ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ፡ 'እንተወሓደ ክሳብ ግንቦት' ከይበራ ተኣጊደን

ቦይንግ Image copyright Joe Raedle

በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ፡ 'ቦይንግ 737 ማክስ 8 ከምኡ ድማ 9' ስርሓት ዘለወን ነፈርቲ፡ እንተወሓደ ክሳብ መጻኢ ወርሒ ግንቦት ካብ በረራ ከምዝተኣገዳ ገሊጹ።

ዝተመሓየሸ ሶፍትዌር ተፈቲኑ ክሳብ ዝጸዓነለን ድማ ክበርራ ኣይፍቀደለንን ኢሉ እቲ በዓል መዚ።

ዝሓለፈ ሰንበት ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ዜጋታት 35 ሃገራት ዝኾኑ 157 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።

ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ድማ፡ ዋንነታ ናይ ኢንዶኒዥያ ዝኾነት ቦይንግ 737-8 ማክስ ነፋሪት ተሓምሺሻ 189 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

እዞም ክልተ ሓደጋታት ተመሳሳልነት ከምዘለዎም ገለ ሰባት ይጠቅስ ኣለዉ።

ገለ ሰብሞያ እውን፤ ካብ ሳትላይት ከምኡ ድማ ካብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝተረኸበ መረዳእታ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓደጋታት ምምስሳላት ከምዘሎ እዩ ዘርኢ ይብሉ።

ነቲ ሶፍትዌር ምምሕያሽ ውሑዳት ሰሙናት ዝወስድ ከምዝኾነን፤ ነቲ ሶፍትዌር ኣብ ኩለን ነፈርቲ ንምጽዓን ድማ 'እንተነኣሰ ምሉእ ሚያዝያ' ከምዝወስድን ተገሊጹ።

እቲ ናይ ኢንዶኒዥያ ሓደጋ ነፋሪት ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ፡ ኩባንያ ቦይንግ ናይ 737 ማክስ ነፈርቲ ሶፍትዌር ንምምሕያሽ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።