ፈተናታት ውልቀ ሕትመት ትግራይ

Image copyright Sergen

ከም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 1984፡ ብመጽሄት ወጋሕታ ኣቢሉ ውልደቱ ዝኣወጀ ውልቀ ሕትመት ትግራይ፡ ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ዝመጸሉ ኸይዲ ኣዝዩ መሰካፊ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ከም ዓውዲ ኣሎ ኢልካ ንምዝራብ እውን ይኸብድ- ይብሉ ሰብ ሞያ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተጀመራ ጋዜጣታትን መጽሄታትን ዕድሚአን፡ ዕድመ ኽረምቲ እናኾነ ይርከብ።

ፈላሚት መጽሄት ወጋሕታ፡ ካብ 1984 ዓ.ም ክሳብ 1987 ዓ.ም ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ፖለቲካ ሒዛ ኣብ ሕትመት ዝነበረት እያ። ሕትመት ኣቛሪጻ ድሕሪ ምጽናሕ፡ መሊሳ ኣብ 1993 ጋዜጣ ኾይና 'ኳ ተመሊሳ እንተነበረት፡ ኣይቀጸለትን።

ኣብ 1996 ዓ.ም፡ ዝተፈላለዩ ምሕበራዊን ፖለቲካውን ጉዳያት ንምድህሳስ ዝተጣየሸት ሰሙናዊት ጋዜጣ ኖላዊት እውን፡ 2 ወርሕን 17 መዓልትን ጥራሕ እያ ኣብ ሕትመት ጸኒሓ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ብዘይተለመደ መልክዑ፡ ኣብ ትግራይ ዘይድፈሩ ዝበሃሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት እናልዓለት ዝጸንሐት ወርሓዊት መጽሄት ሰርጌን፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሕታማት ከይከደት፡ ካብ ዕዳጋ ወጺኣ ኣላ።

ዳርጋ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝጽጋዕ ዕድመ፡ ኣበ እትግራይ ውልቀ ሚድያ ሕትመት፡ ብቑጽሪ እንትረአ እውን ብዙሕ ዝበሃል ኣይኮነን። ክሳብ ሐዚ ዝተርኣያ ውልቀ ጋዜጣታትን መጽሄታትን ልዕሊ 20 ኣይኾናን። ካብ ጋዜጣታት ኖላዊት፣ ስኒት፣ መሓል፣ ዛየን፥ ወጋሕታ ን ህዝባዊትን፤ ካብ መጽሄታት ድማ ወጋሕታ፣ ኣደዳ፣ ባሎኒ፣ሪሓን፣ ደሃይ፣ ሕድያትን ጥሕሎን ካብ መንጎ እተን ብልጭ ኢለን ዝጠፍኣ ሕትመታት ዝጥቀሳ እየን።

እቶም ብደሆታት እንታይ እዮም?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽንን ዝኾነን፡ ኣብ ውልቀ ሚድያ ሕትመት ትግራይ ዳህሳስ ዝገበረን መምህር ማቴዎስ ገብረህይወት፡ እቶም ሚድያ ሕትመት ትግራይ ምዕይ ከይብል ዝገበሩዎ ብደሆታት፡ ባዕላውን ደጋውን ምኽንያታት ኢሉ፡ ብኽልተ ኸፊሉ የቐምጦም።

እኹል ፋይናንሳውን ሞያውን ዓቕሚ ከይሓዝካ ስራሕ ምጅማር፣ ንጹር ኢዲቶርያል ፖሊሲ ዘይምህላው፥ ረዚን ዘይኮኑ ትሕዝቶታት ሕትመትን ካብቶም ባዕላዊ ብደሆታት ገሊኦም ከምዝኾኑ ይዛረብ።

ብኻሊእ ገጽ፡ መዋሊ ምስኣን፣ ጸቢብ ፖለቲካዊ ባይታ፥ ዋሕዲ ኣንበብትን እኹል ሓበሬታ ዘይምርካብን ካብቶም ግዳማዊ ብደሆታት ከምዝኾኑ መምህር ማቴዎስ ይገልጽ።

ጋዜጠኛ ዳኒኤል ኣስመላሽ፡ ካብቶም ሕትመት ትግራይ ሓፍ ክብል ይኽእል እዩ፡ ዝብል ተስፋ ሒዞም ኣብ ዘዝመጻ ጋዜጣታትን መጽሄታትን፡ ዝጽሕፉ ሓደ እዩ።

ዳኒኤል፡ መንግስቲ ትግራይን ነቲ ክልል ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን፡ ነተን ናይ ውልቀ ሚድያታት ከክንዲ ምሕጋዝን ምትብባዕን፡ ኣሉታዊ ተራ እናተጻወቱ ምጽነሖም ይገልጽ።

''ነዐኦም ዘገልግል እንተኾይኑ ስፖንሰር ይግበር፣ ይውደስ ከም መርኣያ እውን ይጽዋዕ። ነጻ ሓሳብ ሒዝካ፣ ንህዝቢ ዘገልግል፥ናይ ህዝቢ ጸገም ኣልዒልካ እትዘራረበሉ እንተኾይኑ ግና፡ ከም ጸላኢ ጌርካ ምውሳድ ኣሎ'' ይብል ዳኒኤል ኣስመላሽ።

ንሱ ኣሰናዳኢ ኮይኑ ዝሰርሐላ ዝነበረ መጽሄት ሰርጌን ብዛዕባ ዘጋጠማ ድማ ይዛረብ።

''ሓደ ዓብዪ ተጋዳላይ ናይቲ ውድብ፡ ኣብ ወይን ጋዜጣ ከም ሓደ ዕንቅፋት ወይ ድማ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ እያ ኢልካ፡ ጸሪሕካ ምዝራብ፡'ኣውራጃዊት' ኢልካ [ምብያን] ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት እንትዝረብ፡ ክምውል ዝደሊ በዓል ሃፍቲ ይኹን ውልቀ ሰብ ኢዱ ክስሕብ ዝገብር እዩ'' ይብል።

መምህር ማቴዎስ ገብረህይወት ብወገኑ ''እቲ ፖለቲካዊ ሃዋህው 'ክሰፍሕ ክኽእል ኣለዎ፣ ተዓፊኑ እዩ ዘሎ፣ ከምዚ ተገይሩ ፡ከምዚ ተገይሩ' ዝብል ዘረባታት ይስማዕ እዩ። ኣብ ባይታ ወሪድካ ግን ዝተሰርሐ ስራሕ የለን'' ይብል።

Image copyright Sergen
ናይ ምስሊ መግለጺ መጽሄት ሰርጌን

ጋዜጠኛ ዮናስ በላይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ትኹረት ገይራ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዘ፡ ትሕተም ዝነበረት መጽሄት ጥሕሎ፡ ኣሰናዳኢ ነይሩ።

ጋዜጠኛ ዮናስ፡ ናይዞም ሰለስተ አዕምዲ ማለት'ውን ሰማዕቲ፥ ኣካላት ምሕደራን ኣካላት ሚድያን ተሓባቢርካ ዘይምስራሕ፡ ውልቀ ሕትመት ትግራይ ከይዓቢ ከምዝገበሮ ይኣምን። ብፍላይ ኣብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዘሎ ፖለቲካዊ ድልየት፥ ቢሮክራሲ፥ ንውልቀ ሚድያ ሓበሬታ ዘይምሃብን፡ ቀንዲ መሕንቖታት ከምዝኾኑ ይዛረብ።

ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ነታ ንሱ ዘሐትማ ዝነበረት መጽሄት ይኹን ካልኦት፡ ከይቅጽላ ከምዝገበረን ዝገልጽ ጋዜጠኛ ዮናስ፡ ''ስቕ ኢልካ ስግኣት ምሕዳር፡ ምብህናን ነይሩ ኣብ ትግራይ። ፍልይ ዝበለ ነገር ሒዝካ እንተመጺኻ፡ ናይ ምድንጋጽ ባህርታት ነይሩ። እዚ ድማ አዐርዩ ኣዳኺሙና እዩ'' ይብል።

ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ ቀያዳይ ኣዋጅ ሚድያ፡ ድሕሪ 15 ሕታማት፡ ነታ የሐትማ ዝነበረ መጽሄት ጥሕሎ፡ ጠጠው ከብላ ዝተገደደ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሽብር ስለዝኸሰሶ ከምዝኾነ፡ ጋዜጠኛ ዮናስ ይዛረብ።

''ምስ ደበበ እሸቱን እስክንድር ነጋን፡ ሳልሳይ ኣሸባሪ ተባሂለ፤ ኣብ ኣዲስ ዘመን፡'የበግ ለምድ የለበሱ ተኩላዎች' ብዝብል ርእሲ ከም ሳልሳይ ኣሸባሪ እዩ ሽመይ ተጠቒሱ። ኣብ ክልል ምምሕዳር ዝነበሩ አዕሩኽተይ 'ውን ክሲ ክምስረት፡ ሪፖርት ይተኣኻኸብ ከምዘሎን ሓበሬታ በጺሑኒ፡ ጠጠው ከብል ተገዲደ'' ብምባል፡ ብድሕሪኡ ግን ኣብ ትግርኛ ናይ ምስራሕ ድልየቱ 'ውን ብኡ ኣቢሉ ከምዝተረፈ ይገልጽ።

ፋይናንሳዊ ጸገማት

ሚድያታት ሕትመት፡ እኹል ዝኾነ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ሒዘን ዘይምጅማረን፡ ካብቶም ባዕላዊ ጸገማት ምዃኑ፡ ዝገልጽ መምህር ማቴዎስ ገብረህይወት፡ ተወሳኺ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክረኽባ ዘይምኽኣለን ድማ፡ ከም ካሊእ ግዳማዊ ብደሆ ይሪኦ።

''ሰብ ሃፍቲ ይኹኑ ካልኦት ትካላት፡ ኣብተን ናይ ውልቀ ሚድያታት፡ እኹል ዝኾነ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ዘይምስረሖም፡ እተን ትካላት ከይምዕብላ ገይሩወን እዩ ኢለ ይኣምን'' ድማ ይብል።

ጋዜጠኛ ዳኒኤል ኣስመላሽ ብወገኑ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝገብርን ዝምውልን ኣብዘይብሉ '' ኣጣይሽካ፥ ባዕልኻ ጽሒፍካ፥ እሐቲምካ ክተከፋፍል ከቢድ እዩ'' ይብል።

እቲ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ፡ እተን ውልቀ ሚድያታት ፋይናንሳዊ ዓቕመን ከይጉልብት ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ጥር ትብል ኣታዊ ከይትህልወን ክሳብ ምግባር ዝበጽሕ ከምዝኾነ፡ ጋዜጠኛ ዳኒኤልን መምህር ማቴዎስን ይሰማምዑ።

መምህር ማቴዎስ ነዚ እንተብርህ ''ሰብ ሃፍቲ እንተዳኣ ዝድግፉ ኮይኖም ካብቲ መንግስቲ ተጽዕኖ ስለዝበጽሖም፤ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን'' ይብል። ጋዜጠኛ ዳኒኤል ብወገኑ '' ስፖንሰር ዝገብሩ ትካላት ምዕፋን፥ ምዕንቃፍ'' ከምዘሎ ይዛረብ።

ሓላፊት ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ፡ ካብ ናይ ኤልክትሮኒክስ ሚድያ ቐጺሉ፡ እቲ ናይ ሕትመት ሚድያ ኣብ ማሕበራዊ፥ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ምንቅስቓስ ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ ጥርጥር ከምዘይብሉ ይዛረባ።

''ከም መንግስቲ ዘይሰራሕናዮ ኢልና እንሓስቦ፡ ኣብ ሕትመት ስራሕቲ እናጎልበቱ፥ እናበዝሑ፥ እናዓሞቑ ክኸዱሉ ብዝኽእሉ ደረጃ፡ ሓበሬታታት ኣብ ምሃብ በቲ ዝድለ ብርኪ፡ ሓጊዝና ኢና ኣይንብልን።'' ዝብላ ወይዘሮ ሊያ፡ ካብዚ ወጻኢ ግን ''እቲ ካሊእ ናይ ባዕሎም ግደ እዩ'' እየን ዝብላ።

እቲ ዝዓበየ ኣፍቲ ሚድያ ናይ ዝዋፈሩ ሰባት ተገዳስነትን ኣጠቓላሊ ብስለት ጥሕዝቶ እተን ሕትመታትን፡ ምዃኑ ዝገልጻ እተን ሓላፊት፡ ምስ ስፖንሰርሺፕ ተተሓሒዙ ግን ''ኮነ ኢልካ ንናይ [ውልቀ] ሚድያ ከይዓቢ ዝግበር ምንቅስቓስ የለን። በቲ ደረጃ ንሱ መጺኦም ዝተኸልከሉ ኣካላት እንተሃልዮም፡ ንቕጻሊ ክርአ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ ድማ፡ ምርኣይ ጽቡቕ ይመስለኒ'' ይብላ።

ሕጽረት ሞያዊ ዓቕምን ብስለት

ጋዜጠኛ ዮናስ በላይ፡ ናብታ ቅድሚ ልዕሊ 15 ዓመታት ኣቢሉ፡ ዘሐትማ ዝነበረት መጽሄት ጥሕሎ፡ ምልስ ኢሉ እንትሓስብ ብመዳይ ዓቕምን ትሕዝቶን ውሱንነት ከምዝነበራ ይገልጽ።

''ብሓደ ገጽ እቲ ናይ ሚድያ ስራሕቲ፡ ብኻሊእ ገጽ እቲ ናይ ቢዝነስ ስራሕቲ ኣመሓዲርካ ምኻድ፡ ቀሊል ኣይኮነን። ናይ ባዕሉ ዝኾነ ብስለትን ተኽእሎን የድልዮ ነይሩ። ብዋናነት ዝግበአና ስራሕ ሰሪሕና ኢና ኢለ ኣይኣምንን'' ይብል።

ብተመሳሳሊ ፡ጥንኩራት ዝኾኑ ዛዕባታት ሒዝካ ኣብ ምውጻእ ጸገማት ከምዝአረዩ፡ መምህር ማቴዎስን ጋዜጠኛ ዳኒኤልን ይሰማምዑ።

''ኣብቲ ሕብረተሰብ ውሽጢ 'እንታይ እዩ ዝጎደለ? እንታይ እየ ክመልእ?' ኢልካ ኣጽኒዕካ ዘይምውጻእ፥ ምህጻጽ ኣሎ'' ይብል ጋዜጠኛ ዳኒኤል ኣስመላሽ።

Image copyright Matewos
ናይ ምስሊ መግለጺ መምህር ማቴዎስ ገብረህይወት

እንታይ እሞ ይገበር ?

ሚድያ ክዓብን ክምዕብልን እንተዘይክኢሉ፡ እቲ ዝድለ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ክመጽእ ኣይኽእልን፡ ዝብል መምህር ማቴዎስ ገብረህይወት፡ ''እቲ ፖለቲካዊ ባይታ ክሰፍሕ ኣለዎ። መንግስቲ ናይ ውልቀ ሚድያታት ክዕምብባ፡ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ። ብስልጠና ይኹን ብኻልኦት መንገዲታት፡ ናይ ባዕሉ ግደ ይዋጻእ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን'' በሃሊ እዩ።

ብተወሳኺ ናይ ውልቀ ሚድያታት ክዕምብባ፡ ግደ ሰብ ሃፍቲ ልዑል ምዃኑ ዝሕብር መምህር ማቴዎስ፡ እንተኾነ ግን ካብቲ ካብ መንግስቲ ዝበጽሖም ተጽዕኖ ብተወሳኺ፡ መብዛሕተኦም ልመና ወይ ትኳቦ ከምዝመስሎም ወሲኹ ይገልጽ።

ውልቀ ሚድያታት እንትጣየሻ ንጹር ዝኾነ ዕላማ ሒዘንን፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝመልአኦ ክፍተት ነጺረንን ክለዓላ ከምዘለወን ዝገልጽ ጋዜጠኛ ዳኒኤል ኣስመላሽ ብወገኑ፤ መንግስቲ እውን እንተኾነ ነቲ ዓውዲ ከም ፍልፍል ሓበሬታ ተቐቢሉ፡ ሓገዝ ክገብረሉ እምበር፡ ከም ጸላኢ ክሪኦ ከምዘይብሉ ይሕብር።

ድሕረ ባይታ

ከም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ1987 ዓ.ም ዝጸደቐ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዓንቀጽ 29፡ ዝኾነ ሰብ ዝኣምነሉ ኣመለኻኽታ ናይ ምሓዝ፥ ብዘረባ ይኹን ብጽሑጽ ወይ ሕትመት ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰሉ ዝተሓለወ ምዃኑ ይሕብር። ኣብ ልዕሊ ሕትመታት ዝግበር ቅድመ ምጽራይ ክልኩል ምዃኑን፡ ረብሓ ህዝቢ ብዝምልከት ሚድያታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለወን'ውን የመልክት።

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፡ ኣብታ ሃገር ብርክት ዝበላ ውልቀ ሚድያታት ዝተጣየሳ እንትኾን፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ህልውነአን ውሑስ ኮይኑ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሓ ሚድያታት ሕትመት ግን ውሑዳት እየን።

ካብቶም ምኽንያታት፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሚድያን ጋዜጠኛታትን ዘብጸሖ ጽዕንቶ ምዃኑ ይግለጽ።

ብፍላይ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 2009 ዝወጸ ኣዋጅ ጸረ-ሽብር ስዒቡ፡ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሚድያታትን ጋዜጠኛታትን ዓፈና እናፈጸመት ከምዝጸንሐት፡ በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ጋዝጠኛታት ከምዝተኣሰሩን ከምዝተሰደዱን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን እናገለጹ ጸኒሖም እዮም።

ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ክሳብ 2015 ጥራሕ ልዕሊ 10 ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰረት ፡ ንድሕንነት ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ሲ ፒ ጀይ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ 2016 ድማ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ኣቐሚጥዋ ነይሩ።

ብኻሊእ ገጽ ''ኣብ ጋዜጠኛታት ይረአ ዝነበረ ጉድለት ሙያዊ ስነ-ምግባር'' ሓደ መንቀሊ እቲ ጸገም፡ ከም ዝኾነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓላፊ ትምህርቲ ክፍሊ ጋዜጠኝነትን ኮሚኒኬሽንን ዝነበሩ ዶክተር ኣብዲሳ ዘርኣይ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።

''ነቲ ስርዓት ንምቅላስ ብዝብል ኣብቲ ናይ ውልቀ ሚድያ ዝተጀመረ ምልዕዓል፡ ብኣልማሚት ምውቃስ፥ ጎንጺ ዘለዓዕሉን፡ ስም ዘጥፍኡን ትሕዝቶታት ይረኣዩዎ ነይሮም። እዚ ምኽንያት፡ እቲ ናይ ውልቀ ሚድያ ንባዕሉ ተሓንኪሉ ከውድቕ ኣብ ልዕሊ ምግባሩ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እተን ሚድያታት ዘብጸሖ ጽዕንቶ፡ ከበርትዕ ባይታ ፈጢሩሉ'' ይብሉ ዶክተር ኣብዲሳ።