ኢጣልያ፡ “ጉዳይ ስደተኛታት ከም መጣልዒ ፖለቲካ”

ስደተኛታት ኣብ ናይ ጎማ ጃልባ Image copyright AFP

ኣብ ጥቅምቲ 2013 ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ኣፍደገ ላምፔዱሳ ብጃምላ ምስሃለቑ ዓለም ብዓለማ ጫቚ ጯቚ ስለዝበለት ሃገራት ኤውሮጳን ዝተፈላለያ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ጀላቡ ድሕነት ኣዋፊረን።

ሰምሰርትን ኣሰጋገርትን፡ ነቲ ኣጋጣሚ ከም ዓቢ ዕድል ንግድ ተጠቒሞም፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፡ ብቕዓት ብዘይብለን ጃላቡ ዕንጨይትን ፕላስቲክን ሰባት እናጸዓኑ ክልእኹ ጀሚሮም።

እንተኾነ እተን ጀላቡ ነዊሕ ከይከዳ ስለዝግድዓ፡ ናብተን ናይ ድሕነት ጀላቡ ሜዲተራንያን ርድኡና ርድኡና ክብላ የእውያ።

ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ናይ ድሕነት ስርሒት ከኣ በብእዋኑ ክንድዚ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ድሒኖም እናተባህለ ኣብ ማዕከናት ዜና ስለዝቃላሕ፡ በዚ ዓዳሚ-ረቛሒ (pull factor) ዝተሳሕቡ ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ናብ ሊብያ ክውሕዙ ጀሚሮም - ብባሕሪ ሰጊሮም ከኣ ንኤውሮጳ አዕለቕሊቖማ።

ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ኣብ ሓደ እዋን፡ ሶርያውያን ዝመብዝሕትኦም ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ተቐቢላ። ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን አእጃመን ወሲደን። ይኹን እምበር እቲ ዋሕዚ ንዜጋታት ኤውሮጳ ከሻቕሎም ጀሚሩ።

ብዙሓት ፖለቲከኛታት ኤውሮጳ፡ "ስራሕና ብወጻእተኛታት ይውሰደና ኣሎ፡ ዘይንደልዮን ዘይንጻወሮን ማሕበራዊ ሽግራት ይተኣታቶ ኣሎ" ንዝብል ስምዒት ህዝቢ መዝሚዞም፡ ኣብ ሜድያ ኣንጻር ስደተኛታት ዘጎሳጉስ መደረታት ከስምዑ ጀሚሮም። በዚ ስምዒት እዚ ከኣ ዳርጋ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኦስትርያ፡ ኢጣልያ፡ ጀርመን፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዝተንስኡ መራሕቲ መጺኦም።

ኣብ ሓደ እዋን ኢጣልያ ንኹለን እተን ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝነጥፋ ዝነበራ መራኽብ ድሕነት ኣጊዳተን። ድሕሪ እቲ እገዳ ካብ ባሕሪ ሰባት ዘድሓና ጀላቡ ከኣ ክኽሰሳን ክእገዳን ጀሚረን።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራሕተኛታት ሓገዝ፡ ስደተኛታት ዝፀዓነት መርከብ ኣኳርየስ እንትቕበሉ

ማልታን ኢጣልያን ንእግረ መገደን ኣብ ጸገም ዝረኸበኦም ስደተኛታት ዘድሓና መራክብ ንግድ ኣብ ወደባተን ከይዕሽጋ ከልኪለን፡ ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ሰሙን ቀንፈዘው፡ ስጳኛ ብሰብኣዊ ርህራሀ ኣብ መሬታ ዘዕረፈቶም ስደተኛታት መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኮይኖም ምንባሮም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብርሃም ተስፋይ ይዝክር።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዕለታት ግን ሓንቲ ማረ-ጆንዮ እትስመ ናይ ገበርቲ ሰናይ ጃልባ ካብ ገማግም ሊብያ 49 ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣድሒና ንላምፓዱሳ ብምእታዋ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

መንግስቲ ጥልያን ንኣባላት እቶም ጃልባ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ከሲሶም ኣብ ፍርዲ ንምቕራቦም ይሰርሑ ከምዘለዉን ነታ ጃልባ ከምዝኣሰሩዋን ማዕከናት ዜና ጥልያን ብቐረባ ዝተኸታተለ ነባሪ ሚላኖ ደስበለ መሓሪ ይሕብር።

ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ሳልቪኒ፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ንዘጋጥም ጸገማት ናይ ምክትታልን ምድሓንን ንመንግስቲ ሊብያ እምበር ንጥልያን ዝምልከት ኣይኮነን ክብል እንከሎ፡ ከንቲባ ላምፓዱሳ ቶቶ ማርቴሎ ግን ስደተኛታት ናብ ከተምኡ ክኣተዉ ፍቓደኛ ምዃኑን ወደባቱ ንስደተኛታት ከምዘይነፈገን ጋዜጣ ላስታምፓ ኢጣልያ ሓቢራ።

ከንቲባ ላምፓዱሳ ብተወሳኺ፡ ኣብ ባሕሪ ንእገለ እባ ንእገለ ይምልከቶ ዝበሃል ነገር የሎን። እቲ ቐንድን መሰረታውን ነገር ህይወት ምድሓን እዩ ኢሉ ከንቲባ ላምፔዱሳ። እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ክልተ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ብምግምጣለን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝሞቱን 15 ከምዝደሓኑን ሓቢሩ።

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሚላኖ ዝሰርሕ ሃብተማርያም ልጃም፡ እታ 49 ስደተኛታት ዘድሓነት መርከብ ገበርቲ ሰናይ ኢጣልያውያን ናብ ላምፔዱሳ ከይትጽጋዕ መምርሒ እኳ ተዋሂቡዋ እንተነበረ ካፕተይን እታ መርከብ ፔትሮ ማሮነ፡" ዝሓመሙን ዝተወጽዑን ሰባት ኣለውና።

ኣስታት ክልተ ሜትሮ ዝበጽሕ ሓያል ማዕበል እውን ኣሎ። ሞተረ ከጥፍእ ኮነ ኣብ ዘለኹዎ ክጸንሕ ኣይክእልን እየ ብምባል ናብ ወደብ ከምእተጸገዐን ህይወት እቶም ሰባት ከምዘድሓነን ኣብ ጋዜጣታት ጥልያን ከምእተጻሕፈ ኣረዲኡ።

Image copyright Reuters

ሓደ ካብቶም ኣባላት ከኣ ብናይ ጥልያን ባንዴራ እንጓዓዝ ዜጋታት ስለዝኸንና ናብ ወደብና ክንጽጋዕ ዝዓግተና ክህሉ ኣይግበኦን እዩ፤ ምባሉ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ጸብጺበን። ነድሪ ሳምቡእ ( ኒሞንያ) ዝሓመመ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ከኣ ናብ ሆስፒታል ላምፔዱሳ ተወሲዱ ኣሎ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብማዕረ ኣደራዕ ስደተኛታት ክሽከማ ኣለወን ብምባል ዝምጉት ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ምኒስተር ሳልቪኒ፡ ወደባት ኢጣልያ ንመራኽብ ገበርቲ ሰናይ ዕጹው ምዃኑን ከሉ ዝምልከቶ መምርሒ ከተግብር ከምዝግባእ ተዛሪቡ። ኢጣልያዊ ማሕበር ስደተኛታት ግን ብውሳነ ሳልቪኒ ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ሓላፊ እቲ ማሕበር ማርዮ ማርኮኒ ገሊጹ።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢጣልያ መንእሰይ ኣብርሃም ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኤርትረውያን ኣብ ሊብያ፡ ቱንዝያን ኒጀርን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለውን ኣብ ዝተፈላለየ ካምፕታት ሊብያ፡ ኣደዳ ጭንቅን ስቅያትን ኮይኖም ግዳይ ሕማምን ሞትን ይኾኑ ምህላዎም ብምርዳእ፡ ኣብዚ እዋን እዚ "ጉዳይ ስደተኛታት ከም መጣልዒ ፖለቲካ" ይኸውን ኣሎ ብምባል ስክፍትኡ ገሊጹ።