ቅልውላው ቬኒዝዋላ፡ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ኣብ ከባቢ ካራካስ ዓሊበን

ባንዴራ ሩስያ ዘለዋ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሳይሞን ቦሊቫር ኣብ ካራካስ ትርኤ Image copyright Reuters

ወታደራትን ብዝሒ ዘለዎ ኣጽዋር ዝጸዓና ክልተ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ኣብ ቀንዲ ማዕርፎ ነፈርቲ ቬኒዝዋላ ዓሊበን።

እዘን ነፈርቲ 'ተክኒካዊ ወታደራዊ ኩንትራት ንምፍጻም' ዝተላእካ ምኳነን ማዕከናት ዜና ሩስያ ጸብጺበን።

ሓደ ቬኒዝዋላዊ ጋዜጠኛ 100 ዝኾኑ ወታደራትን 35 ቶን መሳርያን ካብተን ነፈርቲ ክራገፍ ከም ዝርኣየ ጽሒፉ።

እዘን ሃገራት ሓባራዊ ወታደራዊ ልምምድ ካብ ዝገብራ እዚ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ።

ሩስያ ቀንዲ መሓዛ ቬኒዝዋላ ኮይና ነታ ሃገር ቢልዮናት ዶላር ኣለቂሓታ ኣላ። ንሰራዊትን ንናይ ንዳዲ ኢነዱስትሪን'ታ ሃገር ከም ትድግፍ ውን ይፍለጥ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግሰቲ ፕረሲደንት ኒኮላስ ማድሮ ብኣሜሪካ ዝተነብረ እገዳ ሩስያ ብዓውታ ተቓዊማቶ ኢያ።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖሞፐዮ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሩስያ ኣብ ቬኒዝዋላ ትገብሮ ዘላ ዘይሃናጺ ምንቅስቃስ ደው ከተብሎ ብምጽዋዕ፡ ኣሜሪካን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራትን፡ ሩስያ ንወጥሪ ቬኒዝዋላ እናጋደደቶ ስቅ ኢለን ከም ዘይዕዘባ ገሊጹ።

እዘን ክልተ ነፈርቲ እንታይ ኢየን?

ጋዜጠኛ ማዮርካ ከም ዝገለጾ እተን ኣብ ብቀዳም ኣብ ከባቢ ካራካስ ዝዓለባ ነፈርቲ፡ ሓንቲ ናይ ጽዕነት ኣንተኖቭ- 124 እታ ኻልኣይቲ ድማ ንእሽቶ ነፋሪት ኢያ።

ንሱ ብተወሳኺ ሩስያዊ ጀነራል ቫሲሊ ቶንኮሽኩሮቭ ነቶም ወታደራት መሪሑ ከም ዝመጸ ሓቢሩ።

ዝምድና ቬኒዝዋላ ምስ ኣሜሪካ እናሻሕከረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እታ ሃገር ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ወታደራዊ ልምምድ ዝሳተፋ ክልተ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ናብታ ሃገር ከም ዝተላእካ ይፍለጥ።

ፕረሲደንት ማድሮ ነቲ ንርእሱ መሰጋገሪ ፐረሲደንት ኢሉ ዝሸመ ጓይዶ ብሓገዝ ኣመሪካ ዕልዋ ዝፈተነ ክብል ኢዩ ዝኸሶ። ሩስያ ዘረባ ማድሮ ብምድጋ ንጓይዶ ትውንጅል።

መልእኽቲ ንዋሽንግተን

ሩስያ ድሩትነት ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣብ ቬኒዝዋላ ብግልጺ ኣርእያ ኣላ።

ምሕዳራ ትራንፕ ንለውጢ ስርዓትን ምትካል ዲሞክራሲን ይደፍእ ኣሎ። ሞሰኮ ግና ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ ማደሮ ኢያ። ዘድሊ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ወታደራውን ደገፍ ድማ ትገብረሉ።

ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዘን ሃገራት ሓባራዊ ወታደራዊ ልምምድ ድሕሪ ምክያደን ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ሞስኮን ናይ ቃላት ኲናት ተወሊዑ ነይሩ።

ዋላ እኳ እዘን ነፈርቲ ዝሓዘኦ መሳርያ ብንጹር ኣይፈለጥ፡ ናብ ዋሽንግተን ግን ተወሳኺ መልእኽቲ ሰዲደን ኣለዋ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት