንተዘይተረቢሑ እምኒ ክድርብይ እዩ ይበሃል። ኣብ ትግራይ ዘሎ መንአሰይ ግን እምኒ ኣይድርብይን፤ እንተዘይደርብዩ እውን ግና ናይ ተረባሕነት መሰሉ ክሕለወሉ ይግባእ" ይብላ ወይዘሮ ኪሮስ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት