ኤርትራ፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪን-ድልየታት ኢትዮጵያን

ወደባዊት ከተማ ባጽዕ Image copyright Getty Images

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢዩ አሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሓቢሮም ንዕቤትን ምዕባለን ህዝቦምን ንሰላምን ጸጥታን ዞቦኦም ከምዝሰርሑ ኣብ ዘዝተራኸቡዎ ተዛሪቦም። ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ስምምዕ ግሉጽነት የብሉን፡ ሓበሬታ የብልናን ዝብሉ ኤርትራውያን ከኣ ዘለዎም ሻቕሎት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

ብፍላይ ኣብቲ ፈላሚ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢዩ አሕመድ ኣብ ኣደራሽ ሚለንየም ኣዲስ ኣበባ፡ ብፖለቲካ "ንደመር" " ምስ ኢሳይያስ እንተተሰማሚዕና ዓሰብ ንረክብ" ኢሉ።

ንሱን ብጾቱን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ኢትዮጵያ ሓያል ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህናጽ ድሌት ከምዘለዋ እውን ገሊጾም።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ከኣ ኣብ ርእሲ እተን ኣብ ጂቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሪትን ዝጸንሓ፡ ኣመሪካ፡ ቻይናን ፈረንሳን፡ ቱርኪ ኣብ ሱዳን፡ ቐጠር ኣብ ሶማል፡ ስዑድን ኢሜሬትን ኣብ ኤርትራ መዓስከራት ከቑማ ድሌት ከምዘለወን ክሕበር ጸኒሑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ እውን ኣበይ ምዃኑ እዩ ዘይተገልጸ እምበር፡ ሓያል ሓይሊ ባሕሪ ክህልዋ ከምእትደሊ ንፕረዚደንት ማክሮን ፈረንሳ ብወግዒ ምግላጻ ተሰኒዱ ኣሎ።

ንምዃኑ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ትኽእል ድያ? ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት ኣብ ዓለምና እንታይ ተመኩሮ ኣሎ? ስለምንታይ እዩ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓያል ውድድር ዝረአ ዘሎ? ንዝብል ንምብራህ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገምጋሞም ኣካፊሎሙና ኣለው።

Image copyright ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም

ኣቶ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም እቲ ኣብ ተስዓታት ዝፈረሰ ውድድር ዝሑል ኩናት ሓይልታት ምዕራብን ምብራቕን ብኣመሪካ ተዓብሊሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ፡ ከም በዓል ቻይና ህንድን ብራዚልን ዝኣመሰላ ሓደስቲ ሓይልታት ይትንስኣ ስለዘዋ'ዩ እዚ ክስተት መጺኡ ዝብል ገምጋም'ዩ ዘለዎ።

ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ ብወገኑ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝበዝሐ ነዳዲ ዓለምና ዝመሓላለፈሉ ኣገዳሲ መስመር ንግድን ንኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብቐሊሉ እትቆጻጸረሉ ወተሃደራዊ መትኒ ምዃኑን ብምግላጽ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ኩሉ ሓይሊ ኣሎኒ ዝብል ወገን ክጥምቶን ክቆጻጸሮን ዝጸንሐ ዞባ ምዃኑ ይሕብር።

ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ሓይልታት ምዕራብን ምብራቕን ዝወዳደራሉ ዝነበራ ዞባ እዩ። ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ጆን ፎስተር ዳላስ፡ 'ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነኣ ክኽበረላ ዝግባእ እኳ እንተነበረ ንረብሓ ኣመሪካ ክንብል ምስ መሓዛና ኢትዮጵያ ክትቁረን ወሲንና ኣሎና' ዝበሎ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ጂኦ ፖለቲካዊ ረብሓ እምበር ካልእ ከምዘይነበረ ኣቡሃሺም የረድእ ።

Image copyright ኣርሄ ሓመድናካ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣርሄ ሓመድናካ

እተን ረብሐአን ከየረጋግጻ ዘይድቅሳ ሓያላን ሃገራት ከኣ ንኣብነት፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ኣብ ጂቡቱ መዓስከራት መስሪተን ኣለዋ።

ሕጂ ከኣ ቱርኪ ኣብ ሱዳን ቐጠር ኣብ ሶማል ስዑድን ኢሜሬትን ኣብ ኤርትራ ኢትዮጵያ እውን ኣበይ ምዃኑ እኳ እንተዘይተገልጸ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ምዃና ብዕሊ ኣዊጃ ኣላ።

ኣቶ መረሳ ጸሃየ፡ እዚ ሕጂ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ህላዌን ኣገዳስነትን ሓይሊ ባሕሪ ዝገልጹዎ ዘለዉ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ክነሳ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ ንዝብል ዝጸንሐ መንፈስ ዘንጸባርቕ ምዃኑ የረድእ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ብሰንኪ ፖለቲካ ምሕደራ ስርዓታቱን ምትእትታው ግዳምን ንሓያሎ እዋን ኣይረግአን። ዞባ ኩናትን ዕግርግርን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። " ገዛእ ቤቱ ዘየጽረየን ዘየርገአን፡ ዝበዝሐ ብምልኪ ዘመሓድር ስርዓታት እዞ ዞባ ነባሪ ሰለም ከረጋግጽ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት የብለይን" ዝብል ኣርሄ፡ ብገዛእ መንግስታቱ ፍትሒን ሰናይ ምሕደራን ዝሰኣነ ዞባ ፡ ብቐሊሉ፡ ጅሆ ዓለምለኻውያን ሓይልታት ሰብ ገንዘብ ክኸውን ከምዝኽእል ስክፍትኡ ይገልጽ።

ኣቡሃሺም እውን፡ ከም ስዑድያን ኢማራትን ዝኣመሰላ ናእሽቱ ሃገራት ብናይ ገዛእ ርእሰን ድሌት ተደሪኸን ዝንቀሳቀሳ እንተመሰላ ዓቕመን ድሩት ዝለዝኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ግን፡ ብከም ናይ ኣሜሪካን ካልኦት ሓይልታትን ደገፍ ከም ዝንቀሳቐሳ የረድእ።

ከም ቱርክን፡ ኢራንን እውን ኣብቲ ዞባ ረብሐአን ንምርግጋጽ ይንቀሳቐሳ ምህላወን ርኡይ ኮይኑ ኣሎ።

ድልየታት ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፤ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስረት ድሌት ከም ዘለዋ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክገልጾ ጸኒሑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ለማ መገርሳ እውን "መን ይፈልጥ ኣብ መጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወና ይኽእል ይኸውን" ምባሉ፡ ኣብ ኤርትራውያን ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኢትዮጵያ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢትዮጵያ ሓያል ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ድሌት ከምዘለዋ ምስተነግረ፡ ሃገሩ ነቲ ጥሙሕ እቲ ኣብ ምርግጋጽ ከም እትተሓጋገዝ ሓቢሩ።

እዚ ብቐጻሊ ዝደጋገም ዘሎ ድልየት ኢትዮጵያ ግን ካብ ምንታይ ዝተበገሰ እዩ? ሓጋዚ ፕሮፈሰር ኣብ መቀለ ዩኒቨርሲቲ ኣይተ መረሳ ጸሃየ፡

''ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ታሪኽ ኤርትራ ዝተሐሐዘ እዩ። እዚ ፖሎቲካዊ ሕቶ'ዚ ሓዲሽ ኣይኮነን። ሕጂ ብናይ ምድማር ቋንቋ እቲ ዝነበረ ፍልስፍና ዓባይ ኢትዮጵያ፡ ተመሊሱ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ስለዝመጽአ፡ ዶር ኣቢይ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ንምርካብ ይደጋገም ምህላውን፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ እውን ብህዝቦም ንዝቐርበሎም ዘሎ ሕቶ ጽገናን ለውጥን፡ ምስ ኢትዮጵያን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝፈታትንዎ ዘለው ቁጠባዊ ውህደትን ሽርክነትን ከመኽንዩዎ ስለዝደለዩ እዩ" ይብል።

Image copyright መረሳ ጻሕየ
ናይ ምስሊ መግለጺ መረሳ ጻሕየ

ምስ ኢትዮጵያ ን30 ዓመታት ንመሰል ርእሰ ውሳኔኦም፡ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ከኣ ብዶባት ብዝተሳበበ ኩናት ኣብ ወጥሪ-ኩናት ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ናይ ኩናት ቁስልና ከየሕወና፡ ብስም ቁጠባዊ ምትሕብባር፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ክምለስ ንዓና ዓቢ ስክፍታ እዩ፡ ክብሉ ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለው።

ኣቡሃሺም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምርግጋእ ውሽጣዊ ኩነታታ ከተድህብ እምበር ሓይሊ ባሕሪ ናብ ምህናጽ ክትጓየ ኣይመድልያን በሃላይ እዩ።

ዋላኳ ሓደ ሓደ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብቐጻሊ ብዛዕባ ዓሰብን ሓይሊ ባሕርን እንተተዛረቡ ቁስሊ ህዝቢ ከይሓወየ ዝግበር ጉያ ጉያ ግን ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል የዘኻኽር።

ስዑድን ኢሜሬትን፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ መደበር ምስ ተኸላ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጥሪ ኩናት ዶባት፡ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስግኣትን ስክፍታን ተሰሚዑዎስ ዘይምሕጓሱ ብግልጺ ኣርእዩ ነይሩ እዩ።

ሕጂ ኣብ ዝተገብረ ዕርቀ ሰላም፡ ድሮ ምስ ስዑድን ኢሜረትን ምሕዝነት ስለዝተጀመረ፡ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ከይሓዝካ "ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ምጉያይ" ዓንተር ቀርኒ ኣፍሪቃ እኸውን ኣለኹ ንምባል ከይከውን ስክፍትኡ ይገልጽ።

ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ እውን "ሓንቲ ሃገር፡ ሓይሊ ባሕሪ ንክህልዋ ምስ ባሕሪ ክትዳወብ ኣለዋ" ይብል። ሓንቲ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር፡ ልክዕ ከም ናይ ምድርን ሰማይን ክሊ ባሕራ ንክትከላኸል ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ትግደድ እያ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ጥሙሕ ግን ምስቲ " ዓሰብ ንዓና እዩ ዝግባእ" ዝብል ናይ ሓደ ሓደ ሕሉፋት ፖለቲከኛታት ኣተሓሳስባ ተጠንቂቕካ ምስትብሃል ዘድልዮ ምዃኑ ይገልጽ።

መረሳ ጸሃየ እውን፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓድሕደን ልዙብ ስምምዕ እንተዘይሃልዩወን ክሳራ እምበር መኽሰብ የብሉን ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

ብዛዕባ እዚ ዞባ ዝዛረቡ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ኣጸቢቑ ከይሓወየ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ህላዌ ኢትዮጵያ ክህሉ፡ ሓደገኛን ነዚ ብጽቡቕ ጀሚሩ ዘሎ ሰላም ዝዘርግን ክኸውን ከምዝኽእልን ይዛረቡ።

ኢትዮጵያ፡ ህዝብን ዓለምን ብዝፈልጦ ግሉጽን ውዑል፡ ኣብ ዝኸነት ጎረቤት ሃገር ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ንግዳዊ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ትኽእል እያ። ግን ክሳዕ ትማሊ ኣብ ኤርትራ ደማዊ ኩናት ተኻይዱ ብዙሕ ህይወት ስለዝሃለቐ እቲ ዝሕሰብ ኣብ ኤርትራዊ ክኸውን ኣይግባእን ይብል ኣቶ ኣርሄ።

ዓብደሩሕማን እውን፡ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ክትዋገየሉን ክትረብሓሉን እትኽእል ጸጋ ባሕራን ወደባታን ብምዃኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ብፍሉጥ ቅጥዕን ሕጋዊ ሰነዳትን ንሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ምድልዳልን ምሕጋዝን እንተዝረዳዳኣ ነቲ ዕርቀ ሰላም ብዝያዳ መበርተዖ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

ኣርሄ እውን ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብሓይልን ዓመጽን ትገዝኣ ስለዝነበረትን ክሳብ ሕጂ እውን "ቀይሕ-ባሕርና!" ዝብል ጥሙሕ ናይ ሕሉፋት ስለዘሎ፡ ኣብ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር እትምስርቶ ሓይሊ ባሕሪ ዕላማታቱ ብዝርዝር ክግለጽን ክፍለጥን ከምዘለዎ የረድእ።

ስዑድን ኢሜረትን ግን ኣብ ኤርትራ ይግበኣኒ'ዩ ዝብለኦ ነገር ስለዘይብለን መዓስከራተን ምስ ግዜ ከምዘብቅዕ የረድእ።

ንኤርትራን ጎረባብታን ዘርብሓን፡ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሰላም ባሕሪ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ እምበር መራኽብ ኩናት ዝእንገዳሉ እንተኾይኑ ኩሉ ግዜ ሓደገኛ እዩ ዝበለ ኣርሄ ድሌትን ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤናትን ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብጥንቃቐ ክረአ ይመክር ኣርሄ።

ናይ 1982 ውዕል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኣጠቃቕማ ባሕሪ ኣብ ዓንቀጽ 125 ብዘስፈሮ መሰረት፡ ኩለን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ካብን ናብን ኣገልግሎት ናይ ባሕሪ ምጥቃም መሰልን፤ ናጽነት ምስግጋር ሰብን ንብረትን ሂብወን ኢዩ።

እቲ ውዕል ተግባራዊ ዝኸውን ብስምምዕ ክልቲኣን ሃገራት ማለት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላን ዘለዋን ክግበር ከም ዘለዎ የነጽር። እዚ ብመሰረቱ ከኣ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ኢዩ ዝምርኮስ።