እስራኤል፡ ንዒላማታት ሓማስ ኣብ ቓዛ ደብዲባ

ድሕሪ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ጋዛ ዘጋጠመ ባርዕ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ጋዛ ዘጋጠመ ባርዕ

ሰዓታት ድሕሪ ሓንቲ ሮኬት ኣብ ሰሜናዊ ተልኣቪቭ ንሓደ ገዛ ምስ ወቕዐ፡ እስራኤል ንዒላማታት ጉጅለ ሓማስ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብነፈርቲ ደብዲባ።

ቤት ጽሕፈት ናይ ሓደ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስን መደበር ስለያ ናይ`ቲ ጉጅለን ድማ ገለ ካብ`ቶም ዒላማታት ነይሮም ኢሎም ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል።

ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ድማ በቲ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ነቲ ንወሽመጥ ቓዛ ዝቆጻጸር ሓማስ በቲ ሸውዓተ ሰባት ዘቑሰለ መጥቃዕቲ ሮኬት ወቒሱ ነይሩ።

`እስራኤል ነዚ መጥቃዕቲ`ዚ ኣይክትጽመሞን`ያ። ኣነ`ውን ኣይክጽመሞን`የ` ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ነታኛሁ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተገብረ ጽምብል ኣብ ዘስመዖ መደረ።

ኣብ`ቲ እዋን፡ ፕረሲደንት ትራምፕ እስራኤል ኣብ 1967 ኣብ እዋን ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ሶሪያ ጎቢጣ ንዝሓዘቶም ኣኽራናት ጎላን ልኡላዊ መሬት እስራኤል ምዃኖም ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂቡ።

`እስራኤል ነዚ ቀይዲ-በተኽ መጥቃዕቲ`ዚ ሓያል ግብረ-መልሲ ትህበሉ`ላ` ኢሉ ነታኛሁ። ጸኒሑ ድማ ናይ ኣሜሪካ ዑደቱ ኣቋሪጹ ንዓዱ ከምዝምለስ ኣፍሊጡ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ መጥቃዕቲ `ፍንፉን`ብምባል ድሕሪ ምውጋዝ፡ ኣሜሪካ `ንፍጹም መሰል ርእሰ-ምክልኻል እስራኤል ኣፍልጦ ከምእትህብ` ገሊጹ።

ዛጊት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ዝተኣመነ ዝኾነ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ የለን። ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ በዓል መዚ ሓማስ ግን እቲ ጉጅለ ከምኡ ክገብር `ረብሓ የብሉን` ኢሉ።

እንታይ`ዩ`ቲ ሓዲሽ ነገር?

ብሰኑይ ምሸት ሰብ መዚ ሓማስ ብመንጎኝነት ግብጺ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም። እስራኤል ግን ብዛዕባ`ዚ ዝበለቶ ነገር ኣይነበረን። ሓይልታት ምክልኻል ኣስራኤል ድማ ሰኑይ ምሸት `ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሮኬታት` ናብ እስራኤል ከምዝተወንጨፉ ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሮም።

ኣብ ደቡባዊት ከተማ ስደሮት ድማ ሓደ ገዛ ከምዝዓነወ፡ ዝቖሰለ ሰብ ግን ከምዘይነበረ ተሓቢሩ። እቲ ኣይረን ዶም ዝተባህለ ናይ እስራኤል ናይ መከላኸሊ መሳርሒ ድማ ሓያሎ ሮኬታት ከምዝወጨፈን እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም ኣብ ጎልጎል ከምዝወደቑ ሰብ መዚ`ታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ሰኑይ ንግሆ እንታይ`ዩ ኣጋጢሙ?

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ወተሃደራት እስራኤል፡ ምስ ፍልስጤም ዘዳውብ ጽርግያ ዓጽዮም።

ሓደ ካብ ራፋ ደቡባዊ ቓዛ ዝተወንጨፈ ሮኬት 120 ኪሎሜተር ርሒቑ ንዝርከብ ኣብ ሚሽመረት ንዝርከብ ሓደ ገዛ ወቒዑ ባርዕ ብምፍጣር ከቢድ ጉድኣት ኣውሪድሉ።

ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እስራኤል ድማ ንኽልተ መጠነኛ ጉድኣት ዝወረደን ኣንስትን፡ ሓደ ዕሸል ዝርከቦ ካልኦት ፈኲስ ማህረምቲ ዘጋጠሞም ሓሙሽተ ሰባትን ሓኪሞም።

`ስድራይ ንቑሩብ`ዮም ኣምሊጦም። ብእዋኑ ናብ`ቲ ካብ መጥቃዕቲ ቦንባ ዘዕቁብ ቦታ እንተዘይንኸይድ ኔርና፡ ሕጂ ንኹሎም ስድራይ እቐብር ምሃለኹ ነይረ` ኢሉ ናይ ብሪጣኒያን እስራኤልን ዜግነት ዘለዎ ሮበር ዎልፍ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

እቲ መጥቃዕቲ ንሓደ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ገዛን ሃያሎ መካይንን`ውን ኣዕንዩ`ዩ።

ድሕሪ`ቲ ናይ 2014 ጎንጺ ቓዛ፡ እዚ መጥቃዕቲ`ዚ እቲ ኣብ እስራኤል ኣዝዩ ርሒቖ ዝኸደ ሮኬት`ዩ።

ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሜጀር ሚካ ሊፍሺዝ እቲ ካብ 2008 ኣትሒዙ ሰለስተ ጊዜ ምስ እስራኤል ዝተዋግአን ብእስራኤል፣ ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣኒያን ከም ጉጅለ ሽበራ ዝፍለጥ ሓማስ በቲ መጥቃዕቲ ተሓታቲ`ዩ ኢላ።

`ብሓማስ ዝተሰርሐን ዝተቀንጨፈን ሮኬት`ዩ` ኢላ ንሳ። `ክሳብ 120 ኪሎሜተር ናይ ምውንጫፍ ተኽእሎ ኣለዎ` ድማ ኢላ።

እስራኤል`ከ እንታይ ግብረ-መልሲ ሂባ?

ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቓዛ መትቃዕትታት ከምዝነበሩ ሰብ መዚ ጸጥታ ፍልስጤም፣ ማዕከናት ዜናን ናይ ዓይኒ መሰኻክርን ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒያ ከምዝተደብደበ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤልን ቴለቪዥን ሓማስ ኣል ኣቕሳ ቲቪን ኣፍሊጦም። ንሱ ግን ኣብ ኣብ እዋን`ቲ መትቃዕቲ ውሽጢ`ቲ ቤት ጽሕፈት ነይሩ ድዩ ኣይነበረን ግን ኣይተፈልጠን።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ናይ ውግእ ነፈርቶም ንቤት ጽሕፈት ጉዳያት ውሽጣዊ ድሕነት ሓማስ`ውን ዒላማ ከምዝገበራ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ`ሉ እንከሎ፡ ነፈርቲ ኲናት እስራኤል ኣብ ማእከላይ ከተማ ቓዛ`ውን ከምዝደብደባ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ፍልስጤም ገሊጹ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ዝተርኣየ ትኪ

ሸውዓተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣፈኛ`ቲ ብሓማስ ዝመሓደር ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣሽራፍ ኣል ቁድራ ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

ኣስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍናዋ፡ ክልተ ብርጌዳት ናይ ሓይልታት ምክልኻላ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ኣዋፊራ `ኣዝዩ ድሩት` ንዝበለቶ ቁጽሪ ዕቑር ሰራዊት ከምዝጸወዐት ድማ ኣፍሊጣ።

ሰብ መዚ እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ቓዛ ንዝርከቡ መንገድታት`ውን ዓጽዮም፣ ኣብ`ቲ ቦታ ሕርሻዊ ንጥፈታት ደው ኣቢሎም፣ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣሽኬሎን ድማ ዓበይቲ ጉዳያት ኣወንዚፎምን መዕቆቢታት መጥቃዕቲ ቦምባ ድማ ከፊቶም።