ኩሊት ዝለገሰት ፈላሚት ተጠቃዒት ኤችኣይቪ

ኒና ማርቲነዝ Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ኒና ማርቲነዝ (ማእከል)

ኣብ መንጎ ተጠቃዕቲ ኤችኣይቪ ኤድስ፡ ፈላማይ ዝኾነ ስግግር ኩላሊት፡ ኣብ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ባልቲሞር ተኻይዱ።

ነቲ መጥባሕቲ ካብ ዘካየዱ ሓደ ዝኾነ ዶክተር ዶሪ ሰገቭ፡ ምስ ኤችኣይቪ ኤድስ ዝነብር ሰብ ኩላሊት ክልግስ እንትፍቀደሉ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ይዛረብ።

ቅድም ክብል ነቲ ኩላሊት ዝልግስ ሰብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝፈጥር ዝእመን ዝነበረ እንትኾን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝመጹ መድሓኒታት ጸረ ቫይረስ ግን ኣብ ኩላሊት ዘምጽዕዎ ጉድኣት ከምዘየለ ይግለጽ።

ዶክተር ክርስቲን ዱራንድ ብወገና እቲ መጥባሕቲ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ኤችኣይቪ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ከምዝቕይርን ኣብ ምዕባለ ሕክምና 'ውን ሓጋዛይ ምዃኑን ትገልጽ።

እተን ተሓከምቲ ሕጉሳት ከምዝኾናን፡ ውጺኢቱ ድማ ብቐጻሊ ክትትል ከምዝግበረሉን ዶክተር ክርስቲን ትዛረብ።

ፈላሚት ለጋሲት ኩላሊት ዝኾነት ጓል 35 ዓመት ኒና ማርቲነዝ ''ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣለኹ'' ኢላ።

ከም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ 2017፡ ቁጽሪ ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት 37 ሚልዮን ዝነበረ እንትኾን፤ ሕዚ'ውን እቲ ሕማም ኣብቶም ዓብዪ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘለዎም ይምድብ።