መስፍን ሓጎስ ንህልው ኩነታት ኤርትራ ብኸመይ ይሪኦ?

መስፍን ሓጎስ

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ- ሰንበት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን ኣብ ኩለን ዞባታት ኤርትራ ኣኼባታት ከካይዱ ከም ዝቐነዩ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከቃልሓ ቀንየን ኣለዋ።

እዚ ኣብ ሓደ እዋን ዝካየድ ዘሎ ሰፋሕቲ ኣኼባታትን ርክባትን ግን፡ ስለምንታይ ሕጂ? ትርጉሙን ኣመታቱን'ከ እንታይ'ዩ ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ'ሎ።

እቲ ኣኼባታት፡ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘሎ "ሓድሽ መድረኽ ሰላም" ሓያል ቁጠባ ኣብ ምህናጽን፡ ዞባዊ "ሽርክነት" ኣብ ምድንፋዕን መንግስቲ ክሰርሕ ምዃኑ ዝገልጽ ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ'ዩ ተገሊጹ።

ይኹን 'ምበር፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ብንጹር ዘይተፈልጠ፡ ካብ መደረ ዘይሓልፍ መሰረት ዘይብሉ'ዩ ክብሉ ገለ ኤርትራውያን ይዛረቡ።

ኣቶ መስፍን ሓጎስ ብደረጃ ሚኒስተር ምክልኻል ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረን፡ ንነዊሕ ዓመታት፡ ክሳብ 2001፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ምንቅስቓሳት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ነገር ከም ዘይብሉ ትዕዝብቱ ንቢቢሲ ኣካፊሉ።

"ኩሉ ግዜ እቲ ዜጋ ዝጽበዮ፡ እዋናዊ ዝኾኑ ምዕባለታት ኣለዉ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ስምምዓት ኣሎ። ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ይግበር ስለዘሎ፡ ብዛዕብኡ ንምፍላጥ'ዩ ድሌት ናይቲ ህዝቢ፡ ግን እዚ ከም ኣርእስቲ ኣይተላዕለን" ይብል።

"ስለዚ እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ንበይኑ'ዩ፡ እቲ ህዝቢ ዝጽበዮ ዘሎ ካኣ ካልእ'ዩ" ብምባል እቶም ተላዒሎም ዝተባህሉ ዛዕባታት ንቀንዲ ሕቶታት ህዝቢ ክምልሱ ከም ዘይክእሉ ይገልጽ።

እቲ ካብ ሰነ 2018 ጀሚሩ ምስ ኢትዮጵያ ክግበር ዝጸንሐ ርክባት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ይግበር ከም ዘሎ ከምኡ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ "ኣሰከፍቲ" ዝኾኑ ዛዕባታት ክለዓሉ ምጽንሖ፡ ንህዝቢ ኣብ ሻቕሎት ከም ዘእተዎ'ውን ጠቒሱ።

"ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ግዜ፡ ሰላም ይደሊ'ዩ፡ ሰረት ናይ ሰላም'ዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ግን እቲ ኣብ ሃገርና ሰላም ንከይህሉ ጠንቂ'ዩ ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝሕበሮ ዝነበረ ጉዳይ ዶብን ጎቦጣ መሬት ኤርትራ ብኢትዮጵያን'ዩ ዝብል'ዩ።

"እሞ ሰላም ካብ ኮነ፡ እቲ ሰላም በዚ ክጅመር ኣለዎ። ጉዳይ ዶብና ክለዓል ኣለዎ፡ ብመሰረት እቲ ኣህጉራዊ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ክሕንጽጽ ኣለዎ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ንቡር ክንምለስ ኣሎና ዝብል ኩሉ ሰብ ዝጽበዮን ዝደልዮን'ዩ፡ እዚ ግን ኣይተገብረን"።

ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ምትእትታው ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራን ዝበሉ ጉዳያት'ውን እቲ ካልእ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕግበት ፈጢሮም ዝጸንሑ'ዩም።

ኣብቲ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ መንግስታዊ ጸብጻብ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታት "ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ሃገራት ናይ'ዚ ዞባ እትገብሮ ዝምድናታት ይኹን ስምምዓት፡ ንሉኣላዉነታን መሬታዊ ሓድነታን ከምኡ'ውን ንባሕራውን ኣየራውን ግዝኣታ ዘኽብር" ምዃኑ ምጥቃሱ ነቶም ክግለጹ ዝጸንሑ ስክፍታት ንምህዳእ ይመስል።

ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ ዘተሓሳስቦ ዘሎ ዝበሎ ጉዳይ ድማ፡ እቲ ድሕሪ'ቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ንኢትዮጵያውያን ኣውፈርቲ ዝተኸፍተ ዕድል ንኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ዘግለለ ምዃኑ ኣቶ መስፍን ይዛረብ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ንዘቤታዊ ዛዕባታት ኣመልኪቱ ቃለመጠይቕ ክህብ'ዩ ተባሂሉ'ኳ እንተ ነበረ ዛጊት ኣይተገብረን። ዞባዊ ጉዳያት ቀዳምነት ዝህቦም ምዃኑ ግን ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ጠቒሱ ነይሩ።

ስለምንታይ ብደረጃ ካቢነ ኣኼባ ክግበር ዘይተኻእለ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ድማ፡ ኣቶ መስፍን፡ እቲ ካቢነ'ውን ንስሙ'ምበር ከምቶም ካልኦት ኣካላት መንግስቲ "ሃልዩ ኣይሃልዩ ትርጉም የብሉን" ክብል ገሊጽዎ።

ብዛዕባ'ቶም ኣኼባታት ካብ ቤት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

በዚን ብመሰረታዊ ጉዳያት ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዘይዓገቡ ኣብ ዲያስፓራ ዝርከቡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣንጻር መንግስቲ ዘለዎም ተቓውሞታት ከሐይሉ ይራኣዩ ኣለዉ።

'ይኣክል'

ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተገብረ ስምምዕ ምብቃዕ ኩነተ-ኲናትን ዕርቀ-ሰላምን፡ ኣብ ኤርትራ ለውጥታትን ጽገናታትን ዝተጸበዩ ዜጋታት እታ ሃገር ውሑዳት ኣይኮኑን።

ይኹን 'ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ንፓለቲካዊ ኩነታት ዝምልከት ርኡይ ጽገናታት ኣይተገብረን። ኤርትራ ሕጂ'ውን፡ ቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን ዘይብላ ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ንክልተ ዓሰርታት ዓመታት ዝቐጸለ ዶባዊ ግጭት፡ ብፍላይ ድማ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ንኤርትራ ዝተበዋህበ ከባቢታት ዘይምውጽኡ፡ ከም ምኽንያት ምድስካል ፓለቲካዊ ጽገናታትን፡ ምምስራት ቅዋማዊ መንግስትን ከቕርብዎ ጸኒሖም'ዮም።

ዋላኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢልዎ እንተኸነ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ነታ ዶባዊ ኲናት ዝተወላዓላ ባድመ ኣብ ትሕቱ ቁጽጽሩ'ያ ትርከብ።

ኣብቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈራረመኦ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ምትግባር ዝብል ነጥቢ ከም ዝርከቦ ይዝከር።

ስለዚ ድማ በዚ ተስፋ ዝቖረጹ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

እዚ ኣብ ትሕቲ '#ይኣክል' ዝብል ጭርሖ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ፡ ቅዋም ክትግበር፡ እሱራት ክፍትሑን ዶብ ክሕንጸጽን ዝብሉ ዝርከብዎም ጠለባት ይቐርቡ ኣለዉ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ቀጻሊ መንገዲ ኤርትራ ናበይ?

ኣብዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝግበር ዘሎ ናይ ቪድዮ መልእኽትታት ፡ ሓያሎ ፍሉጣት ስነጠበበኛታትን ንመጀመርታ ግዜ ብግሉጽ ተቓውሞኦም ዘስምዕሉ ኮይኑ'ሎ። ገለ መራሕቲ ሃይማኖታትን ሰዓብቶም'ውን ብእኩብ "ይኣክል" ዝብል መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለዉ።