ቦይንግ ኣብ መቆጻጸሪ ነፈርቲ 737 ማክስ ምምሕያሽ ከምዝገበረ ገሊጹ

ስብርባር ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ቁጽሪ 302 Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ስብርባር ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ቁጽሪ 302

ቦይንግ፡ ምኽንያት እተን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወደቓ ክልተ ነፈርቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ፡ መቆጻጻሪ እተን ነፈርቲ ምምሕያሽ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

ኮይኑ ግና እተን ካብ ምብራር ዝተኽልከላ ነፈርቲ መዓስ ምብራር ከም ዝጅምራ ኣይገለጸን።

ዛጊድ መንቀሊ እቲ ሓደጋ 'ውን ዕላዊ ኣይኮነን።

ኣካል እቲ ምምሕያሽ ዝኾነ፡ ደረጅኡ ዝሓለወ ናይ ቅድመ ጠንቀቕታ ኣካል (warning system) ከም ዝገጥመለን ቦይንግ ገሊጹ።

እታ ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትኹን ናይ ኢንዶኔዥያ ነፋሪት፡ ነቶም ኣብረርቲ መጠንቀቕታ ዝህብ መሳርሒ ኣይነበረንን።

ቦይንግ እቲ ቅድመ መጠንቀቕታ ዝህብ ኣካል፡ ኣብተን ካልኦት ነፈርቲ ብዘይ ክፍሊት ክገጥሞ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ቦይንግ ምስቲ ሓደጋ ዝተሓሓዝ እዩ ዝበሃል፡ ሶፍትዌር ምምሕያሽ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

እታ ንሞት 189 ሰባት ምኽንያት ዝኾነት ነፋሪት ኢንዶኔዥያ ናይቲ MCAS ዝበሃል ሶፍትዌር ጸገም ከም ዝኾነን፡ ምስ ሓደጋ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝመሳሰል ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን ኣመሪካ ይገልጽ።

ኮይኑ ግና፡ እቶም ምምሕያሻት ምግባር፡ መንቀሊ እቶም ጸገማት ንሳቶም እዮም፡ ማለት ከም ዘይኮነ እዩ ቦይንግ ዝሕብር።

መንቀሊ እታ ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምፍላጥ፡ ሓበራዊ ምርመራ የካይዱ ዘለዉ ተቖጻጸርቲ ድሕንነት ትራንስፖርት ኣመሪካ፥ ኣቬሽን ፈረንሳይን ሚኒስቴር ትራንስፖርት ኢትዮጵያን፤ ውጽኢት እቲ ምርመራ ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ክገብሩ ትጽቢት ይግበር።

ተወሳኺ ዛንታ