ሚኒስተር መንእሰያት ኡጋንዳ ንትሕቲ ዕድመ ድምጻዊ ምይክሮፎኑ ክድርቢ ኣዚዛ

ኡጋንዳዊ ድምጻዊ

ሚኒስተር መንእሰያት ኡጋንዳ ንወዲ ሸውዓተ ዓመት ድምጻዊ፡ ዝጀመሮ ናይ ደርፊ ጥበብ ንኸቛርጾ ኣጠንቒቓ።

ኡጋንዳዊ ድምጻዊ ወዲ 7 ዓመት ብሰሪ ዕደሚኡ ማይክሮፎኑ ከዉርድ ተሓቲቱ።

ሚኒስተር መንእሰያት ፍሎረንስ ናኪወላ ብመሰረት ሕጊ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ትሕቲ ዕድመ ቖልዓ ክሰርሕ ከም ዘይብሉ ኢዩ ዝገልጽ ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።

ኣብ ናይ ኡጋንዳ ፈነወ ተለቪዥን ኤንቢኤስ ኣብ ዝተኻየደላ ቃለ መሕተት፡ ነዚ ወዲ 7 ዓመት ኮኾብ ኣብ ስነ ጥበብ ንኸይነጥፍ ብምጥንቃቕ፡ ምስ ዘይሰምዕ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህጻናት "ጁቪናይል" ክእሰር ከም ዝኽእል ኣጠንቒቃ ነይራ።

ሸቕለት ትሕቲ ዕድመ ንምቑጽጻር ንሰበ ስልጣን ከቢድ ነገር ሙዃኑ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካትሪን ቢያሩሃንጋ ትጽብጽብ።

ቖልዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሽቕለት ሕርሻ፡ ንኣሽቱ ንግድን ከም'ዉን ኣብ ጎደናታት ክሽቕጡ ብዙሕ እዋን ከም ዝርኣዩ'ዉን ገሊጻ።

ካልኦት መዘንኡ ትምህርቶም እናተኸታተሉ እቲ ብፍረሽ ኮኾብ ዝፍለጥ ፓትሪክ ሰሲነዮጆ ግና ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ከም ዝዉዕልን ብግቡእ ትምህርቱ ከም ዘይከታተልን እያ ሚኒሰተር ሓቢራ።

ኮይኑ ግን ወኪል እዚ ኮኾብ፡ ግቡእ ትምህርቱ ይከታተል ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።እዚ ዓመት ካብ ዝጅመር፡ እዚ ስነጥበባዊ ኣብ ሙዚቓ፡ ቐዳመ ሰንበት ጥራይ ከም ዝነጥፍን፡ ሓንቲ ናይ ደርፊ ቪድዮን ክልተ ምርኢታትን ብጠቕላላ ሰለስተ ደርፍታት ከም ዘለውኦ ወኪሉ ፍራንሲስ ካሞጋ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ኣይሰርሕን ኢዩ ዘሎ ኣይክፈልን ክኣ ኢዩ" ይብል ወኪሉ።

ንሱ ብተወሳኺ "ኣብ ሓደ ገጠር ደርፊ ክፈታትን ምስ ተዓዘብክዎ ናብዚ ከተማ ሒዘዮ መጺኤ፡ ትምህርቱ ድማ ይኸፍለሉ ኣለኹ" ይብል።እዚ ኾኾብ ኣብታ 'በንተካ'ተባሂላ ትፍለጥ ደርፉ ቛንቛ ሉጋንዳ ምስ ኣሽሙር ብምሕዋስ ነቶም ኣብ ትምህርቲ ኣይሳተፍን ብምባል ዝሓምይዎ ይነቕፎም።ተጠቐምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ፖለቲከኛታት መጻኢ እዚ ቖልዓ ይጎድኡ ኣለዉ ብምባል ይነቕፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት