ኤርትራ፡ ብቲቢ ዝስዕብ ሞት ሕሙማት ኤችኣይቪ፡ ብ83% ከም ዘጉደለት ተገሊጹ

Image copyright UNAIDS

ኤርትራ ብምኽንያት ሕማም ቲቢ ዝስዕብ ሞት ሕሙማት ኤችኣይቪ ብ83 % ከም ዘጉደለት ተገሊጹ።

ፕሮግራም ኤችኣይቪ ኤይድሰ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤይድስ)፡ ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ዓባይ ሰዓል፡ 24 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብተን ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ሓሙሽተ ሃገራት እየን ነቲ ኣብ 2020 ክብጻሕ ተተሊሙ ዝነበረ ሸቶ ኣቐዲመን ማለት ኣብ 2017 ክበጽሕኦ ዝኸኣላ።

ንሳተን ድማ ህንዲ (84%)፡ ኤርትራ (83%)፡ ጅቡቲ (78%)፡ ማላዊ (78%) ከምኡውን ቶጎ (75%) ኢየን።

ሃገራት ነቲ ናይ 2020 ሸቶ ንምህራም ጻዕርታተን ክብ ከብላ ዩኤንኤይድስ ጸዊዑ።

ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ንመልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣብ ኣብ 2030 ንምግታእ ኣብ 2020፡ ኣብ መንጎ ብኤችኣይቪ ኣብ ዝተለኽፉ ሰባት ብዓባይ ሰዓል ንዝስዕብ ሞት ብ75 % ንምንካይ ኣብ 2016 ምስምምዐን ይግለጽ።

ብመሰረት ገምጋም ውድብ ጥዕና ዓለም ብኤችኣይቪ ኣብ ዝተለኽፉ ሰባት ብዓባይ ሰዓል ዝስዕብ ሞት ካብ 2010 ክሳብ 2017 ኣብ ዘሎ ግዜ ብ42% ጎዲሉ እዩ።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ካልኦት 18 ሃገራት ነቲ መጠን ሞት ናብ ልዕሊ 50% ብምጉዳለን ቅኑዕ መስመር ሒዘን ምህላወን ገሊጹ።

እንተኾነ ግና ዝበዝሓ ሃገራት ገና ብዙሕ ዕዮ ከም ዝጽበየንን ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳን ማእከላይ እስያን ድማ እቲ መጠን ሞት ይውስኽ ምህላውን ሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ዩኤንኤይድስ ሚስተር ሚሸል ሲደበ "ቲቢ ዝፍወስን ክንከላኸሎ እንኽእልን ሕማም ብምዃኑ፡ ኣብዚ እዋን ኣዘራራቢ ክኸውን ኣይምተገብኦን። ድኻታት ዓለምና ንህክምናዊ ክንክን፡ መግብን መጽለልን ዘለዎም መሰል ሸለል ምባል፡ ቲቢ ክስዕርርን ተጻዋርነት ከጥርን ኣኽኢሉ" ድሕሪ ምባል፡

"ብፍላይ እቶም ብኤችኣይቪ ዝተለኽፉ ሰባት ነዚ ሓደጋ ቅሉዓት ኢዮም። ሕጂውን ብዙሓት ሃገራት ነቲ ሸቶ ክወቕዓ ዕድል ኣለወን፤ ግና ሕጂ ክንለዓል ኣሎና። ዓባይ ሰዓልን ኤይድስን እንገትኣሉ ሰዓት እዩ" ኢሉ።