ፕረዚደንት ቺሰከዲ 700 ናይ ፓለቲካ እሱራት ብምሕረት ፈቲሑ

ፕረዚደንት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈሊክስ ቺሰከዲ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ጂሰከዲ፡ ኣብታ ሃገር ብሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን መንገዲ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ናይ መጀመርታ መራሒ'ታ ሃገር ምዃኑ ይንገረሉ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈሊክስ ቺሰከዲ ን700 ናይ ፓለቲካ እሱራት ብምሕረት ፈቲሑ።

እቲ ስጉምቲ፡ ኣብታ ንነዊሕ እዋን ብግጭት ክትሕመስ ዝጸንሐት ሃገር ሓዲሽ ናይ ዕርቂ መንፈስ ዘውርድ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

ፕረዚደንት ቺሰከዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ'ዩ ንፕረዚደንት ነበር ጆሰፍ ካቢላ ብምትካእ፡ ኣብ ስልጣን ደዪቡ።

እቶም 700 እሱራት፡ ኣብ ዘመነ ስልጣን እቲ ካብ 2001 ክሳብ ጥሪ 2019 ነታ ሃገር ዝመርሓ ፕረዚደንት ነበር ካቢላ ዝተኣስሩ እዮም።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝኾነ፡ ቪታል ካመርሀ'ዩ ነቲ ዜና ንህዝቢ ኣበሲሩ።

ጂሰከዲ፡ ኣብታ ሃገር ብሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን መንገዲ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ናይ መጀመርታ መራሒ'ታ ሃገር ምዃኑ ይንገረሉ።

ይኹን 'ምበር፡ እቲ ንሱ ዝተዓወተሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ብዙሕ ምስሕሓብ ዝነበሮን፡ ብኻልእ ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነ ማርቲን ፋዩሉ ተቓውሞ ዘጋጠሞን'ዩ ነይሩ።

እቲ ብጆሰፍ ካቢላ ዝምራሕ ሰልፊ ብወገኑ፡ ስዕረቱ ተኣሚኑ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ምቕባሉ፡ ብገለ ወገናት ምስቲ ስልጣን ዝጨበጠ ቺሰከዲ ዝመርሖ ስልፊ፡ ምስጢራዊ ስምምዕ ጌሮም ዝብል ምዕዝምዛም ኣኸቲሉ'ዩ።