ኒውዝላንድ፡ ኣብ መስጊድ ብዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ተዅሲ 49 ሰባት ተቐቲሎም

ፖሊስ Image copyright EPA

ኣብ ኒው ዚላንድ ከተማ ክራይስትቸርች፡ ኣብ ክልተ መስጊዳት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተዅሲ፡ 49 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 20 ድማ ብጽኑዕ ቆሲሎም።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገርድ ጀሲንዳ ኣርደን፡ ነቲ ፍጻመ ከም ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝገለጸቶ ኽትከውን ከላ "ሓደ ካብ ጸልማት መዓልታት" ኒው ዚላንድ እዩ ኢላ።

ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር፡ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲን ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ፖሊስ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን፡ ካብቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ሓደ ኣውስትራልያዊ እዩ ኢሉ።

ነቲ ጥርጡር 'ጥሩፍ ኣሸባሪ የማናዊ-ክንፊ' ክብል ገሊጽዎ።

ሓደ ካብቶም ጥርጡራት፡ ቀዳም ንጉሆ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ግን፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዘይተሳተፈ ተረጋጊጹ'ሎ ኢሉ ፖሊስ።

ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሓደ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከካይድ ከሎ ኣብ ፌስቡክ ብቐጥታ ኣሕሊፍዎ።

ፖሊስ፡ ሰባት ነዚ 'ኣዝዩ ዝርብሽ' ቪድዮ ከይዝርግሑ ጸዊዑ። ኩባንያ ፌስቡክ ድማ፡ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ'ሎ።

ቅዳሕ ናይቲ ቪድዮ ንምእላይ ይሰርሕ ከምዘሎ'ውን ኣፍሊጡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት