ሓሙሽተ ነጥብታት ብዛዕባ ቅልውላው ጌዲዮ

ተመዛበልቲ ጌዶ Image copyright MAHEDER HAILESELASSIE TADESE
ናይ ምስሊ መግለጺ ተመዛበልቲ ጌዶ

ጉጂ ኦሮምን ማሕበረሰብን ጌድዮን ብጉርብትና ንዘመናት ሓቢሮም ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ እዋን ሃይለስላሴ ኣብ ክፍለ ሃገር ሲዳሞ ብሓደ ይመሓደሩ ነይሮም። ኣብ እዋን ደርጊ'ውን ከምኡ። ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ድማ ብመሰርት እቲ ዘዋደዶ ሓድሽ ስርዓት ፌደራሊዝም ናብቲ ሕዚ ዝርከቡሉ ክልላት ተጠርኒፎም። ጉጂ ናብ ክልል ኦሮሚያ ጌድዮ ከኣ ናብ ክልል ደቡብ።

ሎሚ ግን እቶም ማሕበረሰባት ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣትዮም ይርከቡ።

እቲ ቅልውላው ብኸመይ ተጀሚሩ?

እቲ ጠንቂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ተወለድቲ ጉጂን ጌድዮን ዝተወልዐ ጎንጺ ዝዘስዓቦ ኢዩ። እዚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘጋጠመ ጎንጺ ስዒቡ፡ ኣባይቲ ክቃጸሉ ከለው፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ኣባይቶም ምምዝባሎም ብመራኸቢ ብዙሓን ተጸብጺቡ'ዩ።

እቲ ጎንጺ ኣብ ግንቦት ደጊሙ ብምብርትዑ ነቲ ጸገም ከጋድዶ ከሎ፤ ብዙሓት ሞይቶም መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ተቓጺሎም። በዚ ድማ ብዙሓት ኣባይቶም ሓዲጎም ተሰዲዶም። ኣብ ምዕራብ ጉጂ ዞን ዝነበሩ ተወለድቲ ጌድዮ ናብ ከባብታት ጌድዮ ዞን ብምኻድ ከጽልሉ ጀሚሮም። ኣብ ጌድዮ ዞን ዝነበሩ ጉጂ'ውን ከምኡ።

ቁጽሪ ተመዛበልቲ

ዓለም-ለኻዊ ትካል ስደት (ኣይኦኤም) ካብ ከባቢታት ምዕራብ ጉጂን ጌድዮን 970 ሽሕ ሰብ ምምዝባሉ ኢዩ ገሊጹ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ብወገኑ ቁጽሪ እቶም ተመዛበልቲ 818 ሽሕ ምዃኑ ይሕብር። ካብዚኦም እቶም 642 ሽሕ ኣብ ጌድዮ ዞን ዝርከቡ ክኾኑ እንከለው እቶም እቶም 176 ሽሕ ድማ ኣብ ምዕራብ ጉጂ ዞን ከም ዝርከቡ እዩ ተገሊጹ።

ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብቶም 800 ሽሕ ተመዛበልቲ እቶም ዝበዝሑ ናብ ቦትኦም ከም ዝተመልሱን 208 ሽሕ ኣብቲ ግዚያዊ መጽለሊታት ከም ዝተረፉ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ቅልውላው ክሳብ ክንደይ ከቢድ እዩ?

ነቲ ጎንጺ ስዒቡ፡ ዝግባእ ግብረ መልሲ ከም ዘይተዋህበ ካብ ፈለማ እዩ ተገሊጹ። ማሕበረሰብ ዓለም ዕሽሽ ከምዝበሎ፡ ቀይሕ መስቀል ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓቢሩ ነይሩ።

እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ባይታ ከም ዝድቅሱን ክዳውንቲ እውን ከም ዘይብሎም'ዩ ተገሊጹ ነይሩ።

ሎሚ ቅነ ድማ ብፍላይ እቲ ቅልውላው ተጋዲዱ፡ እቶም ተመዛበልቲ ንሞትን ሕማምን ከም ዝተቓልዑ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽን ማሕበራዊ ሚድያን ይግለጽ ኣሎ።

ሬድዮ ጀርመን ሰለስተ ሰባት ኣብ መዓልቲ ከም ዝሞቱ ክሕብር ከሎ ዘጋርድያን ድማ እቶም ተመዛበልቲ 'ናብ ቦትኦም ምእንቲ ክምለሱ' ብዝብል መንግስቲ ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘቋረጸ ሓቢሩ። እዚ ድማ ንምብኣስ እቲ ቅልውላው ምኽንያት ከም ዝኾነ እዩ ክግለጽ ቀንዩ።

መንግስቲ ንምንታይ ይንቀፍ ኣሎ?

ነዚ ስዒቡ ድማ ሚኒስተር ሰላም ወይዘሮ ሙፈርያት ካሚል ፡ንተመዛበልቲ ዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቁራጹ ዝገልጽ ሓበሬታ ሓቂ ከም ዘይኮነ ሓቢረን።

እንተኾነ እቲ ወቀሳ ብምሕያሉ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ነቶም ተመዛበልቲ ክበጽሑ ናብቲ ስፍራ ክኸዱ ተገዲዶም ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅልውላው ግቡእ ግብረ-መልሲ ኣይሃበን ተባሂሉ ዝቐርብ ነቀፌታ ግን ቀጺሉ ኣሎ።

ንምንታይ ናብ መረበቶም ይተመለሱ ?

እቶም ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ንም ንታይ ክምለሱ ኣይደልዩን ንዝብል፡ ኣይ ኦ ኤም ከም ዝሕብሮ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣባይቶም ተቓጺሉን ዓንዩን ምህላው ኢዩ ከም ምኽንያት ዘቕምጥ።

ከምኡ ድማ ሕዚ'ውን እቲ ኩነታት መሊኡ ናብ ንቡር ስለዘይተመልሰ፡ ናይ ውሕስነት ሕቶ ስግኣት ከምዘለዎም እዩ ዝንገር ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት