ብሉጽ ኬንያዊ መምህር ሚልዮን ዶላር ተሸሊሙ

ሓው ፒተር ታቢቺ
ናይ ምስሊ መግለጺ "እዋኑ ናይ ኣፍሪቃ እዩ" ይብል ተዓዋቲ ሽልማት ሓው ፒተር ታቢቺ።

እዚ ኣብ ኬሪኮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝምህር ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካ ዝኾነ ሓው ፒተር ታቢቺ፡ " ስነ-ፍልጠት (ሳይንስእቲ እንኮ መገዲ ዓወትን መጻኢኹምን እዩ" ብምባል፡ ዘለዎ ብምውፋይ እዩ ንተማሃርኡ ዘተባብዕ ነይሩ።

ኣብቲ ጻዕቂ ተማሃሮን ዋሕዲ መምሃሪ መጻሕፍትን ዘለዎ ዝምህረሉ፡ ኣብ ኣውራጃ ናኩሩ እትርከብ ፐዋኒ እተባህለት ዓዲ ዝመሃሩ ተምሃርኡ ደገፉ እንተዝይነብሮም፡ መጻሕፍቲ ኮነ ዩኒፎርም ክገዝኡ ምተጸገሙ ነይሮም።

ምምሕያሽ ስነ-ፍልጠት

እቲ መብዛሕትኦም ተመሃሩኡ፡ ዘኽታማትን ትሑት ዝመነባብሮኦምን ዝኾኑ ወዲ 36 ዓመት ሓው ተርር፡ ኣብ ኬንያ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ናይ ትምህርቲ ድሌትን ፍቕርን ንኸዕቢ እዩ እቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር ሽልማት ዘውሃቦ ቅዱስ ተግባር ፈጺሙ።

ንተምሃሮኡ ነብሶም ዝሓፅብ ኢትዮጵያዊ መምህር

ስለዝኾነ ከኣ "እቲ ቅዱስ ተግባር ናይ ሕልና 'ምበር ናይ ገንዘብ ጉዳይ ኣይኮነን" ይብል። "ምስ ተመሃሮ ከም ዝውዕል መምህር ከኣ ናይቶም ናእሽቱ ተማሃሮ፡ ብልሒ፡ ድሌት፡ ተገዳስነትን ክእለትን እርኢ እሞ እሕበን" ይብል ሓው ፒተር።

ቀጺሉ ድማ "ድሕሪ ደጊም ኣፍሪቃውያን ተምሃሮ ንድሕሪት ክጉተቱ የብሎምን። ኣፍሪቃ ኣስማቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝስመዩ ሳይንቲስት፡ ኢንጂነርታት፡ ነጋዶ፡ ካተፍሪእያ። ደቀንስትዮኣ ከኣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓውድታት ፍልጠት ዓቢ ኣበርክቶ ክህልወን እዩ" ይብል።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቶም ተምሃርኡ ክሳብ ኣርባዕተ ማይል ተጓዒዞም እዮም ናብ ቤት ትምህርቲ ዝመጽኡ

ብዙሓት ተመሃሩኡ በእጋሮም ዕለታዊ ኣርባዕተ ማይል እናተጓዕዙ እዮም ዝመሃሩ። እቲ ቫርከይ ብዝተባህለ ትካል ዝግበር ናይ ብሉጽ መምህር ዓለማዊ ውድድር ካብ 179 ሃገራት ን10ሽሕ መማህራን እዩ ኣወዳዲሩ። እዚ ኣባል እታ ኣብ 13 ክፍለ ዘበን ብፍራንሲስ ኣሲሲ እተመስረተት ካቶሊኻዊት ቤትክርስትያን ዝኾነ ሓው ፔተር ከኣ ንመወዳድርቱ ስዒሩ እዩ ነቲ ሽልማት ወሲዱዎ።

ሓዊ ፔተር ኣብቲ ዝምህረሉ ቤት ትምህርቲ ናይ መምሃሪ መጻሕፍትን መማህራንን ዋሕዲ ምህላው ሓቢሩ። እቲ ካብ 35 ክሳብ 40 ተምሃሮ ጥራሕ ክሕዝ ዝግበኦ ክፍልታት ካብ 70-80 ተማሃሮ እዮም ዝመሃሩ።

እዚ ከኣ ነቶም ተምሃሮ ኮነ ንመማህራን ጸገም ምዃኑ የረድእ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብቑዕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለዘየሎ፡ ኣብ ዱካናት እንዳ ኢንተርነት ከይዱ እዩ ንመምሃሪኡ ዝኸውን ጽሑፋት ዘማልእ። ተማሃርኡ ከኣ ኣብ ሃገራውን ከም ኣብ ሮያል ሶሳይቲ ኬምስትሪ ዝኣመሰለ ኣህጉራዊ ውድድር ዓዲ ኢንግሊዝ ተሳቲፎም ምዕዋቶም ሓቢሩ።

እቶም ደያኑ፡ ተማሃሮ ሓው ፒተር ንዝነበሮም ሕጽረታት ብሳላ ተገዳስነትን ጻዕርን መምህሮም ኣብ ዝለዓለ ደረጃን ሓያሎ ኣብያት ዩኒቨርሲቲን ክጽምበሩን ክሳተፉን በቒዖም እዮም።

ሓዊ ፒተር፡ እቲ ዝዓበየ ብደሆ፡ ነቲ ምምሕዳር'ቲ ከባቢ ናብቲ ቤት ትምህርቲ መጺኦም ሃለዋት እቶም ጽጉማትን ዘኽታማትን ንኽዕዘቡ ምእማንን ምትብባዕን እዩ ይብል። ምኽንያቱ ስድራቤታት ደቀንስትዮ፡ ደቆም ትምህርተን ክሳብ ዝውድኣ ብመርዓን ሕጸን ንኸይዕንቅፉወን ምትብባዕ እውን ኣካል እቲ ንሱ ዝገብሮ ወፍሪ ኣብ ትምህርቲ እዩ።

Image copyright Varkey Foundation
ናይ ምስሊ መግለጺ "ብሉጽ መምህር" ዝብል መዓርግ ዝተውሃቦ መምህር ፒተር

"እዚ እዋን እዚ ናይ ኣፍሪቃ እዋን እዩ" ይብል ዕውት ኣህጉራዊ ውድደር ሓው ፒተር። እዚ እዋን ናይ ኣፍሪቃ ወጋሕታ እዩ። ሰማያት ኣፍሪቃ ብሩህ እዩ ዘሎ። ሕጂ ታሪኽ ኣፍሪቃ ኣብ ሓዲሽ ዓለባ እንጽሕፈሉ እዋን እዩ!"።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ "ዛንታኻ ዛንታ ኣፍሪቃ እዩ። እቶም ካብ ትሑት ዝመነባብሮኡ ሕብረተሰብ ኬንያ ዝመጽኡ ተማሃሮኻ ምስ ዓበይቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዓለም ተወዳዲሮም ክዕወቱ ምብቅዖም ክትምስገን ይግባእ" ብምባል፡ ንዓወትን ጻዕርን ሓው ፒተር ኣመስጊኑ። እቲ ውድድር ንብቕዓትን ተወፋይነትን መምህራን ክብ ንምባል ዝሕግዝ እዩ።

ዓሚ ኣንደርያ ዛፊራኮ ካብ በርሚንግሃም እዩ ኣብዚ ውድድር ተዓዊቱ። መስራቲ ውድድር ሳንይ ቫርከይ " ዓወት ሓው ፒተር ንብዙሓት መማህራን ተስፋን ኣርኣያን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ውፉያትን ግዱሳትን ተማሃሮ ንርኢ ኣሎና" ከኣ ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት