35 ሚልዮን ዶላር ወፃኢ ዝተገበረሉ 10 ኪሎ ሜትሮ ሓፁር ዶብ ኬንያ ሕቶ ብልሽውና ኣልዒሉ

ሓፁር
ናይ ምስሊ መግለጺ 10 ኪሎ ሜትሮ ሓፁር ንምህናፅ፡ 3 ሚልዮን ዶላር ንሓደ ኪሎ ሜትሮ ወፃኢ ተገይሩ

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኬንያ፡ ንኬንያ ምስ ሶማልያ ዘዳብዋ 10 ኪሎ ሜትሮ ሓፁር ንምህናፅ ወፃኢ ዝተገበረ 35 ሚልዮን ዶላር ምርመራ ክግበሮ ሓቲቶም።

መንግስቲ እታ ሃገር ኣስታት 700 ኪሎ ሜትሮ ርሕቀት ዝሽፍን ሓፁር ዶብ ንምህናፅ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ይኹን ደኣ'ምበር እቲ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኬንያ ንኸይኣትዉ ክከላኸል ተሓሲቡ ዝተትሓዘ ትልሚ ምዝርጋሕ ሓፁር፡ ኣብ 10 ኪሎ ሜትሮ ጥራሕ 35 ሚልዮን ዶላር ወዲኡ'ሎ።

ህንፀት እቲ ሓፁር ክቋረፅ ዝኣዘዘ ባይቶ ኬንያ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ምርመራ ንኽካየድ'ውን ፀዊዑ።

እቲ ትልሚ እንታይ ነይሩ?

ኣብ 2014 ወግዓዊ ክግበር ከሎ፡ ካብ ፅኑዕ ስሚንቶ ብዝህነፁ ዓንድታት፣ መውረዲ ማይ መትረባት ዘለዎን ሕቡእ ካሜራታት ዝተገጠመሉን 708 ኪሎ ሜትሮ ሓፁር ከም ዝስራሕ መንግስቲ ኣፍሊጡ ነይሩ።

በቲ ትልሚ መሰረት፡ ካብ ህንዲ ውቅያኖስ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ኬንያ ምስ ሶማሊያን ኢትዮጵያን እትራኸበሉ ዶብ ማንዴራ ክዝርጋሕ እዩ ተሓሲቡ ዝነበረ።

ዘይሕጋዊ ዝውውርን ስደትን ንምቁፅፃር፡ ልዕሊኡ ከኣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ናብ ኬንያ ከይኣትዉ ንምክልኻል ዓሊሙ ከም ዝህነፅ'ውን ሽዑ ተገሊፁ ነይሩ።

ህንፀቱ ድማ ኣብ 2015 ከም ዝተጀመረ ይፍለጥ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ግን፡ እቲ ዝተትሓዘ ዓብዪ ፕሮጀክት ሓፁር ዘይኮነስ፡ 10 ኪሎ ሜትሮ ሓፁር ጥራሕ እዩ ተሃኒፁ ተረኺቡ።

ወፃእታት

ወፃኢ ዝተገበረ ገንዘብ፡ 3.4 ቢልዮን ሺልንግ ኬንያ ወይ ድማ 35 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ'ዩ። ን10 ኪሎ ሜትሮ ክምቀል ከሎ ድማ፡ ኣብ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ኣስታት 3 ሚልዮን ዶላር ወፃኢ ከም ዝተገበረ የመልክት።

እዚ ገንዘብ፡ ካብቲ መንግስቲ ኬንያ ኣብዚ ዓመት ንመዕደጊ መሕለውታ መግቢ ዝሰልዖ በጀት ብኽልተ ዕፅፊ ይበልፅ።

ንሓለዋ ጥዕና ካብ ዝተትሓዘ በጀት'ውን ብሚልዮን ዶላራት ይዛይድ።

ባይቶ ኬንያ እንታይ በለ?

ኣባላት እቲ ባይቶ በቲ ስራሕ ሕጉሳት ኣይኮኑን።

ዝተወሰኑ ፖለቲከኛታት፡ እቲ ሓፁር ክሳብ ክንደይ ነታ ሃገር ካብ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ክከላኸላ ይኽእል? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ኣለዉ።

ካልኦት ድማ ነቲ ጉዳይ ምስ ብልሽውና ከተኣሳስርዎ ከለዉ፡ ገለ ሰበ ስልጣን ንኣል-ሸባብ ምኽንያት ብምግባር ሃብቲ ህዝቢ ክጉሕሉ ከም ዝኸኣሉ ገሊፆም።

ኣብ ክንዲ ንህንፀት እዚ ሓፁር፡ ንመጥቃዕትታት ኣልሸባብ ክቆፃፀር ዝኽእልን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን መሓውር ድሕነት ንምጥንኻር ወፃኢ እንተዝገበር ዝበሉ'ውን ኣይተሰኣኑን።

ባይቶ ኬንያ ንህንፀት እቲ ሓፁር ተወሳኺ ገንዘብ ወፃኢ ከይግበር ካብ ምኽልካል ብተወሳኺ፡ ሚልዮን ዶላራት ናበይ ከም ዝኣተወ መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ።

እቲ ሓፁር ብላዕለዋይ ጠማትነት (ክትትል) ምክልኻል ኬንያ'ዩ ክህነፅ ፀኒሑ።